ኢትዮጵያ፡ '500 ሽሕ ሰራሕተኛታት' ናብ ዓዲ ዓረብ ክትልእኽ ድያ?

ምንጪ ስእሊ, THIS IS LEBANON/FB PAGE
ኢትዮጵያውያን፡ ናብራኦም ንምቕያር ስራሕ ከናድዩ ብዝብል ንቕሎ፡ ብዝተፈላለየ [ዘይሕጋዊ] መስመራት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ ክኣትዉ ጸኒሖም እዮም። እንተዀነ ኣብኡ፡ ብዙሕ ዝመልክዓቱ ወጽዓታት፡ ምክልባት፡ ማእሰርቲ፡ ንብረትካ ምምንዛዕን ተጠሪዝካ ንዓድኻ ምምላስን ዝኣመሰሉ ግህሰታት ክወርዶም ጸኒሑን ኣሎን።
ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ከኣ መንግስቲ፡ ዲፕሎማስያዊ ምርድዳእ ብምግባር ኣሽሓት ስደተኛታት ብፍላይ ካብ ስዑዲ ዓረብ ንሃገሩ ክምለሱ ከም ዝገበረ ተቓሊሑ ነይሩ። ነቶም ዜጋታት ብሕጋዊ መገዲ ንምርዳእን ኣብ ዘጋጥሞም ወጽዓ ንምሕላቕን ክከኣል ምእንቲ ግን፡ ንሓዋሩ ሕጋዊ መገዲታት ክፍጠር፡ ሽዑ ተኣሚቱ ከምዝነበረ ኣይርሳዕን።
ነዚ ምርኩስ ብምግባር እምበኣር፡ እቲ ብመንግስቲ ተወጢኑ ዘሎ መስርሕ ብሓፈሻ ብኸመይ ተታሒዙን ክትግበርን እዩ? ሕመረት ዛዕባኡ ብምግባር ቢቢሲ ዳህሲስዎ ኣሎ።
መትሓዚ ነጥቢታት
- ኣብ ዓዲ ዓረብ ከይዶም ክሰርሑ ንዝደልዩ ሰባት፡ ገደብ ዕድመ ዘይብሉ ብነጻ ዝወሃብ ስልጠና፡ ብ 02 መጋቢት 2015 [ግእዝ] ጀሚሩ።
- ነዚ ዕላማ ንምትግባር ልዕሊ 70 ማእከላት ስልጠና ተዳልየን ኣለዋ።
- ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ ንዝተመልሱ ቀዳምነት ይወሃብ።
- ዕላማኡ፡ ካብ ሃገር ወጺኡ ክሰርሕን ክልወጥን ዝደሊ ሰብ፡ ነቲ ስልጠና ወሲዱ ናብ ወጻኢ ሃገር ከይዱ ክሰርሕ ክበቅዕ ንምግባር እዩ።
- እቲ ስልጠና ቋንቋ፡ ባህሊ፡ ሃይማኖትን ኵነታት ስራሕን እተን ተቐበልቲ ሃገራት የጠቓልል
- ድሕሪ እቲ ስልጠና ድማ ገምጋም ክግበርን ብቝዓት ንዝዀኑ ድማ ምስክር ወረቐት ክወሃብን እዩ።
- ኣብ ቀዳማይ ዙር ኣስታት 67 ሽሕ ዜጋታት ነቲ ስልጠና ዛዚሞም፤ ኣብ ካልኣይ ዙር ድማ ኣስታት 68 ሽሕ ሰባት ይሳተፉ ኣለዉ።
ስራሕ ምፍጣር
እዚ ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት፡ 500 ሽሕ ሰራሕተኛታት ገዛ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ድማ ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምልኣኽ ብዝተገብረ ስምምዕ ምዃኑ ገለ ማዕከናት ዜና ብተደጋጋሚ ኣቃሊሐን እየን።
ኣብ ሚኒስትሪ ፈጠራ ስራሕን ክእለትን፡ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኣቶ ኣበበ ኣለሙ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ “ናብ ስዑዲ ዓረብ ክንድዚ ክንልእኽ ኢና” ዝብል ውሱን ቍጽሪ ከምዘይተቐመጠ ሓቢሩ።
"እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ዘሎ 500 ሽሕ ዝብል ኣሃዝ ግን ምንጩ ኣይተፈልጠን" ኢሉ።
እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብዚ በጀት ዓመት’ዚ፡ 3.7 ሚልዮን ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ትልሚ ኣለዎ።
