‘ኣስላመይቲ እየ፡ ሮሞዳን ክቐርብ ከሎ ግን እስከፍ’ - ናብራ ሓበሻ ኣብ ዓዲ ዓረብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ እስላም ኣብ ታሽዓይ ወርሒ ዝጅምር ጾም ሮሞዳን፡ ሓደ ካብቶም ዓንድታት ሃይማኖት እስልምና እዩ።
ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 2 ቢልዮን ዝዀኑ ሙእሚን፡ ኣብ ሂወቶም ርኡይ ዝዀነ ለውጥታት ንምምጻእን ጥዑይ ሂወት ንምምራሕን ዝሕግዞም ጾም የካይዱ ኣለዉ።
ገለ ካብተን ጽንኩር ወርሒ ሮሞዳን ዘሕልፋ ሃገራት ድማ መብዛሕትኡ ኣማኒ ምስልምና ዘለወን ሃገራት ዓረብ እየን።
ኣብዘን ሃገራት ግን ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ዝኸዳ ብዙሓት ስደተኛ ሰራሕተኛታት ይርከባ፤ ኤርትራውያን'ውን ውሑዳት ኣይኰናን። ዘሕልፋኦ ናብራ ግን ተመሳሳሊ እዩ። ነዚ ምርኩስ ብምግባር፡ ንናይ ኩለን ተመኩሮ ብዝድህስስ መልክዑ፣ ቢቢሲ ንገለ ኢትዮጵያውን ሰራሕተኛታት ገዛ ኣዘራሪቡ ብኸምዚ ዝሶብ ኣቐሪብዎ'ሎ፤
‘የእኛ ለእኛ’ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ማሕበር ስደተኛታት ሰራሕተኛታት እዩ።
መስራቲት እዚ ማሕበር ባንቺ ይመር ትበሃል፤ ንሳ ኣብ ሃገራት ዓረብ ከም ሰራሕተኛ ገዛ ኰይና ክትሰርሕ ዝጸንሐት እያ።
ብዛዕባ ሮሞዳን ዘለዋ ተዘክሮታት ብዝምልከት፡ "ብፍላይ ኣብ ገዛ እንዳዓባይ ትሰርሒ እንተዄንኪ፡ ኮፍ ምባል፡ ምድቃስ ሕልሚ'ዩ" ትብል ባንቺ።
ኣብተን ምስ ስድራቤት ሓቢርካ ናይ ምንባር ባህሊ ዘለወን ሃገራት ዓረብ፡ ብፍላይ ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ቈልዑ፡ ደቂ ደቅን ኣዝማድን ንኢፍጣር ብሓባር ክተኣኻኸቡ ልሙድ እዩ።
ንኢፍጣር ዝኸውን ብዙሕ ዓይነት መግብን መስተን ኣሎ፤ ይብላዕ ኣይብላዕ ብዘየገድስ ክዳሎ ኣለዎ።
እዚ ኩሉ ድማ ሓላፍነት እተን ሰራሕተኛታት ገዛ እዩ።
“ንሳቶም ደቂሶም እዮም ዘሕልፍዎ። ኣብ መንጐ ንሰላት [ስግዳን] ጥራይ እዮም ዝትንስኡ" ትብል ባንቺ፡ ሰራሕተኛታት ከምኣታቶም ጸወምቲ ምዃነን ዘይግድሶም ከም ዘለዉ ትገልጽ።
ገሊአን እቲ ዝተቘጸራሉ ገዛ ድሕሪ ምጽራየን፡ ገዛ ኣዝማድ ከይተረፈ ንኸጽርያን መግቢ ንኸዳልዋን ዝለኣኻ ኣለዋ።
ብርግጽ ኣብ ሃገራት ዓረብ ንዝርከባ ስደተኛ ሰራሕተኛታት ገዛ፡ ህይወት ኩሉ ግዜ ቀሊል ኣይኰነን።
