ንእስቲ ካናዳዊት ንፈለማ እዋን ሎተሪ ቆሪጻ 48 ሚልየን ዶላር ተዓዊታ

Published

ጓል 18 ዓመት ካናዳዊት መንእሰይ ንፈለማ እዋን ብዝቖረፀቶ ሎተሪ ዝለዓለ ሽልማት ገንዘብ ብምዕዋት ኣብ ታሪኽ ካናዳ ፈላመይቲ ብዕድመ ዝነኣሰት ተዓዋቲት ሎተሪ ኰይና።

እታ ካናዳዊት፡ ጁሊየት ላመር፡ ተዓዋቲት 48 ሚሊየን ዳላር ካናዳ [35 ሚልየን ዶላር ኣመሪካ] እያ ኰይና ዘላ።

ጁሊየት ብምኽንያት እቲ ዝተዓወትተሉ ዕጫ ሎተሪ፡ ቅድሚ ሕዚ ዝወጠነቶ ትልማ ከም ዘይትቕይሮ ገሊፃ።

ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ ዝኾነት ጁሊየት ላመር ዝጀመረቶ ትምህርታ ብምዝዛም ዶክተር ናይ ምዃን ባህጋ ከም ተዕውት ሓቢራ።

ናይ ወርሒ ጥሪ ናይ ካናዳ ኦንታሪዮ ሎተሪን ፀዋታን ዝተዓወተት ጁሊየት፡ ሎተሪ ከም ዝበፅሓ ምስ ሰምዐት፡ “ንብዓት ሓጐስ ነቢዐ” ኢላ።

“ንፈለማ እዋን ብዝቖረፅክዎ ሎተሪ ተሸላሚት እቲ ዝለዓለ ገንዘብ ምዃነይ ክሳብ ሕዚ ክኣምን ኣይከኣልኩን” ኢላ።

እቲ ሎተሪ ምስ ቆረፀት ረሲዓቶ ከም ዝነበረት ትገልፅ ጁሊየት፡ ተዓዋቲ ንሳ ኣብ ትነብረሉ ከተማ ከምዝረጸ ዝሕብር ዜና ምስ ሰምዐት እያ፡ ቁፅሪ እቲ ዝገዝኣቶ ሎተሪ ምድላይ ዝጀመረት።

ኣብ ሞባይላ ኣብ ዘሎ መተግበሪ ሎተሪ ነቲ ቁፅሪ ብምእታው ኣፃርያ፡ ተዓዋቲት እቲ ዝለዓለ ሽልማት ምዃና ድማ ፈሊጣ።

መሓዙታን ኣብ ቀረብኣ ዝነበሩ ሰባትን ኩሎም ነዚ ክስተት ንምእማን ከም ዝተፀገሙን፡ ናይ ትሰርሐሉ ቦታ ሓላፊ፡ ካብ ስራሕ ቶሎ ክትወፅእ ዋላ’ኳ እንተፈቐደላ፡ ወላዲታ ግና ናይ ስራሕ ሰዓታ ወዲኣ ክትወፅእ ከም ዝመዓደታን ተዛሪባ።

ንመፃኢ ብድጋፍ ኣቡኣ፡ እቲ ዝተዓወተትሉ ሎተሪ ዝበዝሕ ብጥንቃቐ ኣብ ዝተሓሰበሉ ስራሕ ንምውዓል መደብ ሒዛ ኣላ።

ካብዚ ብተወሳኺ ካብ መንግስቲ ልቓሕን ድጋፍን እንከይሓተተት፡ ብውሱን ገንዘብ ወፃእታታ ብምሽፋን ዶክተር ናይ ምዃን ሕልማ ክተግህድ ሓሊና።

ዶክተር ምስ ኰነት ከኣ፡ ናብ ዝተወለደትሉ ቦታ ሰሜን ኦንታሪዮ ተመሊሳ፡ ንማሕበረሰባ ክተገልግል ትደልይ።

እንተኾነ፡ ብዕጫ ሎተሪ ካብ ዝረኸበቶ ገንዘብ ንቑሩብ እውን ክትዘናጋዕ ድሌት የብላን።

“ትምህርተይ ምስ ወዳእኹ ናብ ዝተፈላለየ ሃገራት ከይደ፡ ታሪኾምን ባህሎምን ከፅንዕ፣ ምግቦም ክጥዕም፣ ንሙዚቀኦም ክሰምዕ እደሊ” ኢላ።

መቕርባ ንዝሃብዋ “ንሓደ ሰብ ገንዘብ ዘይኮነስ ስራሕ እዩ መግለፂኡ” ዝብል ወሳኒ ማዕዳ እውን፡ በቲ ዝረኸበቶ ገንዘብ ሸለል ከም ዘይትብሎ ገሊፃ።