ሕሉፍ ርእሰ ተኣማንነት፡ ጠቓሚ ዶ ጐዳኢ?

ድቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ስለምንታይ ኢና ልዕሊ ዓቐን ርእሰ ተኣማንነት እነጥሪ? ብኸመይከ ኵሉ ከም እንኽእል ኰይኑ ዝስመዓና'ሞ ነቲ ኣብ ገለ ገለ ነገራት ከነድምዕ ኣይንኽእልን ኢና ንዝብል ሓሳብ ንጻረረሮ?

እስኪ ንገዛእ ርእስኻ/ኺ ነዚ ሕቶ ኣቕርብ። ምስ ሓደ ድቢ ዝዀነ ዕጥቒ ከይዓጠቕካ/ኪ ኣብ ቃልሲ ከም ዘለኻ እሞ ሕሰብ/ቢ፡ ኣብቲ ግጥም መን ምሰዓረ ኢልካ ትሓስብ/ቢ? ንስኻ/ኺ ዶ እቲ ድቢ? ምስ ንስሪ ኮብራ ወይ ሓርገጽ እንተዝኸውን እቲ ቃልሲኸ?

እቲ ኣዝዩ ዝገርም 1700 ሰባት እዚ ሕቶዚ ምስ ተሓተቱ፡ 6% ኣንጻር'ቲ ድቢ ከምዝዕወቱን ምናልባት ምስ ሓርገጽ ምስ ዝኸውን ግን ከም ዝጠራጠሩ መሊሶም። ናብ ኮብራ ምስ ንመጸእ ግን 23% ነቲ ኮብራ ክንቀትሎ ንኽእል ኢና ክብሉ እንከለው 38% ድማ ንንስሪ ክሰዕርዎ ከም ዝኽእሉ ኣብቲ ኣብ 2021 ኣብ ኣሜርካ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ገሊጾም።

ናይ ቴንስ ኩዕሶ ሒዝካ ዘይትፈልጥ ክነስኻ/ኺ ምስ ሰሬና ዊልያም እነተትገጥም መን ምተዓወተ፧

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብኡ ዝገደደ ድማ ሃንደበት ንሓንቲ ህዝቢ ዝጸዐነት ነፋሪት፡ ዝዀነ ይዅን ኣፍልጦ ዘይጸንሓካ ክነሱ ሰባት ጉድኣት ከይወርዶም ከይሞቱን ብሰላም ከተዕልብ ትኽእል ዶ? ዝብል ሕቶ ምስ ተሓተቱ እቲ ዝነበሮም መጠን ርእሰተኣማንነት ኣዝዩ ዘደንጹ እዩ ነይሩ።

ሓደ ሕምሲት ካብቶም ዝተሓተቱ ሰባት ብሰላም ከምዘዕልብዋ ርግጸኛ ኰይኖም ተዛሪቦም።

ድሒሮም'ውን ናይ 3 ደቂቅ እትኸውን ተንቀሳቓሲ ምስሊ ናይ ሓደ ምኩር ፓይለት ካብ በረራ ነፋሪት እናዕረፈ ዘርኢ ምስሊ ምስ ተዓዘቡ፡ ካብቲ ዝነበሮም ርእሰ ተኣማንነት ብምውሳኽ ነቲ ብሰላም ናይ ምዕላብ ገምጋሞም ብ 30% ሚእታዊት ኣበሪኾሞ።

ገለ ሕልፍ ዝበሉ'ውን ነቲ ብሰላም ናይ ምዕላብ ተኽእሎ ዕድሎም ናብ 60% ክብ ኣቢሎሞ።

ብርግጽ ዋልሓንቲ ኣማራጺ ኣብ ዘይብሉ ግዜ ምናልባት ፓይለት ምስ ዝሓምም እሞ ኣብ በረራ እንከሎ ምስ ዝወድቕ ካብ ተዓሚትካ ምማት ነታ ኣየር ብሰላም ከተዐልባ ክትፍትን ትኽእል ኢኻ።