ብኣስራሕተን ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝወርደን ሒደት ኣይኰናን - መግረፍቲ፡ ምዝመዛን ውርደትን ዘጋጥመን ከም ዘለዋ ይፍለጥ።
እንተዀነ፡ ህይወተን ናይ ምቕያር ተስፋአንን ስድራቤታዊ ሓላፍነትንን ነዚ ኹሉ ተጻዊረን ክቕጽላ የገድደን።
ብፍላይ ኣብ ሮሞዳን ጽንኩር ምዝመዛ የጋጥመን’ዩ። ብሰንኪ እዚ ብጸገማት ጥዕና ዝሳቐያ ሰራሕተኛታት ከም ዘለዋ ይንገር።
ሰላም መሓመድ ኣብ ሊባኖስ ሰራሕተኛ ገዛ ኰይኑ ስራሕ ካብ እትጅምር ሓሙሽተ ዓመት ገይራ ኣላ።

"ከም ኣስላመይቲ መጠን ንሮሞዳን ዓቢ ፍቕሪ’ኳ እንተሃለወኒ፡ ክቐርብ ከሎ ግን ብሰንኪ ብዝሒ ስራሕ ክስከፍ ይጅምር" ትብል።
ሰላም ጸዋሚት’ያ፤ እንተዀነ ዝድንግጸላ የለን። ኣመኻኒኻ ዘይምስራሕ ድማ ኣየዋጽእን።
ኣብቲ ንሳ እትሰርሓሉ ገዛ፡ ሽዱሽተ ኣባላት ስድራ ይርከቡ።
ሰላም፡ "ባህሪ ኣስራሕተይ ብዙሕ ሕማቕ ኣይኰነን" ትብል። ሮሞዳን ክመጽእ ከሎ ግን ኣዝማድ ስለዝተኣኻኸቡን ብዙሕ ዓይነት መግቢ ክተዳሉ ስለዘለዋን ልዕሊ ዓቕማ ከም እትሰርሕ ትገልጽ።
ስለዚ "ዓመት ዓመት ሮሞዳን ክትመጽእ ከላ እቲ ልዕሊ ዓቕመይ ዝሰርሖ ስራሕ እዝክር። እሓርቕ። ስድራይ ክዛረቡኒ ከለዉ ከይተረፈ፡ ብዝግባእ ኣይምልሰሎምን።"
ኣብ በይሩት ኣብ ዝተፈላለየ ገዛውቲ ዝሰርሐት መኪያ ጀማል፡ ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ ገዛ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመት ክትሰርሕ ጸኒሓ’ያ።
ኣስራሕታ ሰለስተ ቈልዑ ኣለዉዎም። ምስኦም ዝነብር ዘመድ እውን ኣሎ። ነዛ ምሉእቲ ስድራ መግቢ እተዳሉ፡ ገዛ እተጽሪ፡ ኣቑሑን ክዳውንቲን እትሓጽብ መኪያ እያ።
ወትሩ ዝህሉ ስራሕ ንዓኣ ከቢድ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ሮሞዳን ግን ዝበኣሰ’ዩ።
መኪያ ኣብ እዋን ሮሞዳን ትጸውም’ያ። ስለ ዝጸወመት ግን እትረኽቦ ሓልዮት ወይ ዕረፍቲ የለን፤ ስራሕ ስለዝበዝሓ ብዝብል ተወሳኺ ደሞዝ’ውን ኣይወሃባን። እንተዀነ ሮሞዳን ክኸውን ከሎ ሕጉስቲ እያ።
“ዋላ'ኳ ከቢድ እዋን እንተሕለፍኩ፡ ምስ ጥዕናይ ስለዝሰርሕ ፈጣሪየይ የመስግኖ” ትብል።
ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ሃገራት ዓረብ ከም ሰራሕተኛታት ገዛ ይሰርሓ።
