እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጽምብል ጥምቀት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ
Published
በብዓመቱ ጥሪ 11 ዝኽበር በዓል ጥምቀት ሎሚ ዓመት እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ።
ኣብ ድሮ በዓል ጥምቀት፡ ታቦት ካብ ኣብያተ ክርስቲያናት ኦርቶዶክስ ብህዝቢ ተዓጂቦም ናብቲ በዓል ጥምቀት ዝኽበረሉ ቦታ ከም ዝኸዱ ይፍለጥ።
ሎሚ ሓሙስ 11 ጥሪ 2015 ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እታ ሃገር ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ጎንደርን ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ጽምብላት ተሳቲፎም።
ገለ ካብቲ ዝነበረ ኣከባብራ ዘርእዩ ስእልታት ኣቕሪብናልኩም ኣለና።