ኤርትራ፡ ብዙሕ ዘይተብሃለሉ ፖለቲካዊ ቃልሲ ብላታ መሓመድ ዑመር

Published

ብላታ መሓመድ፡ ብ1909 ኣብ ከተማ ፎሮ ካብ ዝነብሩ መንቋሕቋሕታ ትምህርቲ ካብ ዝነበሮም ስድራ ቤት ተወሊዶም፡ ንእስነቶም ኣብ ወደባዊት ከተማ ምፅዋዕ አሕለፉዎ።

ብዝነበሮም ማሕበራዊ ርኽክብን ልዙብ ክእለት ዘረባን ከኣ ብመዛኑኦምን እቲ ሕብረተሰብን ተፈታውነት አሕደሩ።

ብዙሓት ሰባት ንብላታ ዑመር ቓዲ፡ "ምስ ዲፕሎማሲያውን ፖለቲካውን ክእለት ዝተወልደ ክኢላን ምቕሉልን ሰብ" ክብሉ ከምዝንእድዎም ተመራማሪ ታሪኽ፡ ኣለምሰገድ ተስፋይ ይገልጽ።

ኣብቲ ብዙሕ ሓላፍ ዘላፍ ዘለዎ ጉዕዞ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰነዳት ታሪኽ ንብላታ መሓመድ ዑመር ቓዲ ብግቡእ እዩ ዝገልጾም።

ታሪኽ ገድሊ ዋላ’ኳ ታሪኽ ኤርትራ ይዅን፡ በቲ ካልእ ሸነኹ ግን ታሪኽ ኤርትራ ናይ ገድሊ ታሪኽ ጥራይ ኣይኰነን ዝብሉ ተመራመርቲ ታሪኽ ኣለዉ።

ንኣብነት ዶክተር ጆሰፍ ቨኖሳ ዝተባህለ ተመራመሪ: ንኤርትራ ናብ ሃገር ገጻ ንከተምርሕ ዘኽኣላ ደራኺ መምርሒ ካብ’ቶም ብኣርብዓታት ዝነበሩ ኣቦታት ዝመንጨወ ተበግሶ ምዃኑ፡ እቲ ዝዓበየ ግደ ዝተጻወተ ክፋል ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ድማ ዝግብኦ ተፈላጥነት ኣይረኸበን ንዝብል እምነቱ እተረድእ ‘Paths towards the Nation’ ዘርእስታ መጽሓፍ ጽሒፉ’ዩ።

ኣብ ዓውደ ፍልጠት-ታሪኽ ዓቢ ተራ ዘለዎ ጁርናል/ትካል፡ ‘ኣሜሪካን ሂስቶሪካል ሪቪው’ (American Historical Review)፡ ከምዚ ዚስዕብ ይብል፦

“ሓደ ካብ’ቶም እኹል ተፈላጥነት ዘይረኸበ ታሪኻዊ ሃለኽለኻት ኤርትራ፡ ብኣቃራርባ ምሁራት ድማ ሸለልትነት ዝተራእየሉ መዳይ ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ዘሎ ኣቕዋም በዚ ዘሎ ስርዓትን በቲ እቲ ስርዓት ዘሕለፎ ናይ ባዕሉ ተሞኵሮን ስለእተዓብለለ እዩ” ይብል።

ዶክተር ጆሰፍ ቨኖሳ፡ ግን ኣብቲ ዘቕረቦ መጽናዕቲ ካብ’ቲ ዝጸንሐ ዝንባለ ፍልይ ብዝብል ምርምር፡ ብኣነቓቓሒ ኣገባብ ነቲ ጕዳይ ብምግጣም ነቲ ክዉንነት መልሲ ሂቡሉ ኣሎ።

ታሪኽ ብላታ መሓመድ ዑመር ቓዲ

ዶክተር ቨኖሳ፡ ንታሪኽ ብላታ መሓመድ ዑመር ቓዲ (1909-1985) ብሓያል ሓተታን መርትዖን ኣቕሪቡዎ ኣሎ።

ገለ ካብቲ ዘቕርቦ መርትዖታት ከኣ፡ ደራሲ ንዑመር ቓዲ፡ ከም ሓደ ኣባል “ኢንተሊጀንስያ” ኤርትር (በቲ ዘመን ዝነበሩ ማእምራን) ገይሩ’ዩ ዝገልጾም።

