ብመጥቃዕቲ ዝተቐትለት ኣደ፡ ኣካላታ ተወፍዩ ሓሙሽተ ሰባት ድሒኖም

ሉሲ (ጸጋም)፡ ደቃ ሪና (ማእከል)ን ማያን

ምንጪ ስእሊ, DEE FAMILY

መግለጺ ስእሊ, ሉሲ (ጸጋም)፡ ደቃ ሪና (ማእከል)ን ማያን
Published

ዓርቢ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምስ ክልተ ደቃ ዝተቐትለት ብሪጣንያዊት እስራኤላዊት ኣደ፡ ዝተፈላለየ ክፍሊ ኣካላታ ተወፍዩ፡ ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት ድሒኖም።

ስርዓተ-ቀብሪ እታ ሉሲ ዲ ዝተበሃለት ጓል 48 ዓመት ግዳይ መጥቃዕቲ፡ ብሰኑይ ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ ቅድሚኡ ግን ኣብ ክልተ ሆስፒታላት እስራኤል ህይወት ካልኦት ዘድሕን መጥባሕቲ እዩ ተፈጺሙ።

ሉሲ ዲ ምስ ምስ ስድራቤታ ኣብቲ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም፡ ብመኪና እናተጓዕዙ እንከለዉ’ዩ እቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ፤ ክልተ ኣዋልዳ እውን በቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐተላ ይፍለጥ።

ስድራቤት ሉሲ ካብ እንግሊዝ ናብ እስራኤል ዝገዓዘት ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት'ዩ ነይሩ።

ሃገራዊ ማእከል ምትካል ኣካል እስራኤል፡ ኣካላት ሉሲ ዲ ኣብ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝተተኸለ ሓቢሩ። በዚ መሰረት ልባ ኣብ ጓል 51 ዓመት፡ ሓንቲ ካብ ሳንቡኣ ድማ ኣብ ጓል 58 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ተተኺሉ።

ጸላም ከብዳ፡ ንሓደ ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ ክተድሕን እንከላ ሓደ ወዲ 58 ከምኡ’ውን ሓደ ወዲ 39 ዓመት ድማ ኩላሊታ ተተኺልሎም ኣሎ። ኮርኒያኣ (ንኩዕሶ ዓይኒ ዝከላኸል ረጒድ ርእየት ሓላፍ ግዳማዊ ሽፋን) ድማ ኣብ መጻኢ ንዘድልዮ ሰብ ተዓቂቡ ይርከብ።

በዓል ቤት ሉሲ፡ ራባይ ሊዮ ዲ ንጋዜጣ ታይምስ ኦፍ እስራኤል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ስድራቤት ኣካላታ ንምልጋስ ዝወሰነት፡ "ኵሉ... ህይወት ዘድሕን [ኣካል] ክወሃብ ስለዘለዎ" ከም ዝዀነ ገሊጹ።

ስርዓተ-ቀብሪ ሉሲ ዲ፡ ኣሽሓት ሓዘንተኛታት ኣብ ዝተረኸብዎ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ክፋር ኤትዚዮን ኣብ ዝተበሃለ ሰፈር ኣይሁድ ተፈጺሙ። ቅድሚ ክልተ መዓልቲ፡ ክልተ ኣዋልዳ - ጓል 15 ዓመት ሪናን ጓል 20 ዓመት ማይያን - ብተመሳሳሊ ስምዒት ብዝተመልአ ኵነታት ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ስርዓተ-ቀብረን ተፈጺሙ ነይሩ።

ሚኒስተራት መንግስቲ ኣብ ክልቲኡ ስርዓተ ቀብሪ ተረኺቦም እዮም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብሰኑይ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ፡ "ንዅሎም ዜጋታትና ዝቐትሉ እኩያት ኣሸበርቲ ክተሓዙን ብዘይ ዝዀነ ይዅን ኣፈላላይ ክሕተቱን እዮም" ኢሉ ቃል ኣትዩ።

ሉሲ፡ ሪናን ማይያን፡ በዓል ከብዕላ ናብ ስድራቤተን ክኸዳ ብመኪና እናተጓዓዛ እንከለዋ፡ ኣብ ጐልጎል ዮርዳኖስ ምስ በጽሓ’ዩ እቲ መጥቓዕቲ ተዅሲ ተፈጺሙ። መኪናአን ዓንያ፡ እቶም ዕጡቓት ናብታ መኪና ደይቦም ኣብ ቀረባ ርሕቀት ኣብ ልዕሊ እተን ደቂ ኣንስትዮ ተዅሲ ከም ዝኸፈቱ ማዕከናት ዜና እስራኤል ንመርመርቲ ብምጥቃስ ሓቢረን።

እስራኤላዊ ህዝባዊ ፈነወ ካን ከም ዝጸብጸቦ፡ ናይ ካብ ካላሽንኮቭ ዝዓይነቱ ብረት 22 ቀልሃታት ተረኺቡ’ዩ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ነቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ወጥሪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ነቶም ገበነኛታት ክሃድን ጀሚሩ ኣሎ።

ብሰኑይ መሓመድ ባልሃን ዝተባህለ ወዲ 15 ዓመት ንእሽቶ መንእሰይ ፍልስጤማዊ፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣብ ጥቓ ኢያሪኮ ኣብ ዝርከብ ዓቃባት ጃብር ዝተበሃለ መዓስከር ስደተኛታት ብወተሃደራት እስራኤል ብጥይት ከም ዝተቐትለ ሰበስልጣን ፍልስጤም ገሊጾም።

ሰራዊት እስራኤል፡ ሓይልታቱ ኣብቲ እዋን ኣብቲ መዓስከር ንዝነበሩ ዕጡቓት ንምእሳር ስርሒት የካይድ ከም ዝነበረን፡ ኣብ ልዕሊኦም ምስ ተተኲሶም ብተዅሲን ብነታጒን ምላሽ ከም ዝሃቡ ሓቢሩ።

ካብ መጀመርታ እዚ ዓመት ጀሚሩ ልዕሊ 90 ፍልስጤማውያን - ዕጡቓትን ሲቪላትን - ብሓይልታት እስራኤል ተቐቲሎም እዮም።

ዓሰርተ ሸሞንተ እስራኤላውያን፡ ሓደ ዩክሬናዊን ሓደ ኢጣልያዊን፡ ፍልስጤማውያን ብዝፈጸምዎ ወይ ከም ዝፈጸምዎ ብዝተጠርጠሩ መጥቃዕትታት ዝተቐተሉ ክኸውን ከሎ፡ ብዘይካ ሓደ እስራኤላዊ ሓውሲ-ወተሃደር ፖሊስ ኵሎም ሲቪላት ከም ዝዀኑ ይፍለጥ።