"ካብዚ 100 ሽሕ ጥራይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ክንጥቀመሉ መደብ ኣለና" ክብል ንመደብ መንግስቲ ይገልጽ።
ምስ ስዑዲ ዓረብ ኣብ መወዳእታ 2018 ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ’ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ተቛሪጹ ጸኒሑ፡ ብምባል፡ ሓድሽ ዝተጀመረ ከምዘይኰነ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
"መሰረታዊ መሰላት ሰራሕተኛታት ክሕሎ ኣለዎ" ይብል እቲ በዓል ስልጣን።
ናብ ስራሕ ዝኸዱ ኢትዮጵያውያን ብመሰረት ዝገብርዎ ስምምዕ፡ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ክጸንሑ ይኽእሉ።
እዚ ምስ ስዑድያ ዝተገብረ ስምምዕ፡ ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተመልሱ ኣይምልከትን፤ ምኽንያቱ ሕጋውያን ኣይኰንኩምን ተባሂሎም ስለዝተመልሱ።
ናብ ካልእ ሃገር ግን ክኸዱ ከምዝኽእሉ እቲ በዓል ስልጣን ገሊጹ።
ንሕጂ ስዑዲ ዓረብ ዘቕረበቶ ጻውዒት ሰራሕተኛታት ገዛ እዩ።
ብመሰረት ኣቶ ኣበበ ኣለሙ፡ "ብነዊሕ እዋን፡ ዝሰልጠነን ሓውሲ ዝሰልጠነን ዓቕሚ ሰብ ንሰደድ፡ ዝግበር ምድላው ኣሎ፤ እዚ ዝግበር ዘሎ ስልጠና ኸኣ ኣካል ናይዚ'ዩ።"
‘እዚ ሓድሽ መስርሕ ንኣስራሕቲ ዝቈጻጸር እዩ’

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቅድሚ ሕጂ ብመንግስቲ፡ ትካላት መራኸቢ ዕዮ ወይ ብውልቃዊ ጻዕርታት ስራሕ ይርከብ ነይሩ።
ኣብዚ ተሳትፎ መንግስቲ 'ብዙሕ' ኣይነበረን። ሕጂ ግን ብኣፍልጦ መንግስቲ ክኸዱ ዕድል ረኺቦም ኣለው።
ሚኒስተር ዕዮን ክእለትን ሙፈርያት ካሚል፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ምስ ቐጠር፡ ዮርዳኖስ፡ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሕጋዊ ስምምዕ ከምዝተገብረ ገሊጻ።
ኣብ ቀጻሊ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣውሮጳን ተመሳሰሊ ስምምዕ ከም ዝህሉ ኣፍሊጣ።
ዝሓሸ ደሞዝ፡ መሰልን ድሕነትን ዜጋታታ ንምርግጋጽ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዝተሰማምዐትን፣ መንግስቲ መሰልን ረብሓን ኣብ ወጻኢ ዝሰርሑ ዜጋታቱ ከምዝከታተል እታ ሚኒስተር ጠቒሳ።
“[እቲ መስርሕ] ንኣስራሕቲ ዝቈጻጸር እዩ። ደሞዞም ከይተኸፍለ ሓንቲ ለይቲ ክትሓድር የብላን። ድሕነቶምን ጥዕናኦምን ክሕሎ እዩ" ክብል ኣበበ ኣለሙ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ ካልእ ገጽ
ባንቺ ይመር መስራቲት ማሕበር ‘ባዕልና ንባዕልና ኣብ ስደት’ እያ። ባንቺ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ካናዳ ትነብር’ኳ እንተዀነት፡ ኣብ ሊባኖስ ንሸውዓተ ዓመታት ሰሪሓ።
