እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትሸሞንተ ኣባላት ዝጸዓነት ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣመሪካ ወዲቓ
Published
ሸሞንተ ኣባላት ዝጸዓነት ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣመሪካ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጃፓን ወዲቓ።
እታ ሲቪ-22 ኦስፕረይ ዝዓይነታ ኣብ ቶክዮ ካብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ማእከል ዮካታ ዝተበገሰት ነፋሪት፡ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ጃፓን ገማግም ደሴት ያኩሺማ ከምዝወደቐት ሰብመዚ ጃፓን ገሊጾም።
ጃፓናዊት ማዕከን ዜና ኤንኤችኬ፡ እታ ኦስፐረይ ኣብ ያኩሺማ ክትዓልብ ከምዝፈተነትን ትነድድ ምንባራን ጸብጺባ።
ጉጅለ ምድሓን ህይወት ናብቲ ቦታ ተዋፊሩ ኣሎ።
እታ ኦስፐረይ ከም ሂልኮፕተርን ነፋሪትን ኮይና እተገልግል እያ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ ብተመሳሳሊ ኣብ ሰሜናዊ ኣወሰትራልያ ኣብ ልምምድ ዝነበረት ኦስፕረይ ወዲቓ ፡ ኣብ ውሽጣ ካብ ዝነበሩ 23 ኣመሪካውያን ባሕረኛታት እቶም ሰለስተ ሞይቶም።