ትግራይ፡ ዝተሓዋወሰ ስምዒት ዘአንገደ ሽመት ጀነራል ታደሰ ወረደ

ነበርቲ መቐለ ኣብ ዕዳጋ
መግለጺ ስእሊ, ዕዳጋ መቐለ
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ንውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ስዒቡ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ እናተመርሐ ንኽልተ ዓመት ኣብ ስራሕ ጸኒሑ'ሎ።

እንተዀነ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሰንኪ'ቲ ኣብ ሞንጎ ላዕለዎት መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጥረ ምክፍፋል ነቶም ከፈጽሞም ዝተዋሃቡዎ ዓበይቲ ዕማማት ብዝግባእ ከዐውት ከም ዘይከኣለ ይንቀፍ።

ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝተፈጠረ ምክፍፋል ናብ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ወጥሪ ብምዕራጉ ድማ ህዝቢ ትግራይ ናብ ስግኣታት ጸጥታ ክኣትውን ኣብ መንጎኡ ኣፈላላያት ክፍጠሩን ምኽንያት ከም ዝዀነ ይእመን።

ህወሓት፡ ብኣውርኡ ብደብረጽዮን (ዶ/ር]) ዝምራሕን ብፕረዚደንት ጌታቸው ዝምራሕን ብዝብል ናብ ክልተ ወገን ዝተመቕለ ኰይኑ፡ እዚ ምክፍፋል ናብ ውሽጢ ሓይልታት ትግራይን ሓፋሽ ህዝብን ምልሓኹ ዝተፈላለዩ መግለጺታት ተራእዮም እዮም።

ብሓፈሻ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ልሂቃንን ኣብ ፖለቲካ ዝሓሸ ግንዛበ ዘለዎም ሰባትን ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ሓሳባት፡ ክሳብ "ናብ ስልጣን እከለ ክመጽእ ኣለዎ"፡ "ኣይፋል እከለ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ኣለዎ፡" ዝብል ይበጽሕ።

ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ነበር ኣቶ ጌታቸው፡ ብሰንኪ "ጻምእ ስልጣን ዘለዎም" ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ነቲ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ከፈጽም ከም ዘይከኣለ፡ ተደጋጋሚ ክስታት ከቕርብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ልዕሊኡ ክሳብ 'ፈተነ ቅትለት' ዝበጽሕ ሓደጋታት ኣንጸላልዩ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ኣቶ ጌታቸው፡ ድሕሪ ጻንሒት ኣስታት ክልተ ዓመት፡ ስልጣኑ ብወግዒ ንምኽትሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣረኪቡ'ሎ።

ንምዃኑ እዚ ምርኽኻብ ስልጣን ኣብቲ ቀንዲ ተጸላዊ ዝዀነ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ስምዒት ፈጢሩ ይኸውን?

ተስፋን ስግኣትን...

ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓት ብዝተፈጠረ ምክፍፋልን ምሽዋም ስልጣንን ፈደራል መንግስቲ ኢዱ ክሓውስ ዝደረኸ ኰይኑ'ሎ።

ብፍላይ ብወገን ዶክተር ደብረጽዮን ዝመርሖ ሓደ ጕጅለ ህወሓት፡ "ጌታቸው ይውርድ፣ ጀነራል ታደሰ ይተካእ፡" ዝብል ሕቶ ናብ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብተደጋጋሚ ክቐርብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣቶ ጌታቸው ካብ መቐለ ወጺኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣትው ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ዝተወስደ ስጕምቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ድማ፡ "ቀጻሊ ፕረዚደንት ዝኸውን፡ ሰባት ብኢመይል ርቝሑ፡" ዝብል ጻውዒት ንህዝቢ ትግራይ ነይሩ።

ብርግጽ ውጽኢት እቲ ብኢመይል ዝተዋህበ `ጥቆማ` ንጀነራል ታደሰ ወረደ ናብ ስልጣን ዘምጽአ ድዩ ኣይኰነን ዝብል ብወግዒ ዝተገለጸ ነገር የሎን።

ግን ከኣ እቲ ምስግጋር ስልጣን ሰበስልጣን ፈደራልን ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ ተኻይዱ'ሎ።

ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ዝነጥፍ ሰሎሞን [ስሙ ዝተቐየረ] ነቲ መስርሕ ምስግጋር መዝነት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝተኸታተሎን ብእወታ ከም ዝቕበሎን ይገልጽ።

ንህዝቢ ዛሳተፈ ኣብ ምንባሩ ሕቶ ዘልዓለ እቲ ወሃቢ ርእይቶ፡ "ኣብቲ መድረኽ ወከልትን ሹመኛታትን ፈደራል መንግስቲ ጥራሕ እዮም ነይሮም። ካብ ትግራይ እቲ ዝጸንሐን ሓድሽ ዝተሾመን [ኣቶ ጌታቸውን ጀነራል ታደሰን] እዮም ተረኺቦም። ካብ ትግራይ ከምኡ'ውን ህወሓት ዝተወከሉ ስለ ዘይተረኸቡ ግን ጥርጣረን ስክፍታን ዝፈጥር'ዩ፡" ኢሉ።

ገለ ክፋል መቐለ

ስመን ክጥቀስ ዘይደለያ ሓንቲ ወላዲትን ካልእ ነጋዲትን ብወገነን፡ ህዝቢ ትግራይ ዘሕለፎን ዝሓልፎ ዘሎን ኣብዚ ይኣክል ዝብል ርእይቶአን ሂበን።

እተን ኣደ፡ "ንሕና ሰላም ኢና ንደልይ። ካብ ጭንቅን ጸበባን ናብ ሰላም እንተ መጺእልና ታሕጓስና ወሰን የብሉን። ወላዲ ዘሕለፎ ሽግር፡ ህዝቢ ትግራይ ዝሰገሮ ጸበባ መግለጺ የብሉን፡" ኢለን።

ኣብ ንግዲ እትነጥፍ ወይዘሮ ጸጋ ድማ፡ "እቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ ዘሎ ምስሕሓብን ህረፍ ስልጣንን ተሪፉ ቀዳምነት ሰላም ህዝቢ እንተ ዝቕድም እብል። ነጋዳይ ክነግድ፣ ሓረስታይ ክሓርስ፣ ተፈናቐልትና ክምለሱ . . . ምእንቲ'ዚ ክብሉ ሰላም እንተ ዝመርጹ፡" ክትብል ተዛሪባ።

መንእሰይ ሓድሽ ሃይለማርያም ብባጃጅ (በዓልቲ ሰለስተ እግሪ ተሽከርካሪት) ኣገልግሎት መጓዓዝያ ብምሃብ እዩ ዝመሓደር። እቲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን፡ "ጽቡቕ ጅማሮ፡" ከም ዝዀነ ይኣምን።

ኣብቲ መድረኽ ዝተፈረመሎም ዕማማት ግብራዊ እንተዀይኖምን ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ትግራይ ተፈጢሩ ዝነበረ ምክፍፋል እንተ ተመሓይሹን፡ "ሓጐስ ከም ዝፈጥረሉ፡" ገሊጹ።

"ዝሓሹ ነይሮም . . ."

ኣብ መንጎ መራሕቲ እቲ ክልል ዝተፈጠረ ወጥሪ ኣብ ህዝቢ ከቢድ ስግኣት ጸጥታን ድሕነት ኣሕዲሩ ከም ዘሎ ንቢቢሲ ዝተዛረቡ ነበርቲ ከተማ መቐለ፡ ፖለቲከኛታት ንረብሓታት ህዝቢ ኣብ ዘቐድሙ ዋኒናት ከተኵሩ እዮም ዝጠልቡ።

መምህር ሃይለ ሕሉፍ፡ "ትምኒትናን ትጽቢትናን ካልእ ዝሓሸ ነገር እዩ ነይሩ፡" ክብል በቲ ብመሪሕነት መንግስቲ ፈደራል ኣብ መንጎ ጌታቸው ረዳን ጀነራል ታደሰን ዝተኻየደ ምስግጋር ስልጣን ዘይምዕጋቡ ተዛሪቡ።

