ዲዴር ድሮግባ ሃይማኖቱ ናብ እስልምና ቀዪሩ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ፍሉጥ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዲዴር ድሮግባ ናብ መበቆል ዓዱ በጺሑ ነይሩ።
እቲ ኣይቮሪኮስታዊ ኣብታ ዓዲ ምስ ከደ፡ ኣብ ሓደ ኣብታ ቁሸት ዝርከብ መስጊድ ምስ ሓደ መራሒ ሃይማኖት እስልምና ክጽሊ ተራእዩ።
እቲ መራሒ ሃይማኖት ድሮግባ ምስኡ ክጽሊ ዘርኢ ስእሊ ብምዝርጋሕ፡ እቲ ፍሉጥ ኣጥቃዓይ እንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ ዝነበር ናብ እስልምና ከምዝቐየረ ኣፍሊጡ ከምዝነበረ'ዩ ዝግለጽ።
በዚ ዝተላዕለ ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ውዕዉዕ ዛዕባ ፈጢሩ ቀንዩ።
እንተኾነ፡ ድሮግባ ብሰኑይ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሃይማኖቱ ከምዘይቀየረ ብምግላጽ፡ "ንኣስላም ኣሕዋተይ ዘለኒ ክብረት ንምግላጽ ዝገበርኩዎ'ዩ" ክብል ኣነጺሩ።
"ናይ ምትሕቑቛፍ ህሞት" ከምዝነበረ'ዩ ድሮግባ ዝገልጽ።
እቲ መሓመድ ሳላሕ ዝተባህለ መራሒ ሃይማኖት፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጠቅዖ ብስእሊ ዝተሰነየ ሓበሬታ ጸኒሑ ኣውሪድዎ'ዩ።
እንተኾነ ግን፡ ድሮግባ ናብ እስልምና ክቕይር ጸሎቱ ከምዘየቋርጽ ተዛሪቡ።
ዲዴር ድሮግባ፡ ኣብ ፕሪሜርሊግ ዓዲ እንግሊዝ ዝና ዘትረፈ ኣጥቃዓይ ኮይኑ፡ ምስ ሃገራዊ ጋንታኡ ኣብ 100 ግጥማት ዝተሳተፈ'ዩ።
ንሃገሩ ወኪሉ ኣብቲ ናይ 2006፡ ከምኡ'ውን 2010 ዋንጫ ዓለም ምጽዋቱ'ውን ይዝከር።
ኣብ 2018 ካብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ክሳብ ዝወጽእ ድማ፡ እቲ ንሃገራዊት ጋንታ ኣይቮሪኮስት ዝበዝሐ ሸቶታት ዘመዝገበ ተጻዋታይ'ዩ ነይሩ።
ኣብ 2009፡ ከምኡ'ውን ኣብ 2012 ሽልማት ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ ተዓዊቱ ምንባሩ'ውን ይፍለጥ።
ድሮግባ፡ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ሃገሩ ንምዃን ተወዳዲሩ'ኳ እንተነበረ፡ ኣይተዓወተን።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
