'ብሰሜን ኮርያ ተጨውየ፡ ምስ ወተሃደር ኣመሪካ ክምርዖ ድማ ተገዲደ'

ሓደ ናይ ቀደም ስእሊ ሂቶሚ ምስ ሰብኣያ ቻርለስ፤ ኣብ ቅድሚ ሓደ መንጫዕጫዕታን መንበሪ ህንጻ ኣፓርታማን ደው ኢሎም ይርኣዩ። ሂቶሚ ቁልፊ ዝተገብረሉ ብሌዘርን  ጉልባብን (skirt) ተኸዲና፡ ቻርለስ ድማ ሓሙዅሽታዊ ባድላ ምስ ሕንጻጽ ዘለዎ ክራባታ ተኸዲኑ ኣሎ። ሂቶሚ ኣእዳዋ ኣብ ድሕሪ ዝባና ኣጣሚራ፡ ቻርለስ ድማ ኣእዳዉ ኣብ ጐድኑ ኣውሪዱ፡ ክልቲኦም ፍሽኽ እናበሉ ብቐጥታ ናብቲ ካሜራ ይጥምቱ።

ምንጪ ስእሊ, Hitomi Soga

መግለጺ ስእሊ, ሂቶሚ ምስ ሰብኣያ ቻርለስ
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ ሓደ ምዉቕ ምሸት ነሓሰ፡ ኣብ ጃፓናዊት ደሴት ሳዶ፡ ህይወት ጓል 19 ዓመት ሂቶሚ ሶጋ ንሓዋሩ ተለወጠ።

ንሳ ምስ ኣደኣ ኰይና ኣስቤዛ ንምዕዳግ ወጺኣ ነበረት፤ እተን ክልተ ድማ ናብ ገዛአን ኣብ ዝወስድ ጐደና ይጓዓዛ ነበራ።

ሃንደበት፡ ሰለስተ ሰብኡት ብድሕሪአን ብምምጻእ ንኽልተአን ጨወይወን።

ሶጋ ነቲ ኵነታት ክትዝክሮ ከላ፡ "ኣፍና ዓፊኖም፡ ርእስና ድማ ብኸረጢት ሸፊኖሙና፡" ትብል።

እተን ዝቐጸላ መዓልታት ብድንግርግር ዝበለን ስንባደን ዝተሓልፋ እየን ነይረን፤ ካብ ገምገም ባሕሪ ተላዒላ መጀመርታ ናብ ሓንቲ ፈጣን ጃልባ፡ ድሕሪኡ ድማ ናብ ዝዓበየት መርከብ ከም ዝተሰጋገረት ትግምት።

ሶጋ ነታ ለዋህ፡ ንቕሕትን ምጭውትን ኣደኣ ንምዝርራብ ዕድል ከም ዘይረኸበት ትገልጽ፣ "ናይ መወዳእታ ቃላት እኳ ክንለዋወጥ ኣይከኣልናን፡" ትብል።

ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ኣዕይንታ ምስ ተቐልዓ፡ "እዚ ጃፓን ኣይኰነን" ዝብል ሓሳብ መጽኣ።

ሶጋ፡ ግዳይ እቲ ኣብ 1970ታትን 1980ታትን ብመንግስቲ ሰሜን ኮርያ ዝተወደበ ምስጢራዊ ናይ ጭውያ መደብ ብምዃን እያ ተወሲዳ።

ንዝቕጽላ 24 ዓመታት ድማ ኣብኡ ክትጸንሕ ተገደደት።

ብመንግስቲ ዝድገፍ ጭውያ

ሓደ ካብቲ ዝቐርብ ግምታት፡ ሰብስልጣን ሰሜን ኮርያ ነቶም እተጨውዩ ሰባት ከም "ህያውያን መወከሲታት" ብምጥቃም፡ ሰለይቶም ጃፓናዊ ቋንቋን ባህልን ተማሂሮም ናብታ ሃገር ንኽሰልኩ ንምግባር ዝዓለመ እዩ።

ጃፓን ካብ 1977 ክሳብ 1983 ኣብ ዘሎ ግዜ ብውሑዱ 17 ዜጋታታ ከም ዝተጨውዩ ኣለልያ ኣላ፤ እቲ ሓቀኛ ቍጽሪ ግን ካብዚ ዝበዝሐ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

"ብፍሉይ ዒላማ ተገይረ ድየ ወይስ ብሃንደበት እየ ተወሲደ... ክሳብ ሕጂ ኣይፈልጥን እየ፡" ትብል ሶጋ።

ኣብተን ናይ ፈለማ ክልተ ዓመታት ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ተታሒዛ ነይራ።

ኣደኣ ኣበይ ከም ዘላ ኣይትፈልጥን ነበረት፤ ሓቀኛ መልሲ ከም ዘይትረክብ ስለ ዝተሰምዓ ድማ ስለምንታይ ከም እተጨውየት ንሰብስልጣን ሓቲታቶም ኣይትፈልጥን።

