እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን፡ ኣገደስቲ ስታፋት ሃገራዊት ጋንታ ብኣመሪካ ቪዛ ከምዝተኸልኡ ከሲሳ
ኣመሪካ ንኢራናውያን ተጻወትቲ ኣብ ዋንጫ ዓለም ንክጻወቱ ናብ ኣመሪካ ዘእቱ ቪዛ ከምዝተውሃቦም ድሕሪ ምርግጋጻ፡ ኢራን፡ ኣመሪካ ንሓያለ ኣገደስቲ ስታፋትን ተሓጋገዝትን እታ ሃገራዊት ጋንታ ቪዛ ከምዝኸልኣቶም ከሲሳ።
ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ኢራን ቅድሚ እቲ ብ15 ሰነ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ዝህልዋ ቀዳማይ ጸወታኣ 10 መዓልታት ኣቐዲሙ ፡ ብዓርቢ ንኹሎም ተጻወትን "ኣድለይቲ ደገፍቲ ሰራሕተኛታትን እታ ሃገራዊት ጋንታን" ቪዛ ከምዝተዋህበ ገሊጾም።
ብተወሳኺ ኢራን "ነዚ ስርዓት ብዘይግቡእ ተጠቒማ ብናይ ሓሶት ምምሳል ሽበራውያን ናብ ኣመሪካ ከተእቱ" ከምዘይፍቀደላ ገሊጾም።
ኣብ ቱርኪ ዝርከብ ኤምባሲ ኢራን፡ ኣመሪካ "ንዓቢ ክፋል ናይ ኣካየድቲ፡ ፈጸምትቲ ሰራሕተኛታትን ቴክኒካዊ ኣማኸርትን" ቪዛ ብምኽላእ "ኣብ ስፖርት ብፖለቲካዊ ወገናዊ ምትእትታው" ከሲሱ።
ምስ መንግስቲ ኢራን ዝተኣሳሰሩ ማዕከናት ዜና፡ ሓላፊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ፡ ምክትሉ፡ ዳይረክተር ሚድያን ዝርከብዎም 15 ሰበስልጣን ምምሕዳር፡ ካብቶም ናብ ኣመሪካ ምእታው ዝተኸልከሉ ምዃኖም ሓቢረን።
እዛ ጋንታ ትማሊ ሰንበት ካብቲ ኣብ ቱርኪ ዝርከብ ክትለማመደሉ ዝጸንሓት መደበራ ናብታ ቅድመ ልምምድ እተካይደላ ሜክሲኮ ክትከይድ ከላ፡ ድሕሪ ናይ 20 ሰዓታት በረራ ድማ ሰንበት ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ናብ ሜክሲኮ ሲቲ ክትዓልብ ትጽቢት ይግበር።
ብመሰረት እቲ ተዋሂብዎም ዘሎ ቪዛ፡ እቶም ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝህልዎም ጸወታ፡ ኣብታ ጸወታ ዝወድኡላ መዓልቲ ካብ ኣመሪካ ክወጽኡ ዘገድድ ምዃኑ ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ሜክሲኮ ትማሊ ሰንበት ገሊጹ።
ነቲ ኣመሪካ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኣመልኪታ ኢራን ኣብ ዘውጽአቶ መግለጺ "ሕጂ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢራን ዝግበር ዘሎ ኮነ ኢልካን ኣድልዎ ዝመልኦን ኣተሓሕዛ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ይዓርግ ኣሎ" ይብል።
ሰብ መዚ ኢምባሲ ኢራን'ውን ኣብዚ ጉዳይ ፊፋ ኢዲ ከእቱ ጸዊዖም ኣለዉ።
ኣመሪካ፡ ካናዳን ሜክሲኮን ብሓባር ዝእንገድ ዋንጫ ዓለም 2026፡ ካብ 11 ሰነ ክጅምር ትፅቢት ዝግበር ኰይኑ፡ ኢራን ኣብ መጋቢት 2025 ኣብ መጻረዪ ካብ ምድባ ቀዳመይቲ ብምውጻእ'ያ ዳርጋ ሓደ ዓመት ቅድሚ ኲናት ምጅማሩ ኣብ ዋንጫ ዓለም ከምእትሳተፍ ኣረጋጊጻ።
ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ሓንቲ ኣአንጋዲት ሃገር ነታ ኣንጻራ ኣብ ኵናት ዘላ ሃገር ተቐቢላ ከተአንግዳ ከኣ እዚ ናይ ፈለማ'ዩ።
ኢራን ኣብ መጀመርታ ናይ ልምምድ ስፍራኣ ኣብ ቱክሶን ኣሪዞና ክትገብሮ'ኳ ውጥን እንተነበራ ኣብ መወዳእታ ግንቦት'ያ ሓሳባ ብምቕያር ልምምዳታ ኣብ ሜክሲኮ ሲቲ ክትገብሮ ወሲና።
ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ፡ ኣብ እዋን እቲ ውድድርን ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝነበረሉ ንኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ይኹኑ ወግዓውያን ልኡኻን ኢራን ዝኾነ ዝተቐመጠሎም ገደብ እንተሃልዩ ኣይገለጸን።
እንተኾነ ግን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ንድሕነትን ህዝቢ ኣመሪካን ተሳተፍቲ ዋንጫ ዓለም 2026ን ዘለና ተወፋይነት ጽኑዕ'ዩ" ኢሉ።
ብምስዓብ "ሎስ ኣንጀለስ ሓዊሱ ኣብ መላእ እታ ሃገር ንዝርከባ 11 ኣአንገድቲ ከተማታት ጸጥታአን ንምውሓስ መንግስቲ ብምሉእ ኣገባብን ብዝተራቐቐ መንገድን" ይሰርሓ ኣሎ ኢሉ።።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ልኡኽ ኩዕሶ እግሪ ኢራን ምስቲ ሓያል ጨንፈር ዕጡቕ ሓይሊ ኢራን ዝዀነ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዝተኣሳሰሩ ውልቀሰባት ከጠቓልል ከምዘይፍቀደሉ ገሊጹ።
ሓያሎ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ምስቲ ጉጅለ ግዴታዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝወድኡ ምዃኖም'ዩ ዝግለጽ።
ኢራን ኣብ ምድብ ሸውዓተ ምስ ቤልጂም፡ ግብጽን ኒውዝላንድ'ዩ በጺሕዋ ዘሎ።
ኢራን ኣብ ናይ ምድብ ጸወታኣ ምስ ኒውዝላንድ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ፡ ምስ ቤልጅየም ኣብ ካሊፎርንያ፡ ምስ ግብጺ ድማ ኣብ ሲያትል ጸወታ ተሰሪዑላ'ሎ።