እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሶማልያ፡ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ምስ ግብፂ ከምዘይወገነት ገሊፃ
ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ዘላ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ንግብጺ ዝውግን ርእይቶ ከምዘይሃበ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ሶማልያ፡ ነዚ ዝበለ ፕረዚደንት እታ ሃገር ሓሰን ሸኽ መሓመድ ምስ ግብጻዊ መዘንኡ ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ፡ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ’ቲ ግድብ ተዘራሪቦም፡ ምባሉ ስዒቡ ’ዩ።
ወሃቢቃል ፕረዚደንት ሶማልያ ዓብዲካሪን ዓሊ ካር፡ "ፕረዚደንት ግብጽን ሶማልያን ብዛዕባ ህንጸትን ምምላእን እቲ ግድብ ዝኾነ ወግዓዊ መርገጺ ኣይገለጹን" ኢሉ።
ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ግብጺ ምብጻሕ ድሕሪ ምግባሩ፡ ምስ ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ብዛዕባ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ከምዝተዘራረቡ ብሰፊሑ ተገሊጹ ነይሩ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝሃብዎ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፡ኣብ ዙርያ ዓለም ለኻዊ ሩባታት ዝካየዱ ፕሮጀክትታት "ሓደገኛ በይናዊ ፖሊሲታት" ኣመልኪቶም ከምዝመኸሩ ጸብጻበት ይሕብሩ።
ኣብ’ቲ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት “ንበይና ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምዘለዎ" ከምዝገለጸ ማዕከን ዜና ኣናዶሉ ሓቢሩ።
ግብጻዊ ጋዜጣ ኣልኣህራም ብወገኑ፡ ኣብ’ቲ ሓባራዊ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ፡ ኣብ ምምላእን ኣሰራርሓን ግድብ ህዳሰ ኣብ ሕጋውን ቀያድን ስምምዕ ምብጻሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ምስ ኣልሲሲ ከምዝተሰማምዑ ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ሶማልያ ኣቶ ዓብዲካሪን ዓሊ ካር ግን፡ ሶማልያ ኣብዚ ጉዳይ ዘለዋ መርገጺ፡ ንኣጠቓቕማ ሩባ ኣባይ ዝምልከት ዓለማዊ ሕግታት ከምእትድግፍ ገሊጹ።
እቲ ወሃቢ ቃል፡ ኣብ'ቲ ናይ ካይሮ ሓባራዊ መግለፂ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ፡ እታ ሃገር ኣብቲ ግድብ ዘለዋ መርገጺ ዘንጸባርቕ መደረ ከምዘየስመዐ እዩ ሓቢሩ።
ግብጽን ሱዳንን፡ ምስ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ተዛሚዱ፡ ብዘይ ሕጋውን ቀያድን ስምምዕነት፡ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ክፍፀም ከምዘይብሉ ኣትሪረን ክገልጻ ምጽነሐን ዝዝከር እዩ።
ይኹን እምበር፡ ኢትዮጵያ ንሕቶ ክልቲአን ሃገራት ኣይተቕበሎን። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኽልተ ዙር ማይ ከምዝመልአት ኣፍሊጣ እያ፣ ኣብ መጻኢ ወርሒ ነሓሰ ድማ ሳልሳይ ዙር ንምምላእ ትዳሎ ከምዘላ ይዝረብ።
ኣብ’ዚ ዓመት፡ ሓንቲ ካብተን 13 ሓይሊ ዘመንጭዋ ተርባይናት'ቲ ግድብ፡ ናብ ስራሕ ብምእታው ናይ ፈተነ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምፍራይ ጀሚራ ኣላ።
ግብፂ፡ እቲ ህንጻቱ ዝዛዘም ዘሎ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ፣ ነቲ ንዘመናት ብዘይገደብ ክትጥቀመሉ ዝጸንሐት መጠን ማይ ከምዘጉድሎ ብምግላጽ፡ ምስ ኢትዮጵያ ንኣተሓሕዛን ምሕደራን ማይ ብዝምልከት ቀያዲ ስምምዕ ክትፍርም ትደሊ።
ግብፂ ነዚ ዕላማ ንምዕዋት፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ፀቕጢ ትገብር ኣላ።
በዚ ድማ ነቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ወሲዳ፡ ድጋፍ ሓያላት ሃገራት ሓቲታ ኣላ።
ምስ ኢትዮጵያ ነዊሕ ዶብ እትዋሰንን፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዕግርግር ዝጸንሐት ሶማልያ ድማ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣባል ብዝኾነሉ ዓቃቢሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ እትድገፍ እያ።
እቲ ኣብ ዘመነ ፕረዚደንት ነበር መሓመድ ዓብደላሂ ፋርማጆ፡ ሶማልያ ምስ ግብፂ ዝነበራ ርክብ ዝሕቱል እንትኸውን፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ካይሮ ዝተገበረ ዑደት ነዚ ርክብ ንምሕዳስ ከምዝኾነ ይእመን።