ምስ በዓል ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያምን ካልኦት ተሰማዕነት ዝነበሮም ሃገራውያንን ሓቢሮም ነቲ ፋሕ-ፋሕ ኢሉ ዝነበረ ሕብረተሰብ ኤርትራ ንከሓብሩ ጻውዒቶም ዘስምዑ ሰብኣይ ምንባሮም ይገልጾም።

እቲ ጻውዒት’ቲ ድማ ብኣባላት ‘ማሕበር ፍቕሪ ሃገር’ ኣቢሉ ከም ዝጀመረ ዶክተር ቨኖሳ ይገልጽ።

እቲ ብ 5 ጉንበት 1941 ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ርእሰ-ምሕደራ ዘድሃበ ሓደ ምንቅስቓስ ፈጠረ።

ሃጸይ ሃይለስላሴ ድማ ኣጋ ሽዑ’ዮም ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንከሕብሩ ወፈራኦም ዝጀመሩ።

ዑመር ቓዲ ዳርጋ ዝበዝሐ ህይወቶም ኣብ ፖለቲካን ዲፕሎማስን፡ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ሕጋውነት ከልብስዎ ኢዮም ተቓሊሶም።

ኣብ ንግዲ ምዕሻግ ስጋ ዕዉት ነጋዳይ ምንባሮም'ውን፡ ህይወት ታሪኾም የዘንቱ።

ካብ 1941 ክሳብ 1946 ዝተጋህደ ክውንነት

እንግሊዝ ካብ ዝኣተወሉ (1941) እዋን ክሳብ ዋዕላ ቤት-ጊዮርጊስ (1946) ኤርትራውያን፡ ምናዳ ሕብረተሰብ ኣስላም፡ ድሌቶም ዘነጸርሉ እዋን ነበረ።

ሽዑ ኣብ ክልተ ዝተገምዐ ድሌታት ተኸሲቱ ነይሩ። እቲ ዝቐደመ ንናጽነት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝሰዓበ ድማ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝብል ነበረ።

ኣበዮ ኩርናዓት ኤርትራ ዝርከቡ ኣስላም - ተዛረብቲ-ትግረ ይዅኑ ዓበይቲ-ዓድን ምሁራን ደቂ ኸተማን፡ ንሕብረተሰቦም ብኣብያተ መሳጊድን ትምህርትን ማሕበረሰባትን ኣቢሎም ድልየቶም ኣነጸሩ።

በቲ ዘመን’ቲ ኤርትራውያን ተጠርኒፎም፡ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ብምዕቡል ኣገባብ ክዋስኡ ጀመሩ።

ዋላ’ኳ ሓደ ፖለቲካዊ ሕብረት ዝነበሮ እስላማዊ ውድብ ኣይንበር፡ እቶም ሽዑ ዝነበሩ መራሕቲ-ኮማትን ማእምራንን ብዝወሰድዎ ስጕምቲ ሓደ ጥርኑፍ ማሕበረሰብ ክምስረቱ ክኢሎም’ዮም።

ኣብ መወዳእታ ተጠርኒፎም ከኣ ብ1947 'ራቢጣ ኣልእስላሚያ' ዝበሃል ሰልፊ ኣቖሙ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብድሕሪ’ቲ ጥርናፈ ከም ሞቶር ዝደፍእ ዝነበረ ማሕበር ከኣ ባዕሉ እቲ ሰልፊ ምንባሩ ዶክተር ቨኖሳ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕታዊ ምርምር ኣስፊሩዎ ኣሎ።

ካብቶም ኣብቲ ፈለማ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣስታት 22-23 ዝኾኑ ኣባላት፡ ከም በዓል መሓመድ ዑመር ቓድን ወልደኣብ ወልደማርያምን ከምኡ’ውን ልዝብ ዝበለ ርእይቶ ዝነበሮም ካልኦት ኣባላት ይርከቡዎም።

ኣብ መፋርቕ ኣርብዓታት

ኣብ መፋርቕ ኣርብዓታት ኣብ ሞንጎ ኣስላምን ክርስትያንን ሕማቕ ኵነታት ተፈጥረ። ኣብ መዓስከር እንግሊዝ ዝነበሩ ወተሃደራት ሱዳን ኣብ ኣስመራ ሰባት ምስ ቀተሉ ኣብ ፈቐድኡ ኣብ ሞንጎ ኣስላምን ክርስትያንን ዕግርግር ተፈጥረ።

