ሰራዊት ዲ.ኣር ኮንጐ፡ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከምዘፍሸለ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰራዊት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ኣብ ርእሰ ከተማ ኪንሻሳ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ፌሊክስ ቸሸከዲ ዝተገብረ ዕጡቓት ኮንጐን ወጻእተኛታትን ዘሳተፈ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከምዘፍሸለ ኣፍሊጡ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት እታ ሃገር ብሪጅ ጀነራል ሲላቪን ኤከንገ፡ ሰለስተ ኣመሪካውያንን ሓደ ዜግነት እንግሊዝ ዘለዎ፡ ዝርከብዎም 50 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ'ውን ገሊጹ።
ኣብቲ ብመንግስታዊ ኣርቲኤንሲ ቲቪ፡ "እቲ ኵነታት ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር" ከምዝወዓለ ተዛሪቡ ኣሎ።
እቲ መግለጺ፡ ዕጡቓት ትማሊ ሰንበት ንግሆ፡ ሓላፊ ስታፍ ነበርን ናይ ቀረባ መሓዛ ፕረዚደንት ቸሸከዲን ዝዀነን ቪታል ካመርሄ መንበሪ ገዛ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ እዩ ዝሕብር።
ናይ ሰራዊት ክዳን ዝለበሱ ኣስታት 20 ዝዀኑ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ጕጅለ ነቲ መንበሪ ገዛ ከም ዘጥቅዑን ድሕሪኡ ድማ ምልውዋጥ ተዅሲ ከም ዝነበረን መሰካኽር ዓይኒ ይዛረቡ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ክልተ ሓለውትን ሓደ ካብቶም ዕጡቓትን ከም ዝተቐትሉ እቲ ወሃቢ ቃልን ኣምባሳደር ጃፓንን ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሕዎ ጽሑፍ ገሊጾም።
እቶም ዕጡቓት ነቲ ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከብ ብሓለዋ ሪፓብሊካን ዝሕሎ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ተቘጻጺሮምዎ ከምዝነበሩ ይንገር።
ኣብ ርእሰ ከተማ ኮንጐ ኣምባሳደር ጃፓን ዜጋታት ሃገር ንደገ ንኸይወጹ ኣጠንቂቑ።
ፕረዚደንት ቸሺከዲ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።
ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ከም ዝብላኦ፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት፡ ምስቲ ቅድም ክብል ናብ ስደት ግዒዙ ዝነበረን ኣመሪካዊ ዜግነት ዘለዎን ፖለቲከኛ ዲ.ሚስተር ማላንጋ ርክብ ዘለዎም ‘ኒው ዛየር’ ብዝብል ዝንቀሳቐ ምትእስሳር ዘለዎም እዮም።
ማላንጋ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ንማእሰርቲ ድሕሪ ምቅዋሙ ኣብ ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንት ብጥይት ከምዝተቐትለ ሚስተር ኤከንገ ገሊጹ።
ወዱ ማርሴል ማላንጋ፡ ካብቶም ብሰንኪ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ዝተኣስሩ ሰለስተ ኣመሪካውያን ዜጋታት ሓደ እዩ።
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ዲ.ኣር ኮንጎ ሉሲ ታምሊን፡ ኣመሪካውያን ኣብቲ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ተሳቲፎም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ጸብጻባት ከም ዝሰንበደ ሓቢራ።
ቢቢሲ ሚስተር ማላንጋ ብቋንቋ እቲ ከባቢ ሊንጋላ፡ "ምስ ወተሃደራት ይኣኽለና፡ ምስ ቪታል ካመርሄን ፕረዚደንት ፌሊክስ ቸሸከዲን ብሓባር ክንስለፍ ኣይንኽእልን ኢና" ክብል ዘርኢ ቪድዮ ተመልኪቱ።
ፕረዚደንት ቸሸከዲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ኣካታዒ መረጻ ንኻልኣይ ግዜ ኣስታት 78 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ተመሪጹ።
ምሰቲ መረጻ ብዝተኣሳሰር ብዝተለዓለ ዕግርግር ኣስታት 20 ሰባት ተቐቲሎም።
ዲ.ኣር ኮንጐ ሰፊሕ ሃብቲ ማዕድናት እኳ እንተሃለዋ ብግጭትን ብልሽውናን እትሕመስ ዓዲ እያ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
