ጓል ወዲ ጆ ባይደን ኣብ ዋይት ሃውስ ተመርዕያ

Published

ዋይት ሃውስ ድሕሪ ኣስታት ዓሰርተ ዓመት ንፈለማ እዋን መርዓ ኣአንጊዱ። ካብ 1812 ንደሓር ኣብ ዋይት ሃውስ ተመሳሳሊ ጽምብል ክካየድ ንመበል 19 ግዜ ጥራይ እዩ።

እታ ጓል ሃንተር ባይደንን በዓልቲ ቤቱ ነበር ካትሊን ቡህለንን ዝኾነት ናኦሚ ባይደን ብቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ከምዝተመርዓወት ተፈሊጡ’ሎ።

ዋይት ሃውስ ብንጹር ንመርዓ ዝድለ ቦታ እዩ - ግና ኹሉ ዝረኽቦ ቦታ ኣይኮነን።

ኣባል ታሪኻዊ ማሕበረሰብ ዋይት ሃውስ ዝኾነት ሳራ ፍሊንግ፡ ኣብቲ ቦታ ክንደይ መርዓታት ከም ዝተኣንገዱን መን ከአንግድ ከምዝኽእልን ንቢቢሲ ገሊጻ።

ኣብ ወግዓዊ መንበሪን ናይ ስራሕ ቦታን ፕረዚደንት ኣሜሪካ መርዓ ንምእንጋድ ዝኽእሉ ሰባት ኣዝዮም ውሑዳት ምዃኖም ሳራ ፍሊንግ ትገልጽ።

"ብሓቂ ኣብ ዋይት ሃውስ መን ክምርዖ ይኽእል ወይ ክምርዖ ኣይክእልን ዝብል ተሪር ሕጊ ስለዘየለ ዘሐጉስ'ዩ። ብመሰረቱ ብፕረዚደንትን ብቀዳመይቲ እመቤትን ዝውሰን'ዩ።"

መብዛሕትኦም መርዓታት፡ ናይ ቀረባ ቤተሰብ ናይቲ ፕረዚደንት እኳ እንተኾኑ፡ ገለ ኣባላት ሰራሕተኛታት ዋይት ሃውስ'ውን ሳሕቲ ነቲ ዕድል ረኺቦምዎ እዮም።

"ኣብ 1942፡ ናይ ብሓቂ ናይ ቀረባ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ፍራንክሊን ሩዝቨልት ዝነበረ ሃሪ ሆፕኪንስ፡ መርዓኡ ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ክፍሊ ፕረዚደንት ሩዝቨልት ዝነበረ ኦቫል ሩም ክገብር ክኢሉ’ዩ" ትብል ፍሊንግ።

ኣብ 2013 ከኣ ባራክ ኦባማ ንሰኣላይ ዋይት ሃውስ ፒት ሶዛ ኣብቲ ምስ ምዕራባዊ ክንፊ ናይቲ ህንጻ ዝዳወብ ሮዝ ጋርደን ክምርዖ ፈቒዱሉ።

ዕብየት ናይቲ መርዓ ከምኡ'ውን ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ዕላዊነት ኣብቶም መጻምድቲ ዝምርኮስ'ዩ።

ናይ ዓቐን ደረት የለን፡ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዋይት ሃውስ ግን ዝተፈላለየ ዓቐን ዘለዎም ፍጻመታት እዮም ዘአንግዱ።

ንኣብነት ካብ መጀመርታ 1800ታት ጀሚሩ ኣቀባብላታት ዝእንግድ ብሉ ሩም እቲ ዝነኣሰ ዓቐን ኣለዎ።

ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተመርዓወ ናይ መጀመርታን እንኮን ፕረዚደንት፡ ግሮቨር ክሊቭላንድ ኮይኑ፡ ኣብታ ክፍሊ ነታ ኣዝያ እትንእሶ - ጓል 27 ዓመት - ፍራንቸስ ፎልሶም ኣብ 1886 ኪዳን ኣትዩላ።

መርዓ ናኦሚ ባይደን ኣብ ሰፊሕ ቦታ ሳውዝ ላውን እዩ ተኻዪዱ። ክሽነ ዋይት ሃውስ ን140 ኣጋይሽ ድራር ከአንግድን ንክሳብ 1,000 ሰባት ዝኸውን መዓዲ ከቕርብን ይኽእል።

እዚ ኣብቲ ሳውዝ ላውን ዝተካየደ ናይ መጀመርታ መርዓ'ዩ። እቲ ናይ መጀመርታ ኣብ ደገ ዝተኻየደ መርዓ ኣብ 1971 ኮይኑ ናይ ጓል ፕረዚደንት ሪቻርድ ኒክሰን፡ ትሪሻ ኒክሰን እዩ ነይሩ።

ዝናብ ዝዘንበሉ መዓልቲ እኳ እንተነበረ ጸሓይ ብእዋኑ ወጺኣ እቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ጀርዲን ጽጌረዳ ከምዝቐጸለ ይዝከር።

ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝግበር መርዓ መብዛሕትኡ ግዜ ብሕታዊ እዩ ነይሩ።

እቲ ናይ መጀመርታ ናይ ሚድያ ሽፋን ዝረኸበ ኣብ 1906 ዝተፈጸመ ናይ ኣሊስ ሩዝቨልት መርዓ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ኩለን ጋዜጣታት ኣብ ቀዳማይ ገጽ ዜና ነይሩ፡ ንእሽተይ ንምርኣይ ዝደለዩ ሰባት ኣብ ዋይት ሃውስ ተሰሪዖም ነይሮም።

ካብ 800 ክሳብ 1,000 ኣጋይሽ ከምዝነበሩ ሚስ ፍሊንግ ትገልጽ።

መጠን እቲ ዝድለ ብሕትውና ግን ይፈላለ እዩ።

ትሪሻ ኒክሰን ንመርዓኣ ዝኸውን 700 ናይ ፕረስ ፍቓድ ሂባ እያ።