"ናብ ግዳም ወጺአ ናብ ሰማይ ብምጥማት ወርሕን ከዋኽብትን እርኢ ነይረ፤ ብዛዕባ እቶም ኣብ ጃፓን ዝገደፍክዎም ስድራቤተይ እናሓሰብኩ ድማ መዓስ ዳግማይ ክርእዮም እየ እናበልኩ እበኪ ነይረ።"

እቲ ኵሉ ፍርሕን ተነጽሎን እናሃለዋ፡ ሓደ መዓልቲ ናጻ ክትወጽእ ምዃና ተስፋ ኣይቈረጸትን።

እዚ ጸሊምን ጻዕዳን ስእሊ ገጽ ሚዮሺ እዩ። ሓጺር ጸሊም ጸጉሪ ዘለዋ ኰይኑ፡ ትኩር ዝዀነ ወይ ቁምነገር ዝመልኦ ገጽ እናኣርኣየት ብቐጥታ ናብቲ ካሜራ ትጥምት።

ምንጪ ስእሊ, National Police Agency, Japan

መግለጺ ስእሊ, ሶጋ ድሕሪ ምጭዋየን ዛጊት ደሃይ ኣደኣ ሚዮሺ ኣይረኸበትን
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"እዚ ኵሉ ሓደ መዓልቲ ከም ዘብቅዕ ዝገልጽ ተስፋ ወትሩ ኣብ ልበይ ነይሩ፤ ንሱ ድማ ፈጺሙ ካባይ ኣይረሓቐን፡" ትብል።

ኣብ መወዳእታ ኣብ 1980፡ ሶጋ ካብቲ መዓስከር ክትወጽእ ተፈቕደላ።

ይዅን'ምበር፡ ፈጺማ ምስ ዘይትፈልጦ ቻርለስ ጀንኪንስ ዝተባህለ ሰብ ክትምርዖ ተገደደት።

ጀንኪንስ ኣብ 1965 ናብ ሰሜን ኮርያ ዝኸድዐ ወተሃደር ኣመሪካ እዩ። ንሱ ናብ ቬትናም ንውግእ ከይለኣኽ ብምስጋእ፡ ንሰሜን ኮርያ ኢዱ ምስ ዝህብ ናብ ኣመሪካ ክምለስ ከም ዝኽእል ብምሕሳብ እዩ ናብቲ ዞባ ሰጊሩ።

ካብተን ክልተ ዓበይቲ ተጻባእቲ ሰሜን ኮርያ ዝዀና ጃፓንን ኣመሪካን ዝመጽኡ ሰባት ኣጣሚርካ ንህዝቢ ምርኣይ፡ ንፒዮንግያንግ ጽቡቕ ናይ ፕሮፓጋንዳ ረብሓ ነይርዎ።

"ነታ መጀመርታ እተራኸብናላ መዓልቲ እዝክራ እየ። ብርቱዕ ዝናብ ዝነበረሉ መዓልቲ እዩ ነይሩ፡ ኣዝየ ድማ ተሻቒለ ነይረ፡" ትብል።

ሶጋ ኣብቲ መርዓ ምርጫ እኳ እንተ ዘይነበራ፡ ንሰብኣያ ግን ኣዝያ ክትፈትዎ ጀመረት። ክልተ ኣዋልድ ወለዱ፤ ጀንኪንስ ድማ ንደቁ ዝኸውን መጻወቲታትን ናውቲ ገዛን ይሰርሓለን ነይሩ።

"ኵሉ ነገር ባህርያዊ ኰይኑ ተሰሚዑኒ፤ ኣዝዩ ዘሐጐሰኒ ግዜ ድማ ደቅና ዝተወልዳሉ እዩ ነይሩ። ንሱ ምስ ደቁ ኣዝዩ ለዋህን ሓላዪን ነይሩ። እቲ ብዛዕባኡ ዝፈትዎ ዝነበርኩ ባህሪኡ ድማ ንሱ እዩ፡" ክትብል ትዝክር።

እቶም ሰብ ሓዳር ዝኽፈልሉ ስሩዕ ስራሕ ኣይነበሮምን፤ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቍጽጽርን ስለያን ስርዓት ሰሜን ኮርያ ድማ ግዜኦም ብኸመይ ከም ዘሕልፉ ደረት ነይርዎ።

ሶጋ መብዛሕትኡ ግዜኣ ኣሕምልቲ ብምዝራእ ተሕልፎ ነበረት።

"ሙዚቃዊ ምርኢታት ወይ ሲነማታት ኣይነበረን። ንመዘናጋዒ ዝኸውን ዝግበር ነገር ኣይነበረን። መዓልታዊ ብፍርሕን ጭንቀትን ኢና ንነብር ነይርና። እንተዀነ፡ ስድራቤተይ ኣብ ጐድነይ ስለ ዝነበሩ ኣብኡ ቅሩብ ቅሳነት እረክብ ነይረ፡" ትብል።

