ንወላዲቱ ዝቐተለ ካናዳዊ ተዋሳኣይ ንሕልፈት ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካናዳዊ ተዋሳኣይ ራየን ግራንታም፡ ንኣዲኡ ብምቕታሉ ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ።
ንሱ፡ ባርባራ ዋይት ንዝተባሃለት ኣዲኡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ከምዝቐተለ ቤትፍርዲ ሓቢሩ።
እቲ ወዲ 24 ዓመት ተዋሳኣይ ‘ሪቨርዴል’ ኣብ ዝተሰመየ ፍሉጥ ናይ መንእሰያት ተኸታታሊ ድራማ ጀፍሪ ኦገስቲን ዝተባሃለ ገጸ ባህርይ ተላቢሱ እዩ ተዋሲኡ።
እቲ ብይን ብረቡዕ ኣብ ከተማ ቫንኩቨር ኣብ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪቲሽ ኮሎምብያ እዩ ተዋሂቡ።
እቲ ተዋሳኣይ ነቲ ገበን ከምዝፈጸሞ ምእማኑ’ውን ተገሊጹ።
ብዘይካ’ዚ ንቀዳማይ ሚኒስተር ጀስቲን ትሩዶ’ውን ንምቕታል ወጢኑ ምንባሩ ኣኽባር ሕጊ ሓቢሩ።
እቲ ተዋሳኣይ፡ ኣዲኡ፡ ኣብ ቫንኩቨር ኣብ ዝርከብ ገዝኣ ፒያኖ እናተጻወተት እንከላ ብድሕሪኣ ተኲሱ ከምዝቐተላ ተኣሚኑ።
ኣብ ሞባይል ቴለፎኑ ኣብ ዝቐድሖ ቪድዮ “ብድሕሪኣ ተኲሰ ኣብ ርእሳ ሃሪመያ። ኣነ ከምዝተኮስኩላ ፈሊጣ ነይራ” ክብል ተሰሚዑ።
ድሕሪ እቲ ቅትለት፡ ቢራ ሰትዩን ሓሽሽ ተጠቂሙን፡ ሰለስተ ሽጉጥን ባዕሉ ዘዳለዎ ተባራዒ፡ ኣብ ጫካ ንምጽናሕ ዘድሊ ነገራት ከምኡ’ውን ናብ ገዛ ቀዳማይ ሚኒስተር ጀስቲን ትሩዶ ዝወስድ ካርታ ሒዙ እዩ ተረኺቡ።
እንተኾነ ግና፡ ካብ ገዝኡ ርሒቑ ከባቢ 200 ኪሜ መኪናኡ ድሕሪ ምዝዋሩ ናብ መደበር ፖሊስ ቫንኩቨር ብምኻድ “ነደይ ቀቲለ” ብምባል ኢዱ ከምዝሃበ ተገሊጹ።
ኢዱ ቅድሚ ምሃቡ፡ ‘ላዮንስ ጌት ብሪጅ’ ወይ’ውን ሳይመን ፍራሰር ዩኒቨርስቲ ብምኻድ ብዙሓት ክቐትል ውጥን ከምዝነበሮ ፖሊስ ሓቢሩ።
ሳይመን ፍራሰር ዩኒቨርስቲ እቲ ተዋስኣይ ትምህርቱ ዝዛመሉ እዩ።
ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ብተዋስኦ ዝፍለጥ ራየን፡ ኣብ 2019 ‘ሪቨርዴል’፡ ‘ሱፐርናቹራል’ ከምኡ’ውን ‘ዳያሪ ኦፍ ኤ ዊምፒ ኪድ’ ኣብ ዝተባሃሉ ፊልምታት ተዋሲኡ።
ንሱ ካብቲ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወሉ እዋን ጀሚሩ ክትትል ጥዕና ኣእምሮ ይግበረሉ ምህላው ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ራየር ብጭንቀትን ጸቕጥን ይሳቐ ምንባሩ ጠበቃኡ ኣብ እዋን እቲ መስርሕ ፍርዲ ተዛሪቡ።
ኣዲኡ ቅድሚ ምቕታሉ ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ካልኦት ሰባትን ገዛእ ርእሱን ናይ ምቕታልን ዝንባለታት ከምዝነበሮ’ውን ተገሊጹ።
እቲ ተዋሳኣይ ይግባይ ክሓትት ዝኽእል ካብቲ ዝተዋሃቦ ብይን ነቲ 14 ዓመታት ምስ ዛዘመ እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
