ቅድሚ ዋንጫ ዓለም ኣብ ዝካየድ ጸወታታት ፕሪሜር ሊግ ብዓል መን ክዕወታ’የን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጸወታታት ፕሪሜርሊግ ዓዲ እንግሊዝን ካልእ ዓበይቲ ሊጋት ዓለምን፡ ብዙሓት ተጻወትቲ መምስ ሃገራውያን ጋንታታቶም ናብቲ ካብ 20 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ስለዝኸዱ ንሳምንታት ደው ክብል’ዩ።
ነቲ ጽባሕ ቀዳምን ሰንበትን ዝካየድ ጸወታታት ፕሪሜርሊግ ኣመልኪቱ ተንታኒ ኵዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ ክሪስ ሳተን ዝሃቦ ግምታት እዚ ዝስዕብ’ዩ።
ቀዳም

ማንቸስተር ሲቲ ኣንጻር ብረንትፎርድ
ተጻወትቲ ኣብ ድኻም ብምህላዎም፡ ቅድሚኡ ናብ ዋንጫ ዓለም ምኻዶም ዕረፍቲ ክረኽቡ’ዮም ዝደልዩ፡ ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ሲቱ ፔፕ ጓርድየላ ግን ቀዳምነት ንጋንትኡ ስለዝህብ፡ ንዋንጫ ዓለም ኢሉ ኣብ ናይ ጽባሕ ጸወታ ዘዕርፎ ተጻዋታይ ከምዘይህሉ’ዩ ዝገልጽ።
ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ጸወታኣ ብ10 ተጻወተቲ ድሕሪ ክንደይ ሃልኪ ብዝረኸበታ ፍጹም ቅላዕ’ያ ሰለስተ ነጥቢ ክትከስብ ኪኢላ።
እዚ ጽባሕ ተካይዶ ጸወታ ግን ብተዛማዲ ዝፈኾሰ’ዩ፡ ምኽንያቱ ብረንትፎርድ ኣብዚ ዓመት ካብ ሜድኣ ወጻኢ ዝኾነ ዓወት ኣየመዝገበትን።
ግምት፡ 4 - 0
ቦርንማውዝ ኣንጻር ኤቨርተን
እዘን ክልተ ጋንታታት ኣብ መፋርቕ ናይዚ ሰሙን ኣብ ዝተራኻባሉ ንቐንዲ ተጻወትተን ኣየሰለፋን።
ኣብቲ ጸወታ በርንማውዝ ስለዝሰዓረት ኣብ ልዕሊ ኣሰልጣኒ ኤቨርተን ፍራንክ ላምፓርድ ዓቢ ጸቕጢ’ዩ ፈጢሩ።
እንተኾነ እቲ ጽባሕ ዘካይድኦ ጸወታ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዝተፈለየ ውጽኢት ከምዝምዝገቦ’ዩ ክሪስ ሳተን ግምቱ ኣቐሚጡ ዘሎ።
ግምት፡ 1- 1
ሊቨርፑል ኣንጻር ሳውዝሃምፕተን

ኣሰልጣኒ ሳውዝሃምፕተን ናተራን ጂንስ፡ ናብ ሜዳ ሊቨርፔል፡ ኣንፊልደ፡ ከይዱ ጸወታ ከካይድ እዚ ናይ መጀመርትኡ’ዩ።
ክሪስ ሳተን ብዛዕባ ናይ ሊቨርፑል ጸወታታት ኣብ ዝሃቦ ግምትታት፡ ብዙሕ ግዜ’ኳ እንተተጋገየ ምስ ተቶንሃም ንዘካየድዎ ጸወታ ግን ቅኑዕ ግምት’ዩ ሂብሉ ነይሩ።
ግምት፡ 3- 0
ኖቲንግሃምፎረስት ኣንጻር ክሪስታል ፓላስ
ኖቲንግሃም ፎረስት ኣብ 14 ጸወታታት 10 ነጥቢ ጥራይ ብምውህላል ኣብ ጭራ ተሰሪዓ ዘላ ጋንታ ክትከውን እንከላ፡ ክሪስታል ፓላስ ብ19 ነጥቢ ዓስረይቲ ኮይና'ላ።
ሳተን፡ ኖቲንግሃም ፎረስት ኣብ ጸወታታት ዋንጫ ካራባው ንቶተንሃም’ኳ ክስዕርዋ እንተኸኣሉ፡ ካብኡ ዝረኸብዎ ሞራል ግን ንክሪስታል ፓላስ ዘመክት ኣይኮነን ይብል።
ግምት፡ 1- 2