እንግሊዝ ነቲ ኵነታት ከህድእዎ’ኳ እንተኽኣሉ እቲ ጕዳይ ግን መዘዝ ነይሩዎ’ዩ።

ኣባላት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር፡ ብላታ መሓመድ ዑመር ቓዲ ዝነበርዎ፡ ኣብ ቤት-ጊዮርጊስ ዋዕላ ጠለቡ፣ ብሕዳር 22-23 (1946) ከኣ ተኻየደ፣ ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ ሓላፊ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር (ማ.ፍ.ሃ.) ዝነበሩሉ እዋን’ዩ።

ዋዕላ ቤት-ጊዮርጊስ እቶም ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝርአዩ ዝነበሩ ነቓዓት ንኪኸድን፡ እቲ ፍልልይ ድማ እናገደደ ናብ ጐነጽ ምእንቲ ንኸይከይድ ኢሎም ብዝሓዝዎ መትከል መሰረት፡ ነቶም ኣብ ሞንጎ ደለይቲ ናጽነትን ደገፍቲ-ኢትዮጵያን ዝነበሩ ጕጅለታት ኣወሃሂዱ፡ ካብ ኣስላምን ክርስትያንን ዝተዋጽኡ ለባማት ሒዙ ንምስራሕ ዝተበገሰ ራእይ ዝነበሮ ምትእኽኻብ ነበረ።

እቲ ዋዕላ ግን ዋላ’ኳ ነቲ ዝነበረ ሕማቕ ሃዋህው መዕለቢ ንክፈጥረሉ እንተ ተበገሰ ከይተዓወተ ተረፈ።

ተድላ ባይሩ ኣብቲ ዋዕላ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝድግፉ ምዃኖም ነፀሩ፡ ነቲ ኣኼባ ኸኣ ምስ መሻርኽቶም ዓብለልዎ።

ነቶም ነቲ ኣሻዅ ኵነታት ብልዝብ ንፍትሓዮ ዝብሉ ዝነበሩ (ከም በዓል ኣቦይ ወልደኣብ) ረጊጾም፡ 'ኢትዮጵያ ወይ ሞት' በሉ።

በዓል ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን በቲ ዝካየድ ዝነበረ ነገራት መዋጽኦ ከም ዘይፈጥር ስለ ዘስተብሃሉ ኣይተሓጐሱን። ናቶም መዋጽኦ ንክፈጥሩ ኸኣ ተገደዱ።

ተድላ፡ ብደገፍ ኢትዮጵያ፡ ነቶም ንማ.ፍ.ሃ. ዝመርሑ ዝነበሩ ገብረመስቀል ወልዱ ተክኡ። ንባይታ ማ.ፍ.ሃ. ከኣ ናይ ባይታ ማሕበር ሕብረት ለወጥዎ።

ተድላ መሳልል ስልጣን ብምድያብ፡ ብ1 ጥሪ 1947 ‘ማሕበር ሕብረት’ ዝጽዋዕ ናይ ባዕሎም ሰልፊ መስረቱ፣ ንፖለቲካ ኤርትራ ኸኣ ኣብ ትሕት ቍጽጽሮም ኣእተዉዎ፣ ኣብ መንበረ-ስልጣን ከም ዋና ፈጻሚ ኮፍ በሉ።

ተራ ራቢጣ -ኣልእስላምያ

ፖለቲካ ኤርትራ ዋላ’ኳ ብኢደ ጣልቃነት ኢትዮጵያ ሕንፍሽፍሽ ይእተዎ፣ ሽዑ ብመሪሕነት ኢብራሂም ሱልጣን ዝካየድ ዝነበረ ራቢጣ ኣልእስላሚያ ፖለቲካዊ ብስለትን ብቑዕ ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ከም ዝነበሮ ደራሲ ቬኖሳ ይምጕት።

ራቢጣ ኣልእስላምያ ኣብ ከረን’ዩ ኣብ ትሕቲ ዋና-ኣማሓዳርነት ኢብራሂም ሱልጣን ተመስሪቱ።

መሰረቱ ኸኣ ምፍራስ ጊልያነት ትግረ’ዩ - ባዕሎም ኢብራሂም ዝተቓለስሉን ዘዐወትዎን ጕዳይ። ምስኡ ኸኣ እቲ እስላማዊ ክንፊ ማ.ፍ.ሃ. ዝኣኽሎም ጽዒሮም’ዮም።