እቲ ስሩዕ ናብራኦም ኣብ 2002 ሓቅነት ጭውያ ሶጋ ምስ ተጋህደ ሃንደበት ተቐየረ።

ኣብ መንጎ ጃፓንን ሰሜን ኮርያን ዝነበረ ርክብ ንምምሕያሽ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ዘተ፡ እቲ ናይ ቀደም ላዕለዋይ መራሒ ኪም ጆንግ ኢል፡ ካብቶም ጃፓን ተጨውዮም ኢላ ዝገመተቶም 17 ዜጋታት፡ እቶም 13 ብሓቂ ከም ዝተጨውዩ ኣመነ።

ሰበስልጣን ሰሜን ኮርያ ካብኣቶም ሓሙሽተ ጥራይ ብህይወት ከም ዘለዉ ገለጹ፤ ኣደ ሶጋ ዝዀነት ሚዮሺ ናብ ሰሜን ኮርያ ብዛዕባ ምእታዋ ግን ዝተዋህበ መረጋገጺ የሎን።

ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐት፡ ሶጋ ንሓጺር ምብጻሕ ናብ ጃፓን ክትምለስ ከም እተፈቕደላ ፈለጠት።

ቻርለስ ጀንኪንስ ኢድ ሶጋ ሂቶሚ ሒዙ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ እናተጓዕዘ። ንሱ ጽልም ዝበለ ባድላ ተኸዲኑ፡ ሂቶሚ ድማ ሓሙዅሽታዊ ባድላ ተኸዲና ኣላ። ኣብ ድሕሪኡ ጻዕዳ ካሚሻ ዝተኸደና ኣዋልድ ደቶም — ሓንቲ ካብኣተን ንታሕቲ ትጥምት — ከምኡ’ውን ባድላ ዝተኸደነ ጃፓናዊ ሰብኣይ ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቻርለስ ጀንኪንስን ሶጋን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ

"ብሓቂ ነቶም ኣብ ጃፓን ዝገደፍክዎም ስድራቤተይ ክርእዮም ከም ዝደልን ምናልባት ድማ ንኣደይ ክረኽባ ዕድል ከም ዘሎን ጥራይ እየ ዝሓስብ ነይረ፡" ትብል።

ሶጋ ንሰብኣያን ኣዋልድ ደቃን ኣብ ሰሜን ኮርያ ተፋንያ፡ ምስቶም ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ብህይወት ምህላዋ ከይፈለጡ ክጽበዩዋ ዝጸንሑ ኣቦኣን ሓብታን ንምርካብ ናብ ጃፓን በረረት።

"ተረኺብና ምስ ተሓቛቍፍና፡ ኵላትና ንበኪ ጥራይ ነይርና፡" ትብል ሶጋ።

ሶጋ ኣብ ጃፓን ክትጸንሕ ወሰነት፤ ንሰብኣያን ደቃን ዳግማይ ንምርኻብ ድማ ክልተ ዓመት ወሲዱላ። ሰብኣያ ቻርለስ፡ ናብ ጃፓን እንተ ከይዱ ብሰራዊት ኣመሪካ ክእሰር ከም ዝኽእል ይፈርሕ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ብዘተ ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ጀንኪንስ ብምኽዳዕን ንጸላኢ ብምሕጋዝን በደለኛ ምዃኑ ኣመነ።

ካብቲ ዝተበየነሉ ናይ 30 መዓልታት ማእሰርቲ 25 መዓልታት ምስ ኣገልገለ ድማ እታ ስድራቤት ኣብ 2004 ናብ ደሴት ሳዶ ንሓዋሩ ክትግዕዝ ተፈቕደላ።

"ደቀይ ቅድሚኡ ናብ ደሴት ሳዶ መጺአን ዘይፈልጣ እኳ እንተዀና፡ ዓዲ ኣደአን ምዃና ይፈልጣ ነይረን እየን፤ ብኡ ንብኡ ድማ ፈትየንኣ፡" ትብል ሶጋ።

ጀንኪንስ ኣብ 2017 ኣብ ጃፓን ዓረፈ፤ ሶጋ ድማ ኵሎም እቶም ካብ ጃፓን እተጨውዩ ሰባት ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ኣብ ዝግበር ጐስጓስ ኵሉ ዓቕማ ከተውዕል ጀመረት።

ሶጋ ነቶም ገና ኣብ ሰሜን ኮርያ ተዓጊቶም ዘለዉ ሰባት ብምእማት፡ "ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ክቡር ዋጋ ኣለዋ" ትብል። ተስፋ ዘይትቘርጸላ ሓንቲ ዝተጨወየት ሰብ ኣላ፤ ንሳ ድማ ኣደኣ ሚዮሺ እያ።

ንኣደኣ ኣብ ዘላቶ ቦታ ኰይና ከተተባብዓ ተስፋ ትገብር።

"ንሳ፡ 'ጓለይ ትቃለስ እንተላን ተስፋ እንተ ዘይቘሪጻን፡ ኣነ'ውን ከምኡ ክገብር እየ' ትብል ይመስለኒ፡" ክትብል ዛዘመት።