ነፋሪት ውግእ ሩስያ ምስ ናይ ኣመሪካ ድሮን ተጋጭያ

Published

ሓንቲ ነፋሪት ኲናት ሩስያ ምስ ሓንቲ ሰብኣልቦ (ድሮን) ኣመሪካ ተጋጭያ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ከምዝወደቐት ሰራዊት ኣመሪካ ሓቢሩ።

እታ ድሮን ኣብ ዓለምለኻዊ ክሊ ኣየር እናበረረት እንከላ፡ ክልተ ነፈርቲ ውግእ ሩስያ ከኳልምኣ ከምዝፈተና እቲ ሓበሬታ ይገልጽ።

እዚ ኣውሮጳ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምውዳቕ ናይታ ወተሃደራዊት ድሮን "ዘይሞያዊ ተግባር ሩስያውያን" ዘስዓቦ ምዃኑ ከሲሱ።

ሓይልታት ኣመሪካን መሻርኽታን ኣብቲ ከባቢ ምንቅስቓስ ከምዘየቋርጹ'ውን ሰራዊት ኣመሪካ ፍሊጡ'ሎ።

ብወገን ሩስያ ብዛዕባ'ቲ ፍጻሜ ዛጊት ዝተዋህበ መግለጺ የለን።

"ኤምኪው-9 ዝዓይነታ ነፋሪትና ኣብ ዓለምለኻዊ ክሊ ኣየር ልሙድ ምንቅስቓስ ኣብ እትገብረሉ ዝነበረት እዋን ብነፋሪት ሩስያ ድሕሪ ምህራማ ምግጫውን ምሉእ ክሳራ" ናይታ ድሮንን ኣስዒቡ ክብል ሰራዊት ኣመሪካ ዘውጽኦ መግለጺ ይጠቅስ።

ሱ-27 ዝዓይነታ ነፋሪት ውግእ ሩስያ ኣብ ልዕሊ'ታ ድሮን ነዳዲ ከምዝነስነሰት ዝጠቅስ እቲ መግለጺ፡ እቲ ተግባር "ጥንቃቐ ዝጎደሎ፡ ንኣከባቢ ኣብ ግምት ዘየእተወን ዘይሞያዊ ኣገባብን" እዩ ክብል ነቒፉ።

'ኤምኪው(MQ)-9 ሪፐር' ዝተባህለት ድሮን ዓባይ ሰብኣልቦ ነፋሪት ኮይና፡ 20 ሜትሮ ዝጎኑ ክንፍታት ዘለዋ፡ ኣብ ዝለዓለ ሰማያት ክትበርር ዝተሰርሐት'ያ።

ሩስያውያን ፓይሎታት ንመራኸቢታቶም ትከታተሎ ብምንባራ ከፈራርሕዋ ኣብ ዝፈተንሉ እቲ ግጭት ተፈጢሩ ክኸውን ከምዝኽእል ኣዳላዊ ወተሃደራዊ ጉዳያት መጽሄት ዘኮኖሚስት ሻሻንክ ጆሲ ገሊጹ።

ንምኹላፋ ኣብ ዝተኻየደ ፈተነ ምሉእ ብምሉእ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ምዃና ዘይንቡር ምዃኑ'ውን ተዛሪቡ።

ሩስያ ኣብ 2014 ነቲ ኣካል ዩክረይን ዝነበረ ዞባ ክሪሚያ ብሓይሊ ድሕሪ ምጉባጣ፡ ኣብቲ ዞባ ወተሃደራዊ ወጥሪ እናሓየለ ክመጽእ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኲናት ድሕሪ ምእዋጃ ድማ፡ ነፈርቲ ስለያ ኣመሪካን ኔቶን ኣብቲ ዞባ ዘካይድኦ ዳህሳሳዊ በረራታት ወሲኹ'ሎ።