ጸወታታት ፕሪሚየር ሊግ ድሕሪ 40 መዓልታት ኣብ ዝተጀመረሉ ኣርሴናል መሪሕነታ ኣደልዲላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጸወታታት ፕረሚየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ብምኽንያት ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ን40 መዓልታት ተቋሪጹ ድሕሪ ምጽንሑ: ትማሊ መጋረጅኡ ኣብ ዝቐንጠጠሉ፡ ንፕረሚየር ሊግ ክትቅልሶ ዝጸንሐት ኣርሰናል ድሙቕ ዓወት ኣመዝጊባ።
ትማሊ ኣርሰናል ኣብ ልዕሊ ዌስትሃም 3 ን 1 ዝተዓወተቶ ሓዊስካ፡ ሸውዓተ ጸወታታት’ዩ ተኻይዱ፡ ኣብ ሸውዓቲኡ ጸወታታት ከኣ ብሓፈሻ 25 ሸቶታት ክምዝገብ ክኢሉ።
ጸወታታት ኣርሰናልን ዌስትሃምን፡ ኣርሴናል መሪሕነታ ከተደልድል ክሕግዛ እንከሎ፡ ኣብ ገዛእ ሜድኣ ዝተሰዓረት ዌስትሃም ከኣ ኣብ ሰሌዳ ፕረሚየር ሊግ ኣብ ጭራ ከምእትስራዕ ገይርዋ ኣሎ።
ኣርሰናል ነቲ ቅድሚ ዋንጫ ዓለም ዝነበራ ብቕዓት ሒዛ ኣይክትምለስን’ያ ዝብል ስክፍታ ካብ ብዙሓት ይስማዕ ነይሩ’ዩ፡ መስበርቲ ኣጥቃዓያ ብራዚላዊ ጋብርኤል ጀሱስ ከኣ ከም ቀንዲ ምክንያት ክጥቀስ ጸኒሑ።
እንተኾነ ኣርሰናላውያን ትማሊ ዘርኣይዎ ብቕዓት፡ ነቲ ዝነበረ ደበና ስክፍታታት ዝጋልህ’ዩ ነይሩ።
ተጻወትቲ ኣርሰናል ኣቐዲሙ’ኳ ሸቶ እንተተመዝገቦም፡ ድሒሮም ቡካዮ ሳካ፡ ገብረኤል ማርቲነሊን ኤዲ ንክትያን ብዘመዝገብወን ሰለስተ ሽቶታት ሰለስተ ነጥቢ ክወስዱ ክኢሎም።
በዚ መስረት ነታ ብሓደ ዝያጻ ጸወታ ብ33 ነጥቢ ትኽተሎም ዘላ ኒውካስል ናይ ሸውዓተ ነጥቢ ጸብለልታ ኣንጺፎም ብ40 ነጥቢ ኣብ ቅድሚት ተኾይጦም ኣለዉ።
እንተኾነ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ማንቸስተር ሲቲ ጽባሕ ኣብ ልዕሊ ሊድስ ዩናይትድ ዓወት እንተኣመዝጊባ፡ ደረጃኣ ናብ ካልኣይ ብምድያብ ምስ ኣርሴናል ዘለዋ ናይ ነጥቢ ፍልልይ ናብ ሓሙሽተ ከተጽብቦ ትኽእል እያ።
እቲ ካልእ ክጥቀስ ዝኽእል ናይ ትማሊ ኒውካስል ኣብ ልዕሊ ሌይስተር ዘመዝገበቶ ናይ 3 ብ 0 ዓወት’ዩ።
ኒውካስል ነተን ሰለስተ ሽቶታት ኣብ ውሽጢ ቀዳሞት 32 ደቃይቕ'ያ ኣመዝጊባ፡ በዚ ተሓጊዛ ከኣ ደረጅኣ ናብ ካልኣይ ክብ ከተብል ክኢላ'ላ።
ደገፍቲ ኒውካስል፡ ንውህደት ጋንትኦም ብምርኣይ ኣብ ማእከል ሜዳ፡ ንዋንጫ ፕረሚየር ሊግ ክንወስዳ ኢና ኢሎም ክጭድሩ ተሰሚዖም፡ እቲ ሕቶ ግን ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ኤዲ ሆወ’ኸ ከምኡ ድዩ ዝሓስብ ዝብል እዩ።
ኤዲ ሆወ ድሕሪ ጸወታ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል “ኩሉ ነገር ክግበር ይክኣል’ዩ፡ እዚ ወቕቲ ከኣ ገና’ዩ ዘሎ ንኹሉ ዘጋጥመና ዕድላት ናብ ረብሓና ክንቅይሮ ክንፍትን ኢና” ኢሉ።
እቲ ካልእ ዝነበረ ጸወታታት
ኣስቶንቪላ 1 ሊቨርፑል 3
ሳውዝሃምፕተን 1 ብራይተን 3
ኤቨርተን 1 ዎልቭስ 2
ክሪስታል ፓላስ 0 ፉልሃም 3
ብሬንትፎርድ 2 ቶተንሃም 2






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
