ቀንዲ ፖለቲከኛ ፈረንሳ ማሪን ሊ ፔን ብምጥፍፋእ ገንዘብ ኤውሮጳ ገበነኛ ተባሂላ ተፈሪዳ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፈረንሳዊት ማሪን ሊ ፔን፡ ገንዘብ ኤውሮጳ ብዘይኣግባብ ብምምዝማዝ ነቲ እትመርሖ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ተውዕሎ ነይራ ብዝብል ክሲ ገበነኛ ተባሂላ።
ነዚ ስዒቡ ንሓሙሽተ ዓመታት ካብ ህዝባዊ ስልጣን ተኣጊዳ፤ እዚ ማለት ኣብ 2027 ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ፈረንሳ ክትወዳደር ኣይትኽእልን ማለት እዩ።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝመሓላለፍ ፍርዲ ብማእሰርትን 300 ሽሕ ዩሮ (250 ሽሕ ፓውንድ) ገንዘባዊ መቕጻዕትን ጥራይ ዘብቅዕ ክኸዉን የብሉን ክብሉ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሞጒቶም ነይሮም።
ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዝዀነ መንግስታዊ ስልጣን ንከይትወዳደር እውን ክትእገድ ኣለዋ ይብሉ።
ብኡ ንብኡ ድማ ኣብቲ ኣብ 2027 ዝካየድ መረጻ ንምስታፍ ብቕዕቲ ኣይኰነትን ዝብል ውሳነ ክመሓላለፍ ይሓቱ።
ማሪን ለ ፔን ኣብ ርእሲ'ቲ ካብ መረጻ ክትእገድ ዝተገብረ እገዳ፡ ማእሰርቲ ኣርባዕተ ዓመት ተፈሪድዋ ኣሎ፤ እንተዀነ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ግዜ ከተሕልፍ ድያ ወይስ ከም ኤሌክትሮኒካዊ መከታተሊ ኣብ እግራ ክእሰት ምዃኑ ኣይተፈልጠን።
ብተወሳኺ፡ 100 ሽሕ ዩሮ ገንዘባዊ ቅጽዓት ተበይኑ ኣሎ።
ማሪን ለ ፔን ነዚ ተዋሂቡዋ ዘሎ ፍርዲ ይግባይ ክትብል ምዃና ብኣግኡ ግሙት'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ለ ፔን ምስ ልዕሊ 20 ካልኦት ላዕለዎት ኣካላት እቲ ሰልፊ ብምዃን፡ኣብ ክንዲ ነቲ ደሞዝ ዝኸፍሎም ባይቶ ኤውሮጳ ነቲ ናሽናል ራሊ [RN] ዝተባህለ ሰልፋ ተሓጋገዝቲ ዝዀኑ ሰባት ብምቝጻር ትኽሰስ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ፡ ለ ፔን "ንእሽቶ ዘይስሩዕነት" ከም ዝፈጸመት ነጺጋ።
እታ ፖለቲከኛ ሎሚ ንጕሆ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበት ኰይና፡ እቲ ውሳነ ኣስታት ክልተ ሰዓታት ክወስድ ከም ዝኽእል ትጽቢት ይግበር።
ማሪን ሊ ፔን፡ ኣብቲኣብ 2022 ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ 41.45 ሚኢታዊት ድምጺ ረኺባ ምንባራ ይዝከር።እዚ ማለት መረጻ ልዕሊ 13 ሚሊዮን ድምጺ እያ ረኺባ።
እዚ፡ ልዕሊ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ውጽኢት ክኸውን እንከሎ፡ ስደተኛታት ትጸልእ እያ ትብሃል ሕልፍቲ የማናዊት ሊ ፔን ዝረኸበቶ ድምጺ ግን ክሳብ ሕጂ ሕሉፍ የማናውያን ሰልፊታት ዝረኸቡዎ እቲ ዝለዓለ ውጽኢት መረጻ እዩ።
ማሪን ሊ ፔን፡ እቲ ኣቡኣ ዝመስረቶ ሰልፊ ፖለቲካ ንክስዕር ብዝብል እያ ብ2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] መራሒት እቲ ሰልፊ ኮይና።
እዚ ዜና ተወሳኺ ዝርዝር ዝቐርበሉ ስለ ዝዀነ፡ ምሉእ ትሕዝቶ ንምርካብ ነቲ እናተሓደሰ ዝኸይድ ገጽ ከተንብቡ ንላቦ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
