ኣብ ዓለማዊ ጉያ ጽርግያ ድርቤ ወልቴጂ ክብረወሰን ዓቲራ፡ ሓጎስ ገብረህይወት ቀዳማይ ወፂኡ

ኣትሌታት

ምንጪ ስእሊ, WORLD ATHLETICS

Published

ሎሚ ኣብ ላትቪያ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ዓለም ጉያ ጽርግያ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ቀኒዕዎም ውዒሉ፤ ድርቤ ወልቴጂ ኣብ ውድድር ሓደ ማይል ክብረወሰን እንትሰብር፡ ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ ውድድር 5 ሽሕ ኪሎሜትሮ ቀዳማይ ኰይኑ ዛዚሙ።

እታ ጓል 21 ዓመት ኣትሌት ድርቤ፡ ነቲ ውድድር 4፡21.00 ብዝዀነ ሰዓት ብምዕዋት እያ መስተንክር ብቕዓት ኣርእያ።

ፍረወይኒ ሃይሉ ኣብ 4፡23.06 ብምዝዛም ካልአይቲ ክትከውን እንከላ ፌዝ ኪፒየጎን ድማ ብ4፡24.13 ሳልሰይቲ ኰይና ዛዚማ።

ኣብዚ ውድድር፡ ኬንያዊት ፌዝ ኪፒየጎን ኣብ 2023 ንራብዓይ ግዜ ክብረወሰን ዓለም ከተመዝግብ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ።

ይኹን’ምበር ብሰንኪ ካብተን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝበፅሓ ሓያል ንሕንሕ፡ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ዓወት ኣይረኸበትን።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ቡዳፐስት ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ዓለም ኣትሌቲክስ 2023 ኣብ ውድድር 1500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ፡ ድርቤ ብኪፒየጎን ተበሊጻ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ዛዚማ ነይራ።

ድርብ ክብረወሰን ዓለም ዝሓዘት ፌዝ ኪፒየጎን፡ ኣብ ዓመተ ስፖርት 2023 ክትሰዓር ንፈለማ ግዜ እዩ።

ኣብ 2023 ዕዉት ዓመተ ስፖርት ዘሕለፈት ኪፒየጎን፡ ሰለስተ ክብረወሰናት ዓለም ኣመዝጊባ እያ።

ንሳ ኣመዝጊባቶ ዝነበረት ናይ 5000 ሜትሮ ክብረወሰን ዓለም ግን፡ ኣብ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ብኢትዮጵያዊት ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ ከም ዝተሰበረ ይዝከር።

ኣብዚ ልዕሊ 10 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ውድድር፡ ፌዝ ኪፒየጎን ፈሊማ ቕድሚት ክትመርሕ ተራእያ ነይራ። ይኹን’ምበር ክልቲአን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብቐሊሉ ዝሰዓራ ከም ዘይኰና ኣመስኪረን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ ውድድር 5 ሽሕ ኪሎሜትሮ ቀዳማይ ኰይኑ ብዝዛም ዓወት ዓቲሩ ኣሎ።

ኢትዮጵያዊ ዮሚፍ ቀጀልቻ ብ13:02 ካልኣይ፡ ኬንያዊ ኒኮላስ ኪፕኮሪር ድማ ብ13:16 ንሓጎስ ስዒቦም ዛዚሞም።

ኤርትራዊ ዳዊት ሰዓረ ብወገኑ፡ ብ13:21 ብምዝዛም ራብዓይ ደረጃ ሒዙ።

ቅድሚ 10 ዓመታት፡ ኣብ ትሕቲ 20 ዓመት ዓለማዊ ናይ በረኻ ውድድር ዝተዓወተ ወዲ 29 ሓጎስ ገብረሂወት፡ ንነዊሕ እዋን ዝተጸበዮ ፈላማይ ዓለማዊ ዓወት’ዩ ዓቲሩ።

ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ 5 ኪሎሜተር ውድድር ኬንያዊት ቤትሪስ ቼቤት ክትዕወት እንከላ ጓል ሃገራ ሊሊያን ካሳይት ካልአይቲ፡ ኢትዮጵያዊት እጅጋየሁ ታየ ድማ ሳልሰይቲ ኰይነን ዛዚመን።

ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ሓደ ማይል ውድድር፡ ኣመሪካዊ ሆብስ ኬስለር ብ3፡56.13 ክብረወሰን ዓለም ብምምዝጋብ ክዕወት ከሎ፡ ዓባይ ብሪጣንያዊ-ካሉም ኤልሰን ካልኣይ፡ ቅድሚ ሕዚ ክብረወሰን ዓለም ዝሰበረ ሳሙኤል ፕራከል ድማ ሳልሳይ ብምዃን ዛዚሞም።