ኣሰልጣኒ ቶተንሃም ኣብ ጸወታ ካራባው ብኖቲንግሃም ፎረስት ምስ ተሳዓረ፡ ተጻወትቱ ደኺሞም ምህላዎም ኣይሓበአን።
ሊድስ ብወገኖም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ካብ ሊቨርፑልን ካብ በርንማውዝን ሰሰለስተ ነጥቢ ክወስዱ ክኢሎም’ዮም።
ክሪስ ሳተን፡ እቲ ጸወታ ሓያል ክኸውን ከምዝኽል ብምእማት፡ ብዓወት ቶተንሃም ከምዝዛዘም ግምቱ ሂቡ’ሎ።
ግምት፡ 3 - 1
ዌስትሃም ኣንጻር ሌስተር ሲቲ
ሌስተር ሲቲ እታ በብቕሩብ እናተመሓየሸት ትኸይድ ዘላ ኮይና፡ ድልዱል ምክልኻል ሃኒጻ ዘላ ጋንታ’ያ። ብዘይካ’ዚ ሃርቪ ባርነስን ጀምስ ማዲሰንን’ውን ኣብ ጽቡቕ ቁመና’ዮም ዘለዉ።
እታ ካብ ሌስተር ሲቲ ብማዕረ ነጥቢ ኣብ መበል 15 ደረጃ ትርከብ ዌስትሃም’ውን ንሌስተር ስለዘይትሰንፈላ ማዕረ ውጽኢት ከምዝምዝገብ ሳተን ይግምት።
ግምት፡ 1- 1

ኒውካስል ኣንጻር ቸልሲ
ቸልሲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣንጻር ኣርሰናል ኣብ ዘካየድዎ ጸወታ ጽቡቕ ውህደት ኣይነበሮምን።
ኒውካስትል ይስዓሩ ኣይሰዓሩ ብዘየገድስ ትሕቲ ራብዓይ ደረጃ ስለዘይወርዱ ሓደ እፎይታ ዝህቦም’ዩ። እዚ ግጥም ብዙሕ ሸቶታት ዝምዝገቦ’ኳ እንተዘይኮነ ጽቡቕ ጸወታ ተራእይዎ ኒውካስል ከምዝስዕሩ ሳተን ተነብዩ'ሎ።
ግምት፡ 1 0
ዎልቭስ ኣንጻር ኣርሰናል

ኣርሰናል ዝያዳ ኣብ ዋንጫ ፕሪሜርሊግ ኣቶኲራ ስለዘላ ኣብ ጸወታ ካራባውእ ክትግለፍ ተገዲዳ’ያ።
ኣርሰናል ዘለዋ ህሉው ቁመና ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ጸወታ ብዘይስክፍታ ከምእትዕወት ክሪስ ሳተን ዘለዎ ይግምት ሂቡ'ሎ።
ግምት፡ 0 - 2
ሰንበት
እቲ ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ፕሪሜርሊግ ዓዲ-እንግሊዝ፡ ብዛዕባ'ቲ ድሕሪ ጽባሕ ሰንበት ዝካየድ ጸወታታት ዘለዎ ግምታት'ውን ሂቡ'ሎ።
ሰንበት ኣርባዕተ ጋንታታት ዝተሳተፋሉ ክልተ ግጥማት'ዩ ክህሉ።
ብራይተን ኣንጻር ኣስቶን ቪላ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓዲሽ ኣሰልጣኒ ሒዞም ንማንቸስተር ዩናይትድ ዝሰዓሩ ኣስቶን ቪላ ኣብ ሓዲድ ዓወት ክቕእጽሉ ዘይሕለል ህልኽ ከርእዩ’ዮም።
ብራይተን’ውን ብተደጋጋሚ ዓወት ብምምዝጋብ 21 ነጥቢ ብምውህላል ንቸልስን ንሊቨርፑልን ብምብላጽ ኣብ ሻዱሻይ ደረጃ ተቐሚጣ ዘላ ጋንታ’ያ።
በዚ ሒዘሞ ዘለዉ ብቕዓት ከኣ ክሳብ ሻዱሻይ ኣብ ዘሎ ደረጃ ሒዞም ጸወተኦም ክዛዝሙ ዘይግብኦም ኣይኮነን።
ግምት፡ 2 - 1

ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ኤሪክ ቴን ሃግ ናብታ ጋንታ ምስ መጽአ ኣብ መጀመርታ ጽቡቕ ገስጋስ’ኳ እንተኣመዝገበ፡ ጸገም ናይታ ጋንታ ከምዘይፈትሖ ግን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣስቶን ቪላ ድሕሪ ምስዓሩ ዝተረደኦ ይመስል።
ንጋንትኡ ኣብዚ ብሰንኪ ዋንጫ ዓለም ዝህሉ ዕረፍቲ ከመዓራርያ ኸኣ ትጽቢት ይግበረሉ።
ፉልሃም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በታ ብ10 ተጻወትቲ ዝገጠመቶም ማንቸስተር ሲቲ’ኳ ኣንተተሰዓሩ፡ እቲ ሽዕኡ ዘርኣይዎ ጸወታ ሰንበት እንተደጊመሞ ንማንቸስተር ዩናይትድ ዘይስዕርሉ ምኽንያት ኣይክህሉን’ዩ።
ግምት፡ 2 - 1






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
