እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኑክሌር እትዓጥቕ ቢ-21 ሓዳስ ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣመሪካ
ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ሓንቲ ምዕብልቲ ናይ ደብዳብ ነፋሪት ከምዝሰርሐ ኣፍሊጡ'ሎ።
እዛ ቢ-21 ዝብል መጸውዒ ዝተዋህባ ኑክሌር እትዓጥቕ ሓዳስ ነፋሪት፡ ነተን ናይ እዋን ዝሑል ኲናት ደብደብቲ ክትትክእ ትጽቢት ይግበረላ።
እታ ድሕሪ 30 ዓመት ንፈለማ እዋን ዝተሰርሐት ደብዳቢት ነፋሪት፡ ንሓንቲ ኣስታት 700 ሚልዮን ዶላር እትውድእ ኮይና፡ ኑክሌራዊን ስሩዕን (ኮንቨንሽናል) ኣጽዋር ክትስከም ዝተሰርሐ'ያ።
ንኣሰራርሓን ካልእ ዓቕምታታን ብዝምልከት እቲ ሓይሊ ኣየር ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ጸሓፊ ክፍሊ ምክልኻል ሎይድ ኣውስቲን፡ "መርኣያ ናይ ኣመሪካ መሪሕ ብልሓትን መሃዝነትን'ዩ" ክብል ገሊጹዋ።
እታ 'ቢ-21 ረይደር' ዝተባህለት ነፋሪት ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኣብ ክፍለሃገር ካሊፎርንያ፡ እቲ ዝሰርሓ ትካል 'ኖርትሮፕ ግራማንስ' ኣብ ዘዳለዎ ስነስርዓት'ያ ተመሪቓ።
እታ ነፋሪት ካብተን ዝጸንሓ ደብደብቲ ኣዝያ ከምእትምዕብል ዝገለጸ ጸሓፊ (ሚኒስተር) ኣውስቲን፡ "ዋላ እቶም ዝማዕበሉ ናይ ምክልኻል ስርዓተ ጸረ-ነፈርቲ ንቢ-21 ኣብ ሰማይ ክረኽቡዋ ክጽገሙ'ዮም" ኢሉ።
"ን50 ዓመታት ብዝማዕበለ ቴክኖሎጂ ትሑት-ተራኣይነት ዝተሰርሐት ነፋሪት'ያ" ይብል ሎይድ ኣውስቲን።
ብዘይካ'ዚ፡ እታ ነፋሪት ብቅሉዕ ስርዓተ-ቅርጺ ('ኦፐን ሲስተም ኣርኪተክቸር') ዝተሰርሐት ብምዃና፡ "ክሳብ ሕጂ ዘይተማህዙ ኣጽዋር" ክትዓጥቕ እትኽእል ምዃኑ ጠቒሱ።
ዋላ'ኳ፡ ብዘይ ኣብራሪ ናይ ምብራር ተኽእሎ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብቲ ስነስርዓት እንተዘይተገልጸ፡ ኣፈኛ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ግን "እቲ ተኽእሎ ኣለዋ፡ እንተኾነ ግን ብዘይኣባላት ክትበርር ውሳነ ኣይተገብረላን" ክብል ተዛሪቡ።
እታ ሓዳስ ነፋሪት ኣብ ዝመጽእ ዓመት ፈላሚ በረራ ከተካይድ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ መወዳእታ ነተን ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገላ፡ ቢ-1 ከምኡ'ውን ቢ-2 ዝተባህላ ደብደብቲ ምሉእ ብምሉእ ክትትክአን'ዩ መደብ ወጺኡላ ዘሎ።
ነተን ሓደስቲ ነፈርቲ ንምምዕባል፡ ምዕዳግን ምንቅስቓስን ብውሕዱ 203 ቢልዮን ዶላር ከምዝሓትት ማዕከን ዜና ብሉምበር ጠቒሱ'ሎ።
ዛጊት ሽዱሽተ ነፈርቲ ይስርሓ ከምዘለዋ እቲ ኣፍራዪ ትካል ሓቢሩ።
"ዝቕጽል ወለዶ ናይ ሰላሕታ" ነፈርቲ ክኾና ምዃነን ዝሓበረ ትካል ኖርትሮፕ ግራማንስ፡ "ሓደስቲ ናይ ምስናዕ ኣገባባትን ጥረነገራትን" ከምዝተጠቕሙ ገሊጹ።
ብዛዕባ'ቶም ኣገባባትን ጥረነገራትን ግን ዝርዝር ሓበሬታ ይሃበን።
ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ፡ ብውሕዱ 100 ነፈርቲ ክገዝእ ውጥን ከምዘለዎ ተፈሊጡ'ሎ።