ዘየጋጥም እውን ኣይኰነን፡ ኣብ ግንቦት 2022 ኣብ ፍሎሪዳ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚ ኣጋጢሙ ነይሩ፡ ይዅን እምበር እቲ ተጓዓዚ በቲ ኣብ ምድሪ ኰይኑ ትራፊክ ዝቈጻጸር ዝነበረ ተክኒሻን ብኣጋጣሚ ናይ በረራ መምህር’ውን ዝነበረ ብምዃኑ፡ ንሱ እናሓበሮ ብሰላም ከዕርፋ ክኢሉ።

እዚ እንተዘይኰይኑ ግን ሓደ ፈጺሙ ግቡእ ትምህርቲ በረራ ዘይቀሰመን ኣፋፍኖት ዘይብሉን እሞ ድማ ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ሞትን ሂወት ኵነት ዘየሎ ሰብ ተኣማሚኑ እወ ይኽእል እየ ክብል እንከሎ ዘየገርም ኣይኰነን።

ምክንያቱ ኣብ ሓቂ እንተመጺና እንተበዝሐ 10-15% ጥራይ እዩ ዕድሉ።

ፓይሎት ምስ ዝሓምም እሞ ኣብ በረራ እንከሎ ምስ ዝወድቕ ካብ ታዓሚትካ ምሟት ነታ ኣየር ብሰላም ከተዐልባ ክትፍትን ትኽእል ኢኻ፣ግናኸ ካብ 10-15% ጥራይ እዩ ዕድል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እሞኸ ደኣ ናይዞም ካብ 6 ክሳብ 30 ሚእታዊት ካበይ ዝመጸ ድፍረት'ዩ?

እዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ትሕቲ ሰብ ኴንካ ክይትርአ ካብ ዝብል ፍርሒ ዝነቐለ ኰይኑ፡ ንኽትዕወት ደፋርን ወሳንን ክትከውን ኣለካ ካብ ዝብል ሰንኮፍ ኣረኣእያ እዩ ዝመጸእ።

ብርግጽ ልዑል መጠን ርእሰ ተኣማንነት ጠቓሚ እዩ። ከምኡ ስለዝዀነ ድማ እዩ መብዛሕትኦም ወለዲ ንደቆም ወጺኦም ሓድሽ ነገር ክፍትኑ ዘተባብዕዎምን ኣጆኩም ኵሉ ይብጻሕ'ዩ ብምባል ርእሰ ተኣማንነቶም ክሃንጹዎን ከዕብዩዎን ዝረኣዩ።

ርእሰ ተኣማንነትካ ዓቢይ ምስ ዝኸውን፡ ሓሳብካ ብነጻነት ናይ ምግላጽን ጸላዊ ናይ ምዃንን ተኽእሎኻ የዕብዮ።

እዚ ድማ በቶም ኣብ ዙርያኻ ዘለዉ ሰባት ክትእመንን ንዝያዳ ሓላፍነት ይዅን ውሳነ ክህልወካ ርሒብ ዕድል ስለዝህበካ፡ ዓቢ ረብሓ ዘለዎ ኣዎንታዊ ነገር እዩ።

እዚ ሕጂ ንዛረበሉ ዘሎና ግን ካብዚ ይፍለ እዩ። እዚ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ኰይኑ ካብ ጥቕሙ ድማ ጉድኣቱ ዝዓዝዝ እዩ። ብዙሕ ግዜ እቶም ናርሲስዝም (narcissism) ወይ ናርሲስታዊ ባህሪ ኣለዎም ተባሂሎም ዝጥቀሱ ሰባት ከምዚ ዓይነት ባህሪ ዘለዎም እዮም።

ንሶም ኵሉ ትፈልጥ ኴንካ ናይ ምራኣይ ተኽእሎኦም ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ። ብጾታ ደረጃ ምስ እንርኢ፡ እዚ ተርእዮ ዝያዳ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ይርአ።

