ኢራን ነቲ ውግእ ንኽንደይ ግዜ ክትቅጽሎ ትኽእል?

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ውግእ ኢራን ካብ ዝጅምር ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ኣሎ።
ኣብቲ ሃገር ዘሎ ቍጠባዊ ጸቕጥን ኣብ መሰረተ-ልምዓት ዝወረደ ዕንወትን ከቢድ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ቴህራን ዘለዉ ወሰንቲ ኣካላት ግን ነቲ ውግእ ንምብቃዕ ዝህወኹ ኣይመስሉን።
ቴህራን፡ ናይቲ ውግእ ናህሪ ብኣመሪካ ጥራይ ከም ዘይውሰን ከተርኢ ትደሊ ትኸውን።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ወተሃደራዊ፡ ቍጠባዊ ከምኡ እውን ፖለቲካዊ ጾር ብምውሳኽ፡ ዋሽንግተን ንጠለባታ ክትቅበል ንምግዳድ ትጽዕር ኣላ።
ይዅን'ምበር፡ እቲ ወሳኒ ሕቶ፡ "ኢራን ብጭቡጥ ነዚ ውግእ'ዚ ንኽንደይ ግዜ ክትቅጽሎ ትኽእል?" ዝብል እዩ።
ወተሃደራዊ ዓቕሚ ኢራን
ገለ ክፋላት ምክልኻል ኢንዱስትፍን መፍረዪ ሚሳይላትን ኢራን ዒላማ ኰይኑ እዩ። እንተዀነ፡ እቲ ዝወረደ ዕንወት ብንጹር ዝገልጽ ናጻ ጸብጻብ የሎን።
ትካል መጽናዕቲ ቻታም ሃውስ ኣብ ዘውጽኦ ገምጋም፡ ብዛዕባ ዘሎ ሚሳይላት ኢራን ዝገልጽ እሙን ሓበሬታ ከም ዘየሎ ገሊጹ ኣሎ።
ኢራን እትጥቀመሉ ባሊስቲክ ሚሳይላት መጠን እናነከየ እኳ እንተ መጽአ፡ ውግእ ናይ ምቕጻል ዓቕሚ ግን ብብዝሒ ሚሳይላት ጥራይ ኣይዕቀንን።
ድሮናትን ክሩዝ ሚሳይላትን ብዝቐልጠፈን ዝሓሰረን ክፈረዩ ዝኽእሉ ምዃኖም፡ ዝተቐትሉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ብኻልኦት ምትካኦምን፡ መዋቕር እቲ ሰራዊት ከይፈረሰ ምጽንሑን ንኢራን ተስፋ ሂብዋ ኣሎ።
ኣብ ጆርጅ ዋሽንግተን ዩኒቨርሲቲ መምህር መሓመድ ቓኢዲ ንቢቢሲ ክገልጽ ከሎ፡ "ኢራን ምናልባት ነቲ መጥቃዕቲ ንነዊሕ ግዜ ክትቅጽሎ ትኽእል እያ። ካብኡ ብዝለዓለ ድማ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዕግርግር ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ኣለዋ፡" ይብል።
እዚ ንነዊሕ ግዜ ዝምጠጥ ግጭት ንኣመሪካ'ውን ክጐድኣ ከም ዝኽእል ሰበ-ስልጣን ኢራን ይኣምኑ።
ነቶም ካብ ኢራን ዝውንጨፉ ድሮናትን ሚሳይላትን ንምክልኻል ኣመሪካ እትጥቀመሉ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ እናተጸንቀቐ ምዃኑ ጸብጻባት የርእዩ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ውግእ ኣብ ዋጋ ነዳድን ውሽጣዊ ፖለቲካ ኣመሪካን ዝፈጥሮ ጸቕጥ፡ ንዋሽንግተን ናብ ዘተ ክሰሕባ ቴህራን ተስፋ ትገብር።
ቍጠባ ኢራን ክሳብ መዓስ ይጻወር?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቍጠባ ኢራን ቅድሚ እዚ ውግእ'እውን እንተዀነ ብናህሪ ወሰኽ ዋጋታት፡ ብምንካይ ዋጋ ርያል ከምኡ'ውን ብመዋቕራዊ ጸገማት ይሕመስ ነይሩ እዩ።
ባንኪ ዓለም ከም ዝገመቶ፡ ኣብ ናይ 2025–26 ፋይናንስያዊ ዓመት ቍጠባ ኢራን ብ2.7% ወሪዱ ኣሎ። ሕጂ ድማ እቲ ውግእ ሓደስቲ ጸቕጥታት ፈጢሩ ይርከብ።
