ስነስርዓት ቀብሪ ፓስተር ተስፋይ ስዩም ተፈጺሙ

ፓስተር ተስፋይ ስዩም

ምንጪ ስእሊ, PM

መግለጺ ስእሊ, ፓስተር ተስፋይ ስዩም
Published

እቲ ብሰንኪ እምነቱ ንክልተ ሰሙን ከይተቐብረ ዝጸንሐ ኣስከሬን ፓስተር ተስፋይ ስዩም ሎሚ ቀዳም 22 ሚያዝያ 2023 ሰዓት 4 ድ.ቀ ኣብ ኣስመራ ህዝባዊ መቓብር ሓዝሓዝ ዓሪፉ።

ፓስተር ተስፋይ ብሰንበት 9 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ እኳ ህይወቱ እንተሓለፈ ከይቕበር ተኸልኪሉ ምጽንሑ ነቲ ስድራቤት ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ንቢቢሲ ገሊጾም ኔሮም።

ካብቲ ንልዕሊ 10 ዓመታት ብሰንኪ እምነቱ ተሓዪሩሉ ዝጸንሐ ቤት ማእሰርቲ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዝወጸ ፓስተር ተስፋይ ብናይ ርእሲ ጥረ ክሳቐ ምጽንሑ 'ኦፐን ዶርስ' ዝተባሃለ ተሓላቒ እምነት ገሊጹ።

እቲ ፓስተር ከይተቐብረ ንመዓልታት ምጽንሑ ኣብ ልዕሊ ስዳራቤትን መቕርብን ከቢድ ጸቕጢ ከሕድር እንከሎ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ኮይኑ ቀንዩ ኢዩ።

ቢቢሲ ነዚ ኣመልኪቱ ካብ ኣፈኛ መንግስቲ ኤርትራ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።

ፓስተር ተስፋይ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ማእሰርቲ፡ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ከምዝተፈትሐ ንቢቢሲ ዝገለጸ መተዓይይቱ ዝነበረ ፓስተር ሚኪኤል፡ ኣብ ሆስፒታል ደምበ ሰምበል ሕክምና ክከታተል ምጽንሑ ሓቢሩ።

እንተዀነ ምስ ዓረፈ፡ ስነስርዓት ቀብሩ ኣብ መበቆል ዓዱ ጐዳይፍ ኮነ ኣብ ህዝባዊ መቓብር ሓዝሓዝ ንምፍጻም ከምዘይተኻኣለ'ውን ገሊጹ ኔሩ።

ኣብ ኤርትራ ብመንግስቲ ኣፍልጦ ዝተዋህበን እምነታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ካቶሊክ፡ ወንጌላዊት ሉተራዊትን ሱኒ እስልምናን ኰይነን፡ ተኸተልቲ ካልኦት ኣብያተ እምነታት ንማእሰርቲ፡ ምስጓግን ተነጽሎን ከምዝቃልዑ ይግለጽ።

ኣብታ ሃገር ሰዓብቲን መራሕቲን ናይተን ንኣስታት 20 ዓመታት ዝተኣገዳ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያን ብሰንኪ እምነቶም ክእሰሩ ምጸንሖም ይፍለጥ።

ኤርትራ ኣባል ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት'ኳ እንተዀነት፡ ኣብ ጉዳይ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ነጻነት ሃይማኖትን ብተደጋጋሚ እያ እትኽሰስ።

ሰብመዚ ኤርትራ፡ ነቲ ዝቐርበሎም ክስታት ምግሃስ መሰላት "ፖለቲካዊ ዕላማ" ዘለዎ'ዩ ብምባል ይነጽግዎ።