እቲ ማሕበር፡ ኣብ ሊባኖስ ዝነበራ ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ገዛ ዘተኵር’ኳ እንተዀነ ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝርከባ ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ገዛ እውን ይሕግዝ።
ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታትን ኣብ ስርሓት ግብረ ሰናይን ተዋፊራ ከምዘላ ትገልጽ።
ንሳ፡ መንግስቲ ብፍላይ ናብ ስዑዲ ዓረብ ሰራሕተኛታት ንምልኣኽ ምድላዉ ግቡእ ከምዘይኰነ ትምጕት።
ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ብኣስራሕቶም ጥራይ ዘይኰነ፡ ብደረጃ መንግስቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይወርዶም ከምዘሎ እያ ትሕብር።
"ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ግዱድ ስራሕ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝፍጸም ስቅያት፡ ንብረቶም ምምንዛዕን ምስጓግን ካልእ ግህሰታት ተፈጺምዎም'ዩ። ዜጋታትና በቶም ብ[መንግስቲ ስዑዲ] ዝተዋፈሩ ሓይልታት ጸጥታን ሓለውቲ ቤት ማእሰርትን ይዝረፉን ይግፍዑን ኣለዉ" ብምባል እዚ ቀዲሙ ክፍታሕ ከምዘለዎ ኣስሚራትሉ።
ካልእ ዘተሓሳስባ፡ ሰራሕተኛታት ንምእታውን ንምቍጻርን ዝጥቀሙሉ ስርዓት “ከፋላ” እዩ።
እዚ ምስ ሰራሕተኛታት ብዝተኣሳሰር “ስርዓት ውሕስነት ወይ ስፖንሰርሺፕ" እዩ።
ሓደ ኣስራሒ ነቲ ካብ ካልእ ሃገር ዝቘጽሮ ሰራሕተኛ ገዛ ብዝምልከት ሓያሎ ናይ ምቍጸጻር መሰል ኣለዎ።
ሓንቲ ሰራሕተኛ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣስራሒኣ ጥራይ እያ ክትሰርሕ እትኽእል። እንተዀነ፡ ካብ ገዛ ወይ ናይ ስራሕ ቦታ ኣስራሒኣ እንተወጺኣ፡ እዚ ‘ስርዓት ከፋላ’ ዘይሕጋዊት ስደተኛ ክትከውን ይግብራ።
እዚ ምቍጽጻር፡ እታ ሰራሕተኛ ብኣስራሕታ እንተተበደለት፡ መጥቃዕቲ እንተበጽሓን’ውን ቀያድን ዘይምለስን እዩ።
እዚ ስርዓት’ዚ ኣብ ሊባኖስ፡ ዮርዳኖስ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኩወይት፡ ባሕሬን፡ ዖማን፡ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ይትግበር።
በዚ ሕጊ እዚ እቶም ሰራሕተኛታት ክውደቡ ኣይክእሉን እዮም። ብሓፈሻ ህይወቶም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣስራሒኦም ምህላዉ ንዓመጽ ዝያዳ ተቓላዕቲ ከም ዝገብሮም ዝሕብሩ ሓያሎ መጽናዕትታት ኣለዉ።
ስደተኛታት ሰራሕተኛታት፡ ካብቲ ንቡር ሕጊ ዕዮን ስራሕን እታ ሃገር ወጻኢ እዮም።
“ኣብዚ ስርዓት ከፋላ፡ ዜጋታትና ብስም ስፖንሰራቶም ናብ ስዑዲ ዓረብ ይኣትዉ። ዘመናዊ ባርነት እዩ" ትብል ባንቺ።
“ትካላት ወይ ኣስራሕቶም [እቶም ሰራሕተኛታት] ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ወጹ መንነቶም ዝገልጽ ፓስፖርቶምን ካልእ ሰነዳቶምን ፈቲሾም እዮም ዝቕበልዎም። መንግስቲ እታ ሃገር ነዚ ከይገብሩ እንተኸልከሎም'ውን ማንም ዘኽብሮ የለን"።
‘ካብቲ ትሰርሓሉ ገዛ ምጥፋእ ገበን'ዩ’

