ጓል ወዲ ጆ ባይደን ኣብ ዋይት ሃውስ ተመርዕያ

ናኦሚ ባይደን መርዓኣ ኣብ ዋይት ሃውስ ንምክያድ ዕድል ስለዝረኸበት ንኣቦሓጉኣን ዓባያን ኣመስጊና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ናኦሚ ባይደን መርዓኣ ኣብ ዋይት ሃውስ ንምክያድ ዕድል ስለዝረኸበት ንኣቦሓጉኣን ዓባያን ኣመስጊና
Published

ዋይት ሃውስ ድሕሪ ኣስታት ዓሰርተ ዓመት ንፈለማ እዋን መርዓ ኣአንጊዱ። ካብ 1812 ንደሓር ኣብ ዋይት ሃውስ ተመሳሳሊ ጽምብል ክካየድ ንመበል 19 ግዜ ጥራይ እዩ።

እታ ጓል ሃንተር ባይደንን በዓልቲ ቤቱ ነበር ካትሊን ቡህለንን ዝኾነት ናኦሚ ባይደን ብቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ከምዝተመርዓወት ተፈሊጡ’ሎ።

ዋይት ሃውስ ብንጹር ንመርዓ ዝድለ ቦታ እዩ - ግና ኹሉ ዝረኽቦ ቦታ ኣይኮነን።

ኣባል ታሪኻዊ ማሕበረሰብ ዋይት ሃውስ ዝኾነት ሳራ ፍሊንግ፡ ኣብቲ ቦታ ክንደይ መርዓታት ከም ዝተኣንገዱን መን ከአንግድ ከምዝኽእልን ንቢቢሲ ገሊጻ።

ኣብ ሮዝ ጋርደን ዝተፈጸመ መርዓ ትሪሻ ኒክሰን ዳርጋ ተረቢሹ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሮዝ ጋርደን ዝተፈጸመ መርዓ ትሪሻ ኒክሰን ብዝናብ ዳርጋ ተረቢሹ ነይሩ
ጓል ሪቻርድ ኒክሰን፡ ትሪሻ ኒክሰን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጓል ሪቻርድ ኒክሰን፡ ትሪሻ ኒክሰን

ኣብ ወግዓዊ መንበሪን ናይ ስራሕ ቦታን ፕረዚደንት ኣሜሪካ መርዓ ንምእንጋድ ዝኽእሉ ሰባት ኣዝዮም ውሑዳት ምዃኖም ሳራ ፍሊንግ ትገልጽ።

"ብሓቂ ኣብ ዋይት ሃውስ መን ክምርዖ ይኽእል ወይ ክምርዖ ኣይክእልን ዝብል ተሪር ሕጊ ስለዘየለ ዘሐጉስ'ዩ። ብመሰረቱ ብፕረዚደንትን ብቀዳመይቲ እመቤትን ዝውሰን'ዩ።"

ጓል ሊንደን ጆንሰን፡ ሉሲ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣቀባብላኣ ኣካይዳ እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጓል ሊንደን ጆንሰን፡ ሉሲ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣቀባብላ ኣካይዳ እያ
ኣብ ታሕሳስ 1967 ጓል ሊንደን ጆንሰን፡ ሊንዳ ጆንሰን ንካፕቴን ቻርለስ ኤስ ሮብ ተመርዕያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ታሕሳስ 1967 ጓል ሊንደን ጆንሰን፡ ሊንዳ ጆንሰን ንካፕቴን ቻርለስ ኤስ ሮብ ተመርዕያ

መብዛሕትኦም መርዓታት፡ ናይ ቀረባ ቤተሰብ ናይቲ ፕረዚደንት እኳ እንተኾኑ፡ ገለ ኣባላት ሰራሕተኛታት ዋይት ሃውስ'ውን ሳሕቲ ነቲ ዕድል ረኺቦምዎ እዮም።

"ኣብ 1942፡ ናይ ብሓቂ ናይ ቀረባ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ፍራንክሊን ሩዝቨልት ዝነበረ ሃሪ ሆፕኪንስ፡ መርዓኡ ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ክፍሊ ፕረዚደንት ሩዝቨልት ዝነበረ ኦቫል ሩም ክገብር ክኢሉ’ዩ" ትብል ፍሊንግ።

ኣብ 2013 ከኣ ባራክ ኦባማ ንሰኣላይ ዋይት ሃውስ ፒት ሶዛ ኣብቲ ምስ ምዕራባዊ ክንፊ ናይቲ ህንጻ ዝዳወብ ሮዝ ጋርደን ክምርዖ ፈቒዱሉ።