"ንሱ ዝሓሸ ድዩ ኣይኰነን ንዝብል ኣብ መንጎ መገዲ እየ ዘለኹ። ናተይ ተስፋ ጽቡቕ ነገር ንኽመጽእ'ዩ። ግን ከኣ ምኽትል ኰይኑ ብዝነበሮ ጻንሒት ዕጉብ ስለ ዘይኰንኩ ድሕሪ ሕጂ ጽቡቕ ክኸውን ትጽቢት የብለይን፡" ኢሉ።

ናብቲ መሪሕነት ክመጽኡ ትጽቢት ዝገብረሎም ሰባት ከም ዝነበሩ ዝጠቅስ መምህር ሃይለ፡ "ካብ ዝዀነ ውግንና ነጻ ዝዀኑን ንህዝቢ ትግራይ ዝሓልዩን ምሁራት ተጋሩ እንተ ዝዀኑ ትምኒተይ ነይሩ። ብዙሓት ዝሓሹ ነይሮም'ዮም፡" ክብል ርእይቶኡ ሂቡ።

መቐለ

መጻኢኸ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ንሓይልታት ትግራይ ብዋና ኣዛዝነት ዝመርሕን ምኽትል ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ኰይኑ ዝጸንሐን ጀነራል ታደሰ፡ ነቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓት ዝተፈጠረ ምስሕሓብ ኣብ ምፍታሕ ግቡኡ ኣይፈጸመን ዝብል ነቐፌታታት ይቐርበሉ።

"ጽኑዕ ዝዀነ መርገጺ የብሉን፡" ዝብል ርእይቶ ዝህቢ ገለ ነቐፍትን ፖለቲከኛታትን ትግራይ ነቲ ቅልውላው ኣብ ምፍታሕ ቀሊል ዘይበሃል ዓቕሚ እንተ ነበሮ'ኳ ነዚ ካብ ምፍጻም ከም ዝተዓቀበ ይገልጹ።

"ድልየትና ኣብ መጻኢ ሰላም ክህልወና ጥራሕ እዩ። ጀነራል ታደሰ መጺኡ ኣብ ሰላም፡ ልምዓትን ደሞክራስን ከተዅር እዩ ባህግና፡" ይብል ቢቢሲ ኣብ መቐለ ረኺቡ ዘዘራረቦ ሰሎሞን።

ካብቲ ንሓደ ዓመት ክቕጽል ግዜኡ ዝተናውሐ ብፕረዚደንትነት ጀነራል ታደሰ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ህዝቢ ዝሓሸ ምርግጋእን ሰላም ከም ዝጽበ'ውን ወሲኹ ገሊጹ።

ባጃጅ ብምዝዋር ዝመሓደር መንእሰይ ሓዱሽ እውን፡ "ተመዛበልቲ ናብ ከባቢኦም እንተ ተመሊሶምን ናብ ስደት ዝወጽእ ዘሎ መንእሰይ ምትራፍ እንተ ተኻኢሉን ዝብል ትጽቢት ኣለኒ፡" ብምባል መንእሰይ ካብ ስደት እንተ ተሪፉ ኣብ ለውጢ ሓጋዚ ከም ዝኸውን እምነቱ ገሊጹ።

ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ዝነበረ ምክፍፋል እውን ካብ ቂምን ምፍዳይ ሕነን ብዝረሓቐ መንገዲ ክፍታሕ ለበዋ ኣቕሪቡ።

ምስ ርእይቶ ሓዱሽ ዝመሳሰል ሓሳብ ዘለዎ ነጋዳይ ሰሎሞን፡ "ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝሓለፈ ኲናት ብዙሕ ተማሂሩን ኣሕሊፉን'ዩ። ስለዚ፡ ሰላም፡ ፍትሕን ደሞክራስን ነጊሱ፡ ህዝቢ ብሰላም ወፊሩ ዝኣትወሉ ኵነታት ክፍጠር ኢና ንጽበ፡" ኢሉ።

ዘይተፈጸሙ ዕማማት ከም ዘለዉ ብምሕባር፡ "እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ግዝኣታት ትግራይ ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበሮ ክምለስ ኣብ ምግባር ክሰርሕ ኣለዎ፡" ክብል ኣዘኻኺሩ።