ኣብ ሊባኖስ ኣስታት 250 ሽሕ ሰራሕተኛታት ገዛ ከም ዘለዋን፡ ካብዚኣተን እተን 99 ሚእታዊት ፍቓድ ስራሕ ዘለወን ስደተኛታት ከም ዝዀናን፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ሓበሬታ የመልክት።
ካብኣተን ዝበዝሓ ኣብ ወርሒ ካብ 150 ክሳብ 400 ዶላር ዝኽፈለን ኢትዮጵያውያን፡ ፊሊፒናውያን፡ ባንግላድሽያውያንን ሲሪላንካውያን ደቂ ኣንስትዮ እየን።
'መዓልታዊ ክሳብ 20 ሰባት ንኢፍጣር ይእከቡ'
ሰላም፡ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ እትሰርሓሉ ዝነበረት ገዛ፡ ክልተ ኢትዮጵያውያንን ሓንቲ ጓል ባንግላዲሽን ከም ዝነበራ ትዝክር።
እቲ ገዛ ቪላ ስለዝዀነ፡ ካብ ምድያብን ምውራድን ድሒነን’የን።
እታ ስድራቤት ሽዱሽተ ኣባላት ኣለዉዋ። ደቂ ደቆምን ካልኦት ኣዝማድን ምስ ዝውሰኹ ግን ልዕሊ 15 ይዀኑ።
ብፍላይ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ደቂ ደቆም ክእከቡ ልሙድ እዩ። ኣብ እዋን ሮሞዳን ግን እዚ ምትዕድዳምን ምትእኽኻብን መዓልታዊ'ዩ ዝፍጸም፤ መዓልታዊ ክሳብ 20 ሰባት ንኢፍጣር ይእከቡ።
"ንኢፍጣር ንሓደ ሰብ ዝቐርበሉ መብልዒን መስተይን ኣቑሑ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ" ትብል።
እቲ ኢፍጣር’ውን ነዊሕ ግዜ ዝወስድ’ዩ። ብልዕ ብልዕ ኣቢልካ ምትንሳእ ኣይሕሰብን።
ሰላም ከም እትብሎ፡ ተመጊቦም ክሳዕ ዝትስኡ ምጽባይ ካብቲ መግቢ ምድላውን ምእንጋድን ንላዕሊ ኣድካሚ እዩ።
“ብርጭቆ ሓንሳብ እንተተሰትዩሉ፡ ዳግማይ ኣይጥቀሙለን፤ ካልእ ሓድሽ ክቐርብ ኣለዎ።"
መኪያ ሮሞዳን ክመጽእ ከሎ ዘማርራ እቲ ናይ ስራሕ ጸቕጢ’ዩ - ብፍላይ ምድላው መግቢ።
ብሰንኪ ጸቕጢ ስራሕ ክሳዕ ሕጂ ዘጋጠማ ዝዀነ ከቢድ ጸገም ጥዕና የለን፤ ሓደ ሓደ ግዜ ግን ብሰንኪ ሕጽረት ድቃስ ጽርውርው ከም ዝብላ ትዛረብ።
ኣብ ሃገራት ዓረብ፡ ኣብ እዋን ሮሞዳን ብሰንኪ ጸቕጢ ስራሕ ስርሐን ዝገድፋ ኣለዋ።
ሰላም ከም እትብሎ፡ ኣስራሕቲ ኣብ ሮሞዳን ሰራሕተኛታት ከይወጻኦም ኣዝዮም ጥንቃቐታት እዮም ዝገብሩ።
ስለዝዀነ፡ ገለ ኣስራሕቲ ንሰራሕተኛታቶም ብዝተኻእለ መጠን ውሑድ ሞቕሽሽ ይህቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ውዕሎ ሓንቲ መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሮሞዳን
ኢፍጣር ምስተወድአ ክሳዕ ለይቲ 12:00 ኣቑሑ ይሓጽባ። ሰለስተ ሰራሕተኛታት’ኳ እንተሃለዋ ቀልጢፉ ዝውዳእ ኣይኰነን።
