ኣብ ዝጠሓለት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ፡ ዓሰርታት ባሕረኛታት መውጽኢ ስኢኖም

ብሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ዝወጹ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, ROYAL THAI NAVY

Published

ትማሊ ሰንበት ብምኽንያት ማዕበል ኣብ ዝጠሓለት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ታይላንድ፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ባሕረኛታት መውጽኢ ስኢኖም ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ኣብታ መርከብ ልዕሊ 100 ባሕረኛታት ከምዝነበሩ ሰብመዚ ዝገለጹ ኰይኖም፡ ክሳብ ሎሚ ሰኑይ 28 ባሕረኛታት ተቐርቂሮም ኣለዉ።

ዛጊት ዝበጸሐ ጉድኣት ብዛዕባ ምህላዉ ኣይተገለጸን፤ ሰለስተ ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ግን ኣብ ኣዝዩ ኣስጋኢ ኵነታት ኣለዉ።

እታ ኣብ ሓለዋ ዝነበረት መርከብ፡ ማይ ስለዝኣተዋን ናይ መቈጻጸሪ ክፍሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ስለዝጠፍአን ከምዝጣሓለት እዮም ሰብመዚ ዝገልጹ።

እቶም ሰራሕተኛታት ነታ መርከብ ንምቍጽጻር ጻዕሪ'ኳ እንተገበሩ፡ ካብ ምጥሓል ግን ኣይደሓነትን።

ሓይሊ ባሕሪ ታይላንድ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርገሖም ምስልታት፡ ጀልባታት ህይወት ኣድሕን ኣብቲ ብማዕበል ዝሕመስ ማያዊ ኣካል፡ ሰባት ንምድሓን እንትእልሻ የርእይ።

ሰለስተ መራኽብን ሄልኮፕተራትን ናብቲ ከባቢ ከምዝተልኣኻ ክግለጽ ከሎ፡ ካብቶም ኣብታ መርከብ ዝጸንሑ 106 ሰባት ነቶም 78 ምድሓን ከምዝተኽኣለ ተሓቢሩ።

ሰለስተ ኣብ ጽኑዕ ኵነታት ዝርከቡዎም 28 ወታሃደራት ንምድሓን ሐዚ እውን ጻዕሪ ከምዝቐጸለ ሰብመዚ ሓቢሮም ኣለዉ።

እቶም ሰባት ሕዚ እውን ኣብ ውሽጢ ማይ ከምዘለዉ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ይገልፅ። ብትኽክል ዝርከቡሉ ቦታ ተፈሊጡ እንተኾይኑ ግን ኣይተገለጸን።

ነቶም ሰባት ንምርካብ ምሉእ ለይቲ ኣለሻ ከምዝቐጸለ እዮም ሰብመዚ ዝገልጹ።