ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣመሪካ ህይወቱ ዝሓለፈ ኢትዮጵያዊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣመሪካ ተታሒዙ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ስደተኛ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ተገሊጹ።
እቲ ሰራዊት ገዛሀኝ ደጀኔ ዝተባህለ ስደተኛ ኣብ ክፍለ-ሃገር ኣሪዞና ኣብ ዝርከብ ማእከል ጥዕና ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ከም ዝጸንሐን ቅድሚ ክልተ ሰሙን ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ሓካይም ኣረጋጊጾም ክብሉ ሰብ መዚ እቲ ቤት-ማእሰርቲ ገሊጾም።
እቲ ወዲ 45 ዓመት ኣብ ሕክምና ዝነበረ'ኳ እንተዀነ፡ ጠንቂ ሞቱ እንታይ ምዃኑ ንጹር ከም ዘይኰነ ሓደ መርመራ ዘካየደሉ ብዓል ሞያ ሕክምና ከም ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ሰራዊት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ናብቲ ባነር ካሳ ግራንደ ማእከል ጥዕና ከም ዝተወስደን፡ ቀጺሉ ናብቲ ብዩኒቨርሲቲ ባነር ዝመሓደር ማእከል ጥዕና ተሰጋጊሩ ክእለ ከም ዝጸንሐን ሰብመዚ ግምሩክን ኢሚግረሽንን (ICE) እታ ሃገር ዘውጽእዎ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ብወገን ኣሪዞና ናብ ኣመሪካ ዝኣተወ እቲ ኢትዮጵያዊ፡ ብሓለዋ ዶብ እታ ሃገር ተታሒዙ ብህጹጽ ካብ ኣመሪካ ክወጽእ መጠንቀቕታት ተዋሂብዎ ከም ዝነበረ ይግለጽ።
ምስ ተታሕዘ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ'ዩ ናብ መጽንሒ ማእከል ኢሚግረሽንን ግምሩክን ተሰጋጊሩ።
ኣብ ወርሒ መስከረም ጉዳዩ ናብ ቤትፍርዲ ዝተወስደ እቲ ስደተኛ፡ ሕቶ ዕቑባ ከቕርብን ከይጥረዝ ዝእግድ ፍቓድን ክሓትት መሰል ከም ዝተዋህቦ እቶም ሰብመዚ የረድኡ።
ድሕሪ ሓያለ ኣዋርሕ ግን ኣብቲ መጽንሒ ማእከል እንከሎ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገም ከም ዘጋጠሞ ንሰብመዚ ሓቢሩ።
ህርመት ልቡ ብምውሳኹን ድኻም ስለ ዝነበሮን ድማ ናብ ማእከል ጥዕና ተወሲዱ ይብል እቲ መግለጺ።
ኩነታቱ ምስ ካንሰር ደም (ሊምፎማ) ዝተሓሓዝ ከይከውን ተነጊርዎ፡ ምስ ዝምልከቶ ብዓል ሞያ ቈጸራ ተታሒዝሉ ናብቲ ዝነበሮ መጽንሒ ማእከል ከም ዝተመልሰ'ውን እቶም ሰብመዚ ይሕብሩ።
ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ ከም ብሓድሽ ናብቲ ማእከል ተወሲዱ ንሓደ ሰሙን ሕክምናዊ ክንክን ተገይሩሉ ነይሩ።
ብድሕሪኡ ግን ኩነታቱ እናገደደ ብምኻዱ ብኣየር ኣምቡላንስ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ዩኒቨርሲቲ ባነር ዝርከብ ማእከል ተወሲዱ።
ኣብኡ ንምስትንፋስ ዝሕግዞ ቱቦ ተተኺልሉ ከም ዝነበረ ዝገልጽ እቲ መብርሂ፡ 12 ጥሪ 2017 (29 ጥሪ 2024) ህይወቱ ሓሊፉ ይብል።
ድሕሪ ሞቱ ንዝምልከቶም ሰብመዚ ጸጥታ፡ ኢሚግረሽንን ግምሩክን ከም ዝሓበሩ እቲ መግለጺ ኣስፊሩ'ሎ።
ንስድራቤት እቲ ስደተኛ ሞቱ ከም ዘፍለጥዎም'ውን ጠቒሶም ኣለዉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