ኣቶ ኣበበ ኣለሙ ከም ዝብሎ፡ እቲ ሕጂ ዝትግበር ዘሎ ስርዓት "ዜጋታትና ዋላ ምስቲ ዝሰርሕሉ ሰብ እንተዘይተሰማምዑ፡ ብሰላም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዘኽእል እዩ" ኢሉ።
“ንስዑዲ ዓረብ ጥራይ ዝዀነ ነገር ኣየዳለናን። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዝብል ይስራሓሉ ኣሎ። በዚ መንገዲ ዘይሕጋዊ ተግባራት ምክልኻልን ሃገር ካብዚ ተጠቃሚት ምግባርን ዘኽእል እዩ።”
ካልእ ምስቶም ናብ ወጻኢ ንስራሕ ዝኸዱ ኢትዮጵያውያን ብዝተኣሳሰር ዝለዓል ሕቶ ድማ፡ ምስቶም ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጽኡ ሰራሕተኛታት ክነጻጸር እንከሎ፡ ደሞዞም ትሑት ምዃኑ እዩ።
ወይዘሮ ሙፈርያት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝጸንሓትሉ እዋን ልዑል ጠለብ ሰራሕተኛታት ከምዘሎ ከምዘረጋገጸትን፣ ትርጕም ዘለዎ ወሰኽ ደሞዝ፡ ከምኡ’ውን መሰሎምን ድሕነቶምን ንምሕላው ተዘራሪብና ኣለና ኢላ።
ምውፋር ዜጋታት፡ ከም ቀደም ኣብ ሰናይ ድሌት ውልቀ ሰባት ዝተመስረተ ኣይኮነን፤ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ብዝግበር ስርዓተ ምርድዳእን ምክትታልን ዝተመስረተ ከምዝኸውን እውን ገሊጻ።
‘ህይወቶም ከም ብሓድሽ ክጅምሩ ከቢድ'ዩ’
ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ኣጸጋሚ ኵነታት ኣብ መዳጎኒታት ዝርከቡ ኢትዮጵኣውያን ከምዘለው፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብተደጋጋሚ ዘውጽእዎ ጸብጻባት የመልክት።
"እቲ ጸገም ከይተፈትሐ መሊስካ ፍርቂ ሚልዮን ዜጋታት ምልኣኽ ግቡእ ኣይኮነን" ብምባል ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከም ሰራሕተኛ ገዛ ዝሰርሑ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ኵነታት ኣዝዩ ሕማቕ ምዃኑ ባንቺ ኣመልኪታ።
"መንግስታት ኢትዮጵያን ስዑዲ ዓረብን፡ መሰላት ሰራሕተኛታት ክነኽብር ኢና እንተበሉ’ኳ፡ ኵነታትን ጸገማትን ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ናይ ምፍላጥ ዓቕሚ የብሎምን።"
ቅድሚ ሕጂ ተመሳሳሊ ስምምዓት ዝፈረማ ሃገራት’ኳ እንተሃለዋ፡ ዝዀነ ምምሕያሽ ከምዘየርኣያ ትገልጽ።
“ሓንቲ ሰብ ማዕጾ ተዓጽዩ ካብ ገዛ እንተዘይወጺኣ፤ ተሌፎና እንተተዓጽዩ እንታይ ከም ዘጋጠማ ክትፈልጥ ኣይከኣልን እዩ። ስለዚ መሰልን ረብሓን ዜጋታትና ምሕላው ከቢድ ክኸውን እዩ፡" ኢላ።
ባንቺ፡ ኣብክንድኡ፡ "እቲ መሰል ሰራሕተኛታት ከም ዝጻረር፡ ብብዙሓት ትካላት ተጣበቕቲ መሰላት ዝንቀፍ፡ ስርዓት ከፋላ ምልዓሉ ወሳኒ'ዩ" ትብል።
"ስርዓት ከፋላ እንተተላዒሉ፡ ዝዀነ ሰራሕተኛ ገዛ ተኻርዩ ስርሑ ሰሪሑ ናብ ገዛኡ ክምለስ ይኽእል እዩ፤ ኣስራሕቲ ምስኦም ክሰርሑ እንተደልዮም ባዕሎም ክውስኑ ዕድል ይፈጥር።"
በዚ መንገዲ መንበሪኦምን ናይ ስራሕ ፍቓዶምን ከምኡ’ውን ኵሉ ሕጋዊ ሰነዳቶም ኣብ ኢዶም ስለዝዀነ፡ ንዓመጽን ግህሰትን ናይ ምቅላዕ ሓደጋ ኣዝዩ ክንኪ ምዃኑ ትዛረብ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