"ኤርትራ ናጻ ክትከውን’ምበር ንኽለተ ክትምቀል ኣይግባእን - ሓዲኡ ክሳብ ዝኸውን ከኣ ኣብ ትሕቲ ሞግዚትነት ሕቡራት ሃገራት ክትጸንሕ ትኽእል’ያ" ዝብል መርገጺ ሒዞም ጐስጐሱ።

እቲ መርገጺ’ቲ ድማ ክሳብ ራቢጣ እትሓቅቕ (1950) ብዕቱብ ተሰርሓሉ። እቲ መርገጺ’ቲ ኸኣ’ዩ ንኤርትራ ካብ ምምቕቓል ኣድሒኑ ኣብ መገዲ ናጽነት ዘእተወ።

እዚ ዓቢ ተራ ራቢጣ-ኣልእስላሚያ ግን "ብግቡእ ኣይዝንተወሉን’ዩ" ይብል ዶክተር ቨኖሳ።

ነቓዓት ራቢጣ ኣልእስላምያ እንታይ እዮም ነይሮም?

ብዳን ኮነል ዝቐረበ መዝገበ-ቃላት ኤርትራ ከም ዝብሎ፡ ብ1947፡ ዑመር ቓዲ ኣብ ራቢጣ ኣልእስላሚያ ተጸንቢሮም ይሰርሑ’ኳ እንተነበሩ፡ ምስ’ቶም ‘ሕብረት ብዉዕል’ -ማለት ምስ ኢትዮጵያ ንሕበር፣ ግናኸ ብዉዕል ይኹን -ዝብሉ ሰባት ሓቢሮም ክጕስጕሱ ጀመሩ።

እዚ ምስ ራቢጣ ኣልእስላሚያ ኣጋጨዎም።

ብ1949 ምስ ብርክት ዝበሉ ነጋዶ ደቂ ባጽዕ - ንኢብራሂም ሱልጣን ዝጻረሩ ዝነበሩ ሰባት - ሒዞም ተገንጸሉ።

ንማሕበሮም “ናጻ ማሕበር ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ -ክፍሊ ቀይሕ-ባሕሪ” ዝብል ስም ሃብዎ። ናይ’ቲ ማሕበር መስራቲ ጥራይ ዘይኰኑስ ከም ፕረዚደንት ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ።

ዳን ኮነል ከም ዝብሎ፡ “እቲ ማሕበሮም ዋላ’ኳ ንራቢጣ የዳኽሞ፡ ንኣስላምን ክርስትያንን ዘቀራርብ ዕላማ ዝነበሮ ይመስል” ኢሉ ይገልጾ።

ዑመር ቓዲ ብ1949-1950 ንማሕበሮም ወኪሎም ኣብ ሕቡራት ሃገራት በጺሖም’ዮም። ከም ኣዳላዊ ጋዜጣ “ኣንድነትን ምዕብልናን" ኰይኖም’ውን ኣገልጊሎም’ዮም።

እቲ ዘመን ግን ተብ-ተብ ይብል ስለ ዝነበረ ብዙሕ ነገራት ብሸነኽ ኢትዮጵያ፣ እንግሊዝ፣ ጣልያን፣ ሕቡራት ሃገራትነን መንግስቲ ኣሜሪካን’ውን ከይተረፈ ኤርትራ ኣብ ስሓባ-ጕተታ’ያ ነይራ።

ምስኡ ኸኣ እቲ ዉሽጣዊ ኵነታት፡ ምናዳ ብሸነኽ ሽፍትነት፡ ዘተኣማምን ኵነታት ኣይነበረን። ምጥልላም፣ ምኽዳዕ፣ ምጭኽኻን፣ ምሽራው፣ ምቕሻሽን ምትላል’ውን ግደ ነይሩዎም’ዩ። ምስቲ ኹሉ ሕንፍሽፍሽ ከኣ ብድፋእ-ድፋእ ፌዴሬሽን- ኢትዮጵያ ናይ 1952 ኣርከበ።

ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ኣብታ 'ኤርትራ ካብ ፈደሬሺን ናብ ጎበጣን ሰውራን' ዘርእስታ ሳልሰይቲ መጽሓፉ፡ ዑመር ቓዲ ፈደረሽን ምስ ኣተወ ሓደ ካብ’ቶም ቀዳሞት ኣባላት ቤት-ምኽሪ ፌዴራል -ኢትዮጵያ ከም ዝነበሩ ይገልጽ።

ይዅን’ምበር፡ እቲ ሽዑ ዝካየድ ዝነበረ ስራሕ ስለ ዘየዕገቦም - ሃጸይ ሃይለስላሴ ንፈደረሽን ክፍንጥሑ ይሰርሑ ከም ዝነበሩ ምስ ተጋህደሎም - ብ1953 ንናይ ቤት ምኽሪ ስርሖም ጠንጢኖም ኣብ ናይ ብሕቶም ስራሕ ጥብቅና ኣተዉ።

ብስርሖም ንጡፍን ክኢላን ከም ዝነበሩ፡ ንኽሱሳት ፖለቲካ ብምክልኻል እንጻር መግስቲ ኢትዮጵያ፡ እንጻር ምፍራስ ፈደረሽን፣ እንጻር ሸፈጥ ተድላ ባይሩ ደው ብምባሎም ይዝከሩ’ዮም።

ኣንጻር’ቲ ዘገልግልዎ ዝነበሩ ስርዓት ተሰልቢጦም መኪቶሞ’ዮም፣ ብሕጋዊ ብድሆታት ጸሚዶምዎ’ዮም፣ እቲ ካልኣይ ምርጫ ኣሰምብለያ ዘይሕጋዊ ምንባሩ ኣብ ላዕላይ ቤት-ፍርዲ ኣቤቱታ ኣቕርቦም’ዮም።

እቲ ዅሉ ጻዕሮም ገን ቍም ነገር ከፍሪ ስለዘይረኣዩዎ ጠቕሊሎም ንካይሮ ከዱ። ኣብኡ ከኣ ምስ በዓል ኣቦይ ወልደኣብ ኰይኖም፡ ንሕቡራት ሃገራት ፈደረሽን ፈሪሱ ንኤርትራ ንጕብጣን ከም ዘቃልዓ ብምግላጽ ኣቤቱታ ኣዳለዉ።

ብ1957 እቲ ኣቤቱታ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ምስ በጽሐ፡ መዓልቲ ተፈልዩ ክቐርብ ምድላዋት እናተኻየደ እቲ ጕዳይ ኣብ ኢድ ወከልቲ ኢትዮጵያ በጽሐ።

ወከልቲ ኢትዮጵያ ንዑመር ቓዲ ስሒቦም ሕማቕ ምኽሪ ኣስነቑዎም። “ቅድም ቀዳድም፡ ባዕልኹም ናብ ጃንሆይ ከይድኩም ኣቤት ዘይትብሉ” ኢሎም ኣስድዕዎም።

ንዘረባ ወከልቲ ኢትዮጵያ ሰሚዖም ከኣ ንመደቦም ኣታረፍዎ። ብካይሮ ኣቢሎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣተዉ። ወልደኣብ ግን ዑመር ቓዲ ብምምላሶም ኣይተሓጐሱን። ድሕሪ ሒደት መዓልታት ከኣ ንኣስመራ ክኸዱ ተነግሮም።

ንኣስመራ ምስ ተመለሱ ብጥሪ 1958 ተኣስሩ። ምስተኣስሩ ኣብ ኣስመራ ሾበሮ ዕግርግር ተገብረ። ይኹን እምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ (ሾበሮ) ከይገዶ ብ30 ግንቦት ንዓሰርተ ዓመት ክእሰሩ ፈረዶም። ጕበጣ ኤርትራ ምስ ተኻየደ ግን ተፈቲሖም ብ1969 ከም ከንቲባ ባጽዕ ተሸይሞም ናብ ስራሕ ተመልሱ።

ብ1975፡ ደርጊ ምስ ኣተወ፡ ዑመር ቓዲ መሊሶም ተኣስሩ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ከኣ ተፈትሑ።

ብድሕሪኡ ብ1979 ኣብ ስደት ኰይኖም ንጀብሃን ሻዕብያን ክዓርቁ ፈተኑ፤ እንተኾነ ኣይሰለጦምን።

ብድሕሪኡ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከይዶም ኣብ ስደት ህይወቶም እናመርሑ ናጽነት ከይረኣዩ ብ1985 ሞት ኣርከቦም።