ማእከል ስታቲስቲክስ ኢራን ከም ዝጸብጸቦ፡ ዓመታዊ ናህሪ ወሰኽ ዋጋታት 62% በጺሑ ኣሎ። እዚ ጸቕጥ'ዚ ብፍላይ ኣብተን ንውግእ ዝተቓልዓ ደቡባዊ ግዝኣታት ዝገደደ ኰይኑ፡ ንኣብነት ኣብ ሆርሞዝጋን እቲ ወሰኽ ዋጋታት ካብ 101% ንላዕሊ ኰይኑ ኣሎ።
ኣብ ጽላት ዕዮ'ውን፡ እቲ ውግእ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዕድላት ስራሕ ከም ዝዓጸወን ኣስታት ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ድማ ስራሕ ኣልቦ ከም ዝገበረን ምኒስተር ዕዮ እታ ሃገር ገሊጹ ኣሎ።
መጻብቦ ሆርሙዝ ንኢራን ከም መሳርሒ ተጽዕኖ እኳ እንተዀነ፡ ብኻልእ ወገን ግን ተኣፋፊ ነጥቢ እዩ።
ኣመሪካ ኣብቲ ከባቢ እትገብሮ ዕጽዋ ባሕሪ፡ ኢራን ነዳዲ ንምልኣኽ ዘለዋ ዓቕሚ ዝገትእ ስለ ዝዀነ፡ ንቝጠባ እታ ሃገር ዝያዳ ይሃስዮ።
ይዅን'ምበር፡ መሓመድ ቓኢዲ ከም ዝብሎ፡ መለኽቲ መንግስታት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ቍጠባዊ ኵነታት'ውን ንዓመታት ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ ቴህራን ዘሎ ምስሕሓብ
ኣብ ውሽጢ ሰበ-ስልጣን ቴህራን፡ እቲ ውግእ ክሳብ መዓስ ክቕጽል ኣለዎ ኣብ ዝብል ነጥቢ ሓደ ዓይነት መርገጺ የሎን።
ኣፈ-ጉባኤ ፓርላማን ሓላፊ ልኡኽ ዘተ ዝዀነ መሓመድ ባቐር ቓሊባፍ፡ ኢራን ኣብ "ዘዳኽም [ቀስ እናበለ ዘማህምን] ውግእ" ክትኣቱ ከም ዘይብላ የጠንቅቕ።
ብኣንጻሩ ድማ ከም ኣሚርሆሰይን ሳበቲ ዝበሉ ኣኽረርቲ ወገናት፡ ኣመሪካ ኵሉ ጠለባት ኢራን እንተ ተቐበለት'ውን ውግእ ዘይተርፍ ምዃኑ ይዛረቡ።
እዚ ምስሕሓብ'ዚ ኣብ መንጎ "ደለይቲ ውግእ"ን "ደለይቲ ሰላምን" ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ ውግእ ዘምጽኦ ረብሓን ዝሓቶ ዋጋን ኣየናይ ይበልጽ ኣብ ዝብል ስትራተጅያዊ ቀመር ዝተመስረተ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መወጽኢ መንገዲ ዘድልዮ ውግእ
እቲ ውግእ ንነዊሕ ግዜ ምቕጻሉ፡ ኢራን ምስ ሃገራት ዓረብ፡ ብፍላይ ድማ ምስ ስዑዲ ዓረብ ከተሐድሶ ዝጸንሐት ርክብ ሓደጋ ክፈጥር ይኽእል እዩ።
እተን ሃገራት ካብቲ መጥቃዕቲ ርእሰን ንምክልኻል፡ ምስ ኣመሪካ ዘለወን ወተሃደራዊ ምትሕብባር ከደልድላ ይገብረን።
ኢራን ኣብዚ ውግእ'ዚ ዝረኸበቶ ሓይሊ ምውጋይ ናብ ፖለቲካዊ ዓወት ክትቅይሮ እንተ ዘይክኢላ፡ እቲ ጕዕዞ ትርጕም ኣልቦ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ክኢላ ጉዳያት ኢራን ሓሚድረዛ ኣዚዚ ከም ዝብሎ፡ "ኣብ ስትራተጂ ኢራን ጐዲሉ ዘሎ ነገር፡ ነቲ ብውግእ ዝተረኽበ ጸቕጢ ብኸመይ ናብ ነባሪ ፖለቲካዊ ስምምዕ ክቕየር ከም ዝኽእል ዝገልጽ ንጹር መብርሂ እዩ።"
ዛጊት ኵሉ እቲ ወተሃደራዊ፡ ቍጠባዊ ወይ ፖለቲካዊ ጸገማት ንኢራን ካብ ውግእ ክዓግታ ኣይከኣለን።
እንተዀነ፡ እቲ ውግእ እናተናወሐ ብዝኸደ መጠን፡ እቲ ውሽጣዊ ቍጠባዊ ጸቕጥ እናበዝሐ፡ ዞባዊ ርክባታ እናተበላሸወ፡ ነቲ ዝኸፈለቶ ዋጋ ዝኽሕስ ስምምዕ ንምርካብ ድማ ዝያዳ ከቢድ ክዀነላ እዩ።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



