ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ወሲኹ - ነበርቲ እየሩሳሌም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብዚ ወርሒ'ዚ፡ እቶም ዛንታ ፋሲካ ዝተጋህደሎም ጥንታውያን ጐደናታት እየሩሳሌም፡ ብኣሰር የሱስ ብዝጓዓዙ ብዙሓት ክርስትያን ነገድቲ ተጨናኒቘም እዮም።
"ኣዝዩ ስምዒታዊ'ዩ፡ ድሮ ቅሩብ ነቢዐ" ትብል ካብ ቤልግሬድ ዝመጸት ማሪና።
ንሳ፡ ዕንጸይቲ መስቀል ተሰኪማ’ያ ኣብ ሰልፊ ዓርቢ ስቕለት ኦርቶዶክሳዊት ተጸንቢራ።
ክርስትያናት እቲ ከባቢ'ውን ኣብቶም ብፍልስጤማውያንን ኣርመንያውያንን ንጥፈተ-ስካውት ብዘካይዱ ጕጅለታትን ዝተመርሑ ሃይማኖታዊ ሰልፍታት ተጸንቢሮም’ዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ግን፡ ኣብቲ ዝተጐበጠ ምብራቕ ከተማ እየሩሳሌም ዝነብሩ ክርስትያናት ምግፋዕን ዓመጽን ከም ዝወሰኸ ይዛረቡ።
ማዕበል መጥቃዕቲ
ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ግሪኽ ቴዎፍሎስ ሳልሳይ፡ "ብኣኽረርቲ እስራኤላውያን ጕጅለታት ኣብ ልዕሊ ህላወ ክርስትና ተራእዩ ዘይፈልጥ መጥቃዕቲ" ከምዘሎ ኣጠንቂቘም።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ኣብቲ ክርስትያናት ናይ መወዳእታ ድራር ከምዝተኻየደ ዝኣምኑሉ ደብረጽዮን፡ ክልተ ኣኽረርቲ ኦርቶዶክስ ኣይሁድ (ሄረዲ ጁዳይዝም) ዝዀኑ መንእሰያት ኣብ መካነ መቓብር ኣንግሊካን፡ መቓብራት እናርከሱ ብናይ ጸጥታ ካሜራታት ተቐሪጾም።
መስቀላትን እምኒ መቓብራትን ተሰባቢሮም። ድሒሩ፡ ፖሊስ እስራኤል ክልተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ መወዳእታ ጥሪ፡ ኣብ ኒው ጌት ኣብ ዝርከብ ብኣርመናውያን ዝውነን ቤት መግቢ፡ ዕስለ ዓመጽቲ ኣኽረርቲ ኣይሁዳውያን መናብር ደርብዮም ንብረት ኣበላሽዮም።
"ሞት ንዓረብ፡ ሞት ንክርስትያን" ዝብሉ ጭርሖታት’ውን ተሰሚዖም።
ኣብ ዝቐጸለ ወርሒ፡ ሓደ ሃይማኖታዊ ኣይሁዳዊ ኣመሪካዊ በጻሒ፡ ኣብ ቤተክርስትያን ፍላጌሌሽን ንዝርከብ ሓወልቲ ክርስቶስ ብመዶሻ ከም ዘዕነዎ ይዝከር።
ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝተቐርጸ ቪድዮ፡ ሓደ ፍልስጤማዊ ሓላዊ "ናብ ፖሊስ ደዊሉ" ኢሉ ክጭድር ይስማዕ። እቲ ተቓሊሱ ናብ መሬት ዘውደቘ ሰብኣይ ድማ "ጣኦታት ክተምልኽ ኣይፍቀደልካን" ይብል።
ብድሕሪኡ፡ እቲ ሰብኣይ ናይ ስነ-ኣእምሮ ገምጋም ይግበረሉ ከምዘሎ ተገሊጹ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ እየሩሳሌም፡ ኣብ ልዕሊ ካህናት ምትፋእ፡ ምጽራፍን ምድፋእን ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። እንተዀነ መራሕቲ ቤተክርስትያን ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝያዳ ጕጅላዊ ግህሰት ከም ዝተራእየ ይገልጹ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ "ጽልእን ጽንፈኝነትን፡ ኣኽራርነት ናይ ሓደ ክፋል ሕብረተሰብ እስራኤል ስለዝዀነ’ዩ" ይብሉ ፓትርያርክ ላቲን ጳጳስ ዊልያም ሾማሊ። "ውሑዳት ሰባት'ዮም።"
