እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤሎን መስክ፡ ንግልጋሎት ኢንተርኔት ዩክሬን ዝገብሮ ድጋፍ ከምዝቋረጽ ኣፍሊጡ
ኤሎን መስክ፡ ትካሉ ሮኬት ስፔስኤክስ፡ ንኣገልግሎት ኢንተርኔት ስታርሊንክ ዩክሬን ዝገብሮ ክፍሊት ንዘይተወሰነ እዋን ከምዝቋረጽ ገሊጹ።
ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ወተሃደራትን ህዝብን ዩክሬን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ንኽረኽቡ፡ ናይቲ ትካሉ ስርዓት ሳተላይት ኢንተርነት ኣብ ዩክሬን ክሰርሕ ገይሩ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግን እቲ ወናኒ ቴስላ ኣብ ክንዲ ንሱ ፔንታጎን ነቲ መደብ ንኽምውል ከምዝሓተተ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ሓቢረን።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ንዩክሬን ገለ መሬት ኣሕሊፋ ንክትህብ ሓሳብ ምቕራቡ ቁጥዐ ኣልዒሉ ነይሩ።
መስክ፡ ብዓርቢ ኣብ ትዊተር ዝዘርገሖ ጽሑፍ፡ "ስፔስኤክስ ዝሓለፈ ወጻኢታት ንኽምለስ ኣይሓትትን'ዩ፡ እንተኾነ ግን ነቲ ዝጸንሐ ስርዓት ንዘይተወሰነ እዋን ክምውል ኣይክእልን'ዩ" ይብል።
ስታርሊንክ፡ ብመርበብ ሳተላይታት ኣቢሉ ግልጋሎት ብሮድባንድ ኢንተርኔት እዩ ዘቕርብ።
ዩክሬን፡ ብሩስያ ዝተጎበጠ መሬታ ክተምልስ ትቃለሰሉ ኣብ ዘላ እዋን ንወተሃደራዊ ሓይሊ ዩክሬን ኣገዳሲ ግልጋሎት እዩ።
ኣብዚ ሰሙን ዩክሬን፡ ድሕሪ ልዕሊ 100 መጥቃዕቲ ሚሳይላት ሩስያ፡ ኣብ ወሰንቲ ሚድያት ትሕተ ቅርጻ ዳግማይ ንምጅማር ምሕጋዙ ንስታርሊንክ ኣመስጊናቶ እያ።
እቲ መደብ ግን ንኽቐጽል ኣብ ወርሒ 20 ሚልዮን ዶላር ከምዘውጽእ መስክ ይገልጽ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ስፔስኤክስ ኣብ ዩክሬን ኢንተርኔት ንከይቋረጽ ክሳብ ሕጂ 80 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ከምዝገበረ ገሊጹ ነይሩ።
"ብዘይካ ተርሚናላት፡ ሳተላይታትን ናይ መሬት መደበራትን ክንፈጥር፡ ክንውንጭፍ፡ ክንዕቅብን ክንትክእ ኣለና" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
"ካብቲ እናኸበደ ይኸይድ ዘሎ ሳይበር መጥቃዕቲን ዓፈናን እውን ክንከላኸል ተገዲድና ኢና።"
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዩክሬን ሚካይሎ ፌዶሮቭ፡ ምስ መስክ ዘሎ ወጥሪ ኣቃሊሉ፡ እቲ ቢልዮነር "ካብቶም ንዩክሬን ዝድግፉ ላዕለዎት ውልቀ ለገስቲ ዓለምና ሓደ'ዩ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ኣብቲ ጽሑፍ "ስታርሊንክ ኣገዳሲ ባእታ ናይቲ ወሳኒ ትሕተ-መዋቕርና'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ሓደ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዩክሬን፡ ዩክሬን ስታርሊንክ ንኽቕጽል ፍታሕ ክትረክብ ምዃና ሓቢሩ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ መስክ፡ ዩክሬን፡ ሩስያ ንክሪሚያ ምጉባጣ ተቐቢላ ኣብቶም ብሩስያ ዝተወረሩ ዞባታታ ድማ ረፈረንደም ክካይድ ትፍቀድ ዝብል እማመ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ።
ሩስያ ነቲ ሓሳብ ኣወንታዊ ምላሽ ሂባ ነይራ።
እቲ ካብ ስልጣኑ ዝወረደ ኣብ ጀርመን ኣምባሳደር ዩክሬን ዝነበረ ኣንድሪጅ መልኒክግን፡ ናይ ጸርፊ ቃል ተጠቒሙ ንመስክ ርሓቕ ኢሉ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ።
መስክ ነቲ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መልሲ "ናቱ ለበዋ ኢና ንፍጽም ዘለና" ኢሉ።
ሩስያ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ድሕሪ’ቲ ብዩክሬንን ብምዕራባውያን መሻርኽታን ቅኑዕ ኣይኮነን ብዝብል ዝተወግዘ ሪፈረንደም፡ ተወሳኺ ኣርባዕተ ዞባታት ዩክሬን ኣካል ሩስያ ምዃነን ኣዊጃ እያ። እንተኾነ ግን ኣርባዕቲአን ዞባታት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሩስያ ኣይኮናን።
መስክ፡ ዓለም ነታ ኣብ 2014 ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብሩስያ ዝተጎበጠት ክሪሚያ ከም ኣካል ሩስያ "ብወግዒ" ኣፍልጦ ክትህብ ከምዘለዋ'ውን ሓሳብ ኣቕሪቡ'ሎ።
ኣብዚ ሰሙን መስክ፡ ነቲ ቅድሚ ኣብ ትዊተር ምጽሓፉ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ተዘራሪቡ ነይሩ ዝብል ሓሳብ ነጺጉዎ’ዩ።
"ምስ ፑቲን ሓንሳብ ጥራይ እየ ተዘራሪበ፡ ንሱ’ውን ቅድሚ ኣስታት 18 ኣዋርሕ'ዩ ነይሩ። ብዛዕባ ህዋ ኢና ተዘራሪብና" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
መስክ ከምዚ ኢሉ ዝጸሓፈ፡ ሓደ ተመራማሪ ክኢላ፡ መስክ ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ ዕላል ብውልቁ ከምዝነገሮ ድሕሪ ምግላጹ'ዩ።