ብድሕሪኡ ቅሩብ ድቅስ ምስ በላ፡ ሰዓት 2 ለይቲ ንስሑር [ጾም መትሓዚ] መግቢ ንኸቕርባ ይትስኣ’ሞ ኣዳልየን የቕርባ።
ካብኡ ድማ ዝተበልዓሉን ዝተሰተየሉን ኣቑሑ ይሓጽባ፤ እዚ ክሳዕ ዝፍጽማ ይወግሕ።
"ኣብ ሓደ መዓልቲ እንተደቂስና ንሓደ ወይ ክልተ ሰዓት'ዩ" ትብል ሰላም። ድሕሪኡ ምሉእ መዓልቲ ተመሳሳሊ መስርሕ ይቕጽል።
“እግረይ ይሓብጥ። ናብ ሓኪም እንተኸይደ ኣዕርፊ’ዮም ዝብሉኒ። ኣነ ግን ከዕርፍ ኣይክእልን።"
ዋላ መኪያ’ውን እንተዀነ ኣብ ሮሞዳን ካብዚ ዝተፈለየ መዓልቲ ኣይትሓልፍን እያ።
መዓልታዊ መደባታ ደቂ ኣስራሒኣ ናብ ቤት ትምህርቲ ብምልኣኽ ይጅምር። ድሕሪኡ ጽሬት ገዛ ይመጽእ። ምስ ወድአቶ ድማ መግቢ ምድላው ትጅምር።
"ሓደ ሓደ ግዜ እቶም ቈልዑ ቅድሚ ጽሬት ምውድአይ ካብ ቤት ትምህርቲ ይምለሱ" ትብል።
ብኸምዚ ኵነታት ኢፍጣር ይኣክል።
ነዚ ድኻመን ዝኽፈለን ኣብ ወርሒ እንተበዝሐ 200 ዶላር ጥራይ እዩ።
‘ብኸመይ ኵነታት ንሰርሕ ከምዘለና ዝፈልጠልና የለን’
ኣበይ ሃገር ብዘየገድስ ኣብ ወጻኢ ዝነበር ሰብ ገንዘብ ብቐሊሉ ዝረክብ ዝመስሎም ብዙሓት እዮም።
ስድራቤት ክሕግዛ ክብላ ነቲ ዝተሰደዳሉ ዕላማ ከየስመራ ገንዘበን ኣባኺነን ባዶ ኢደን ዝተርፋ ሒደት ኣይኰናን።
"ብኸመይ ኵነታት ንሰርሕ ከምዘለና ዝርድኣና የለን” ክብላ ምስማዕ ልሙድ እዩ።
ሰላም ቅድሚ ናብ በይሩት ምግዓዛ ሓዳር መስሪታ ነይራ። ኣብ ሃገራ ገዛ ክትሃንጽ ካብ ወርሓዊ ኣታዊኣን ካብ ዕቁብን ገንዘብን ትሰድድ። ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ገንዘብ ክትሰድድ’ኳ እንተጸንሐት፡ እቲ ገዛ ግን ክሳዕ ሕጂ ኣይተሃንጸን።
ዝለኣኸቶ ገንዘብ ከም ዝባኸነን ኣብ ጥቕሚ ከም ዘይወዓለን ትገልጽ።
"ናይ ካልእ ሰብ ገዛ ስእሊ እናሰኣለ ይልኸለይ ነይሩ" ትብል።
መኪያ እውን ነቲ ዝረኸበቶ ገንዘብ ናብ ስድራኣ ትሰድድ እያ። ናብ ስደት ቅድሚ ምኻዳ ኣብ ዝኸፈተቶ ናይ ውልቃ ሕሳብ ባንክ ገንዘብ እናዓቘረት ትርከብ። ንሳ፡ ስድራቤታ እትሕግዝ ብመደብ ከም ዝዀነ ትገልጽ።
ብዙሓት፡ ካብቲ ናብ ዓደን ዝልእካኦ ገንዘብ ባኺኑ ተስፋ ከም ዝቘርጻ እትገልጽ መኪያ፡ ገንዘብ ብመደብን ብውጥንን ክለኣኽ ከም ዘለዎ ትምዕድ።
መኪያ ሓደ መዓልቲ ናብ ሃገራ ተመሊሳ ብስራሕ ህይወታ ክትቅየር መደብ ኣለዋ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