ንሶም፡ ኣብ ፖለቲካ እስራኤል፡ ሕሉፋት የማናውያን ተቐባልነት እናረኸቡ ምምጽኦም ተራ ከም ዝተጻወተ ይእምቱ። እዚ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ እስራኤል፡ ከም በዓል ሚኒስተር ፋይናንስ ቤዛለል ስሞትሪች ዝኣመሰሉ ነቶም ተመሳሳሊ ሃይማኖቶም ዘይብሎም ሰባት ዘይጻወሩ ፖሊሲታት ዝጣበቑ ኣዝዮም ኣኽረርቲ ሃገራውያን ዘጠቓልል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ጳጳስ ዊልያም፡ "ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስቲያናት መጥቃዕቲ ምፍጻም ናይቲ ሓድሽ መንግስቲ ስትራተጂ እዩ ዝብል እምነት የብለይን" ይብሉ።
"እቶም ነዚ ገበናት ዝፍጽሙ መንእሰያት ግን፡ ኣብ መንግስቲ ሓያላት ወከልቲ ስለዘለዎም ብገለ መልክዑ ሓለዋ ከም ዝረኽቡ ዝስምዖም እዮም።"
ቅድስቲ ከተማ እየሩሳሌም ኣብ ሕመረት እምነት ክርስትና እትርከብ እያ። እንተዀነ ቍጽሪ ኣብዚ ዝነብሩ ክርስትያናት፡ ካብቲ ቅድሚ ሓደ ዘመን ዝነበረ 25 ሚእታዊት ናብ ትሕቲ 2 ሚእታዊት ወሪዱ ይርከብ። ብዙሓት ካብቲ መሪር መዓልታዊ ክውንነት ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ኣምሊጦም ኣብ ካልእ ቦታታት ዝሓሸ ዕድላት ክናድዩ ተሰዲዶም እዮም።
ክርስትያናት ብሰንኪ ውሑድ ቁጽሪ ማሕበረሰቦም፡ ብፖሊሲታት እስራኤል ብዘይመጠን ከም ዝተጸልዉ የማርሩ።
እዚ ድማ ኣብ እየሩሳሌም ዝነብሩ ፍልስጤማውያን ምስቶም ኣብ ዝተጐበጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዝርከቡ ተመርዕዮም ምስ ስድራቤቶም ኣብታ ከተማ ንኽጸንሑ ኣጸጋሚ ይገብሮ።
'ዝተነጸሉ ተግባራት ኣይኰኑን'
ኣይሁዳውያን ሰፋሮ'ውን ዝያዳ ንብረት የጥርዩ ኣለዉ። ሰፈራታት ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ከም ዘይሕጋዊ ዝረኣዩ’ኳ እንተዀኑ፡ እስራኤል ግን ምስዚ ኣይትሰማማዕን።
ብዙሓት ክርስትያናት እቲ ኣብ ልዕሊኦም እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽልኢ፡ ተደፊኦም ንኽወጹ ዝዓለመ ከም ዝዀነ ይስምዖም።
ኣብ ኣርመንያን ኳርተር፡ ዓሌታዊ ግህሰት፡ ብጽልኢ ዝተመልአ ጽሑፍን ምፍርራሕን ክውስኽ ከም ዝተዓዘበ ሴትራግ ባሊያን ይገልጽ፤ ንቶም ሃይማኖታውያን ሃገራውያን ዝዀኑ ኣይሁዳውያን ድማ ይወቅስ።
"ንዝዀነ ኣይሁዳዊ ዘይኰነ ሰብ የቘጥዑ፡ የሕርቝን ይጸርፉን እዮም። እዞም ሰባት መሰል ዘለዎምን ኵላ እየሩሳሌም፡ ኵላ እታ ቅድስቲ ምድሪ፡ ናታቶም ጥራይ ዝዀነት ኰይኑ ዝስምዖምን እዮም" ይብል።
