ሰልፈኛታት ትግራይ ፡ 'ሓላፍነትኩም ንዝኽእል ብህፁፅ ኣሕሊፍኩም ሃቡ'

ሰልፈኛታት ተፈናቐልቲ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ካብ ምዕራብ ትግራይ ተፈናቒሎም፡ ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ማእከላት መዕቘቢ ዝነብሩ ሰባት ንሰለስተ መዓልቲ ከካይድዎ ዝቐነዩ "ይኣክል" ብዝብል ዝተመርሐ ሰላማዊ ሰልፊ ትማሊ ዛዚሞም።

ሰልፈኛታት ብወከልቶም ኣቢሎም ናብ መንግስቲ ፈደራልን መሪሕነት ትግራይን 7 ጠለባት ኣቕሪቦም ኣለዉ።

"ግዝኣታዊ መሬትና ምምላስ፣ ስደተኛታት ናብ መረበትና መሊስካ ምጥያሽ፣ ናይ ምሉእ ህዝቢ ትግራይ ዋኒን ስለ ዝዀነ ኣብ ዓድን ኣብ ደገን እትርከብ ህዝብና ስቓይ ወገነይ ስቓየይ እዩ፣ ፍርቂ ትግራይ ብወረርቲ ተጐዝዩ ኣይድቅስን ኢልካ ኣብ ዙርያ `ይኣክል` ህዝባዊ ምንቕስቓስ ክትዓስል ፃዊዕት ንገብር፡" ዝብል ግንባር ቀደም ጠለቦም ኰይኑ ኣሎ።

መራሕቲ ትግራይ ብፍላይ ክልቲኡ ክፋል መሪሕነት ህወሓት፡ ሕቶ ተመዛበልቲ፡ ስደተኛታትን ምምላስ ግዝኣታዊ መሬትና ካብ ፀቢብ ፖለቲካ ኣጀንዳ ንላዕሊ ምዃኑ ኣሚንኩምን ካልእ ፖለቲካዊ ቍርቍስኹም ኣፅኒሕኹም ኣብዚ ቍልፊ ህዝባዊ ዕማም ብሓባር ዓሲልኩም ናብ መረበትና ክትመልሱና ንፅውዕ ዝበሉ እቶም ሰልፈኛታት እዙይ ምግባር ዘይትኽእሉ እንተዄንኩም፡ ትግራይ ልዕሊ እዙይ ገዛኢ ዛዕባ ዘይብላ ብምዃኑ ሓላፍነትኩም ብህፁፅ ንዝኽእል ኣሕሊፍኩም ክትህቡ ንፅውዕ እንትብሉ ኣተሓሳሲቦም።

"ኣብ ዙርያ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስን ግዝኣታዊ ምሬትና ኣብ ምምላስን ካልኦት ቍልፊ ዕማማት ህዝቢ ትግራይ ምስ ኔትዎርክ ሲቪክን ቢዝነስ ማሕበራትን እንገብሮ ዘለና ዝተዋደደ ቃልሲ ኣጠናኺርና ክንደፍአሉ ኢና፡" ዝበሉ ኰይኖም፡ ነዚ ህዝባዊ ዕላማ ንምፍፃም ድማ ተኸታታሊ ሰላማዊን ሕጋውን ቃልሲ ከም ዝቕፅልሉ ኣፍሊጦም።

እቶም ሰልፈኛታት ንፈደራል መንግስቲ ኣመልኪቶም ኣብ ዘቕረብዎ ሕቶ፤

"ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፕሪቶርያ ንዝኣተዎ ውዕል ተኣማኒ ኰይኑ ከይሸራረፈን ከየመኽነየን ተግባራዊ ክገብር፣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ተፈናቒሉን ተሰዲዱን ግዝኣታዊ መሬትና ተወሪሩን ዘላቒ ሰላም ከምዘይህሉ ኣሚኑ: ውዕል ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ብምትግባር ብቕልጡፍ መንግስታውን ዓለምለኻውን ግቡኡ ክፍፅም ንፅውዕ፡" ኢሎም።

ማሕበረሰብ ዓለም ፅልዋ ክፈጥር ዘይምኽኣሉን ብኡን ክንድኡን ከኣ ሕግን መሰልን ይጠሓስ ከም ዘሎ ብምዝርዛር መሪር ሓዘኖም ገሊፆም።

"ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ሕግን መሰልን ክጠሓስ፣ ውዕል ፕሪቶርያ እንት ዝንጋዕ ብስቕታ ምርኣዩ ዝፈጠረልና ሓዘንን ቍጥዐን እናገለፅና ምእንቲ ሰላምን ርግኣትን ሃገርናን ከባቢናን ውዕል ፕሪቶርያ ብምሉእነት ክፍፀም ግደኹም ክትፈፅሙን ሃገራውን ዓለምለኻውን ሕግታት ክኽብሩ ክትሰርሑን ንፅውዕ፡" እንትብሉ ተማሕፂኖም።

ሰልፊ ዘካየዱ ተፈናቐልቲ ምዕራብ ትግራይ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሰልፈኛታት ብወከልቶም ኣቢሎም ዘውፅእዎ ደምዳሚ መግለፅን ውሳነኦምን ብፅሑፍ ናብ ዝምልከቶም መሪሕነት ትግራይ ከም ዘብፅሑ እውን ተገሊፁ እዩ።

ኣብቲ ሰልፊ ተፈናቐልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ: ብሄረሰብ ኢሮብን ነበርቲ ዘላምበሳን ዝተረኸቡ ኰይኖም፡ ነበርቲ ከተማ መቐለ እውን ተፀምቢሮም ድምፆም ከስመዑ ቀንዮም።

ብፍላይ መናእሰይ ከተማ መቐለን ከባቢኣን: ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ሃፀይ ዮሃንስ: ኣባላት ተናሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ትግራይ ኣብ ኣደባባይ ሮማናት መቐለ ተረኺቦም "ይኣክል ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ይመለሱ" ዝብል ድምፆም ብዓውታ ኣስሚዖም።

ኣበቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀነሐ ሰልፊ "ይኣክል!" ንግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮነ ንህወሓት ወኪሉ ብምምፃእ ንህዝቢ መልእኽቲ ዘሕለፈ ብዓል ስልጣን ኣይነበረን።

ኮይኑ ግና ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስቲን ኣቢሉ ፅሑፋዊ መግለፂ ሂቡ እዩ።

ኣብቲ ሰልፊ ከም በዓል ኣምባሳደር ፍስሃ ኣስገዶም: ኣምባሳደር ወንድሙ ኣስማማው ከምኡ እውን ሓደ እዋን ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበሩ ኣይተ ኣባይ ወልዱን ብውልቀኦም ተሳቲፎም እዮም።

ተወከልቲ እቶም ተመዛበልቲ፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ንፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን ብምርካብ ሕቶኦም ንኽምለሰሎም፡ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ግዘ ገደብ ኣቐሚጦም ኣለዉ።

ካብ ኣተሓባባሪ ፅላል ስቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ፡ ኣይተ ሃፍቶም ገብረእግዚኣብሄር፡ ተመዛበልቲ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ክምለሱ እናኽኣሉ፡ ብሰንኪ ኣብ መራሕቲ ትግራይ ዝተፈጠረ "ሕቱኽቱኽ፡ ኣጀንዳ ተመዛበልቲ ንጎድኒ ገዲፎም፡ ኣብ ናይ ባዕሎም ናይ ስልጣንን ፖለቲካን ውጥጥ ብምእታዎም ስቓይን መከራን ተመዛበልቲ ክሳብ ሕዚ ይቕፅል ኣሎ፡" ኢሉ።

ንኣይተ ጌታቸው ረዳን ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን (ዶክተር)፡ "እንሰግኦ ነገርን ሕዚ በፂሕናዮ ዘለና ናይ ስምዒት ብርክን ነጊርናዮም ኢና፡" ዝበለ ኣይተ ሃፍቶም፡ ተመዛበልቲ ዘቕረብዎ ጠለብ ንምምላእን ንምፍታሕን ናብ ተግባር ዘይኣትዉ እንተ ደኣ ኰይኖም፡ ሰልፊ ተቓውሞ `ይኣክል!` ኣብ ኵሉ ከባብታት ትግራይ ብስፍሓት ከም ዝቕፅልሉ ንቢቢሲ ገሊፁ።