ዋላ ኣብቲ ምስ ድቢን ካልኦት ኣራዊታት ምቅላስን'ውን እንተዀነ፡ ዝዀነ ዕጥቂ ዘይብሎም ክነሱ ብድፍረት እወ ክስዕር እየ ዝበሉ፡ ደቂተባዕትዮ እዮም ነይሮም።

እዚ ድማ ምናልባት ደቂ ተባዕትዮ ብጉልበት ካብ ደቀንስትዮ ስለዝሕይሉ'ዮም፣ ኣብቶም እንስሳሳታት'ውን ጸብለል ዝበለ ጉልበት ኣለና ኢሎም ክሓስቡ ዝገበሮምን ነዚ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ እምንቶ ሒዞም ክዀኑ ይኽእሉን ዝብል ግምት'ኳ እንተሃለወ፡ ኣብ መኪና ምምራሕ ይዅን ነፋሪት ኣብ ምዕላብ ዘድሊ ግን ኣእምሮ እምበር ሓይሊ ኣይኰነን።

ናይዚ ሃስያ፡ ኣብ ዘይቦታኡ እንጥቀመሉ ርእሰ ተኣማንነት ኣብ ርኡይ ጸገም ከእትወና ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ መን ምዃንና ጥራይ ዘይኰነስ ብምልከት እንታይ ከም እንገብር ምፍላጥ'ውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፤ ዝዀነ ሰብ ክኢላ ኵሉ ክኸውን ስለዘይክእል።

እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ ግን፡ ዋላ ኣብቲ እንገብሮ ነገር ገለ ከምዝተርፈና ብምእማን ክንውስኸሉን ከነማዕብሎን ንጽዕር ሰባት ሒደት፣ እቶም ክእለትና ካብ መጠን ንላዕሊ ክንገልጽ ንፍትን ድማ ብዙሓት ኢና።

ግናኸ ምናልባት እቲ እወ ንኽእሎ ኢና ኢልና ዝኣተናዮ ነገር ምስ ፈሸለ ወይ ድማ ምስ ኣበላሸናዮ፡ ንነብስናን ንሂወት ካልኦትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ክኸውን ምስ ረኣናዮ ብጣዕሳን ነብሰ ምትሓትን ክንሳቐ ኢና።

እዚ ድማ ናብ ካልእ ስነ ኣእምሮኣዊ ቅልውላውን ብገዛእ ዓቕምና ምጥርጣርን ሸሚሙ ነቲ ኣብ ገዛእ ርእስና ዘለና ኣመለኻኽታ ክሳብ እነዐርዮ ከሸግረና ክነብር ስለዝኽእል ዕሽሽ ኣይንበሎ።

እዚ ብርግጽ ቅኑዕ ምኽሪ እዩ፣ "ኣብ ነብስና እንተኣሚንና" ጥራይ "ዝዀነ ነገር ክንገብር ንኽእል ኢና" ኢልና ክንሓስብ ኣብ ዘተባብዓና ባህሊ ኢና እንነብር።

ብነብሰ ምጥርጣር ወይ ብፍርሒ ውድቀት ክንሕንክስ ኣይንደልን፤ ዓቕምና ብቕንዕና ምግምጋም ግን ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ፡ ጌርካዮ ዘይትፈልጥ ነገር ክትገብር ኣብ ትሕተተሉ ወይ ድማ ብዛዕባ ፈጺምካ ዘይትፈልጦ ነገር ክትሕተት እንከለኻ ጭዋ ዝዀነ "ኣይፋል" ወይ ኣይክእሎን እየ ምባል ዝበለጸ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ብዘይካኡ’ውን እቲ ኣይክእሎን እየ ኣይዓቕመይን እዩ ምባል መርኣያ ብስለትን ርእሰ ተኣማንነትን ምዃኑ ዘምዝንጋዕ።