ሕሳስ ጓል ዉድሮው ዊልሰን ኤሌኖር ኣብ 1914 ተመርዕያ

ምንጪ ስእሊ, HULTON ARCHIVE

መግለጺ ስእሊ, ዝነኣሰት ጓል ዉድሮው ዊልሰን፡ ኤሌኖር ኣብ 1914 ተመርዕያ
ጀሲ ዊልሰን (ማእከል)፡ ቦኽሪ ጓል ዉድሮው ዊልሰን፡ ኣብ 1914 ኣብቲ ምብራቓዊ ክፍሊ ተመርዕያ

ምንጪ ስእሊ, LIBRARY OF CONGRESS

መግለጺ ስእሊ, ጀሲ ዊልሰን (ማእከል)፡ ቦኽሪ ጓል ዉድሮው ዊልሰን፡ ኣብ 1914 ኣብቲ ምብራቓዊ ክፍሊ ተመርዕያ

ዕብየት ናይቲ መርዓ ከምኡ'ውን ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ዕላዊነት ኣብቶም መጻምድቲ ዝምርኮስ'ዩ።

ናይ ዓቐን ደረት የለን፡ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዋይት ሃውስ ግን ዝተፈላለየ ዓቐን ዘለዎም ፍጻመታት እዮም ዘአንግዱ።

ንኣብነት ካብ መጀመርታ 1800ታት ጀሚሩ ኣቀባብላታት ዝእንግድ ብሉ ሩም እቲ ዝነኣሰ ዓቐን ኣለዎ።

ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተመርዓወ ናይ መጀመርታን እንኮን ፕረዚደንት፡ ግሮቨር ክሊቭላንድ ኮይኑ፡ ኣብታ ክፍሊ ነታ ኣዝያ እትንእሶ - ጓል 27 ዓመት - ፍራንቸስ ፎልሶም ኣብ 1886 ኪዳን ኣትዩላ።

ግሮቨር ክሊቭላንድ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተመርዓወ ናይ መጀመርታን እንኮን ፕረዚደንት ኣሜሪካ እዩ

ምንጪ ስእሊ, LIBRARY OF CONGRESS

መግለጺ ስእሊ, ግሮቨር ክሊቭላንድ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተመርዓወ ናይ መጀመርታን እንኮን ፕረዚደንት ኣሜሪካ እዩ

መርዓ ናኦሚ ባይደን ኣብ ሰፊሕ ቦታ ሳውዝ ላውን እዩ ተኻዪዱ። ክሽነ ዋይት ሃውስ ን140 ኣጋይሽ ድራር ከአንግድን ንክሳብ 1,000 ሰባት ዝኸውን መዓዲ ከቕርብን ይኽእል።

እዚ ኣብቲ ሳውዝ ላውን ዝተካየደ ናይ መጀመርታ መርዓ'ዩ። እቲ ናይ መጀመርታ ኣብ ደገ ዝተኻየደ መርዓ ኣብ 1971 ኮይኑ ናይ ጓል ፕረዚደንት ሪቻርድ ኒክሰን፡ ትሪሻ ኒክሰን እዩ ነይሩ።

ዝናብ ዝዘንበሉ መዓልቲ እኳ እንተነበረ ጸሓይ ብእዋኑ ወጺኣ እቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ጀርዲን ጽጌረዳ ከምዝቐጸለ ይዝከር።

ኣሊስ ሩዝቨልት፡ ጓል ቴዎዶር ሩዝቨልት፡ ኣብ መርዓኣ ዳርጋ ካብ 800-1,000 ሰባት ተዓዲሞም እዮም

ምንጪ ስእሊ, PRINT COLLECTOR

መግለጺ ስእሊ, ጓል ቴዎዶር ሩዝቨልት፡ ኣሊስ ሩዝቨልት፡ ኣብ መርዓኣ ዳርጋ ካብ 800-1,000 ሰባት ተዓዲሞም እዮም

ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝግበር መርዓ መብዛሕትኡ ግዜ ብሕታዊ እዩ ነይሩ።

እቲ ናይ መጀመርታ ናይ ሚድያ ሽፋን ዝረኸበ ኣብ 1906 ዝተፈጸመ ናይ ኣሊስ ሩዝቨልት መርዓ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ኩለን ጋዜጣታት ኣብ ቀዳማይ ገጽ ዜና ነይሩ፡ ንእሽተይ ንምርኣይ ዝደለዩ ሰባት ኣብ ዋይት ሃውስ ተሰሪዖም ነይሮም።

ካብ 800 ክሳብ 1,000 ኣጋይሽ ከምዝነበሩ ሚስ ፍሊንግ ትገልጽ።

መጠን እቲ ዝድለ ብሕትውና ግን ይፈላለ እዩ።

ትሪሻ ኒክሰን ንመርዓኣ ዝኸውን 700 ናይ ፕረስ ፍቓድ ሂባ እያ።