ንሱን መሓዙቱን ምስ ሓደ ነታ መስቀል ዘለዋ ባንዴራ ፓትርያርክነት ኣርመንያ ንምውራድ ኣብ መንደቕ ክድይብ ዝፍትን ዝነበረ ገጹ ዝሸፈነ ኣይሁዳዊ እስራኤላዊ ዝገበርዎ ምትፍናን ዘርኢ ቪድዮ የርኢ። ብሰንኪ እቲ ፍጻመ ድሒሩ፡ ኣዕሩኽቱ በርበረ ከም ዝተነጸጉ፡ ኣሸበርቲ ከም ዝተበሃሉን ምስ ፖሊስ ኣብ ጸገም ከም ዝኣትዉን ይዛረብ።
ፖሊስ ብወገኑ፡ ባእሲ ከም ዝተፈጸመ ዝገልጽ ሓበሬታ ረኺቦም ምላሽ ከም ዝሃቡን፡ ገለ መኮንናት ከም ዝተደፍኡን ይገልጹ።

ሴትራግ፡ ንወገናዊ ጸገማት ዝያዳ ዓለምለኻዊ ቆላሕታ ክወሃብ’ዩ ዝደሊ።
"ክርስትያናዊ ዓለም ነቶም ኣብዚ መበቆል ክርስትና ዝዀነ እየሱስ ዝተመላለሰን መሬታት እናተኸላኸሉ ዘለዉ ክርስትያን ኣሕዋቶም ክከላኸሉሎም ይውስኑ፡ ወይ ድማ ኵሉ ክንስእኖ ኢና" ይብል።
ፖሊስ እስራኤል መብዛሕትኡ ግዜ ብዝሕታለ ምላሽ ይኽሰሱ፤ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ግን፡ "ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ዓይነት ተግባራት ምጽራፍ፡ ዓመጽን ዕንወትን ከቢድ ስጕምቲ ንወስድ። ኵሎም ፍጻመታት ብቕልጡፍን ብወሳንን ኣገባብ ይተሓዙ’ዮም" ክብሉ ሓቢሮም።
"ሓይልታት ፖሊስ እስራኤል፡ ኣባላት ኵለን ሃይማኖታትን ድሕነት፡ ስርዓትን ነጻነት ኣምልኾን ክህልዎም ብትግሃት ይሰርሑ ኣለው" ክብሉ ወሲኾም ገሊጾም።
ኣተሓሳስባን ባህርያትን ንምቕያር ዝጽዕር ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ማእከል ባህልታት እየሩሳሌም፡ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ክርስትያናዊ ኣቕሽሽቲ፡ ንብረት፡ ነገድቲን ደቂ ዓድን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ክከታተል ጸኒሑ እዩ።
"ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ዓሰርተታት መጥቃዕትታት ኣጋጢሙና ኣሎ፡ ሕጂ ድማ እቲ ዕላማ ነቲ ዳታ ተጠቒምና፡ እዚኦም ውልቃዊ ወይ ዝተነጸሉ ተግባራት ከም ዘይኰኑ ንሓንጸጽቲ ፖሊሲታት ምርኣይ'ዩ" ይብል ዳይረክተር እቲ ትካል ዳኒኤል ሃሶን።

ምንጪ ስእሊ, EPA
እቲ ማእከል መሰኻኽርን ግዳያት ጕጅላዊ ግህሰትን ዘጋጠሞም ንኽዛረቡ የተባብዕ፡ ወለንተኛታት ንክርስትያናዊ መስርሓት ከሰንዩ የዳሉን ምስ መራሕቲ ዝተፈላለዩ እምነታት ይሰርሕን’ዩ።
"ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝጐደለና፡ ፖለቲካዊ መራሕትና'ውን ኣንጻር ተግባራት ዓመጽ ክዛረቡ ምግባር'ዩ" ይብል ሃሶን።
እየሩሳሌም፡ "ንዅለን እተን ሓደ ኣምላኽ ዝኣምና ሃይማኖታት ኣገዳሲት እያ፡ ስለዚ ንዅሉ ክበሃል ፍሉይ ባህርያታ ክንከናኸን ግዴታ ኣለና።"
ኣብዚ በዓል ፋሲካ፡ ብዙሓት ብዛዕባ መጻኢኦም ኣብ ዝጭነቝሉ ዘለዉ እዋን፡ ኣብ እየሩሳሌም ዝርከቡ ክርስትያናት፡ ኣብቲ ናይቲ በዓል መልእኽቲ ተስፋ ገይሮም ከም ዝርከቡ ይገልጹ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

