እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣምባሳደር ባህሊ ትግራይ መንገሻ ረዳኢ ብዛዕባ'ቲ ኣብ መድረኽ ዝበኸየሉ ክስተት እንታይ ይብል?
ኣብ ትግራይ ኣብ ራያ ዓዘቦ ተወሊዱ ዝዓበየ፡ ድምጻዊ መንገሻ ረዳኢ፡ ልዕሊ 50 ደርፍታት ዝደረፈ ውሩይ ስነ-ጥበባዊ እዩ። ብፍላይ ጉማየ ኢሉ ብዘስቆንቍነሉ ናይ ራያ ደርፍታቱ ብዙሓት ይፈትውዎ። ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ ንኣበርክቶኡ ኣምባሳደር ባህሊ ትግራይ ዝብል መዓርግ ከም ዝሃቦ ይፍለጥ።
እዚ ኣቦ ጉማየ ዝዀነ ኣምባሳደር ባህሊ ትግራይ መንገሻ ረዳኢ፡ ድሕሪ ኵናት ትግራይ፡ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ጠፊኡ እዩ ፀኒሑ።
ኣብዚ ቅነ ግን፡ ካብ ደቡብ ትግራይ ከተማታት ኣላማጣን ኮረምን ንዝተመዛበሉ ተጋሩ ኣብ ከተማ መኾኒ ንበዓል ትንሳኤ ኣብ ዝተዳለወ መደብ ተረኺቡ፡ ኣብ መድረኽ ንልዕሊ 20 ደቒቕ ኣምሪሩ ክበኪተራእዩ፤ ንብዙሓት ዘዘራረበ ጉዳይ ድማ ኰይኑ'ሎ።
ቢቢሲ ብዛዕባ'ዚ ቃለ-መሕትት ኣካይዱሉ ኣሎ።
ቢቢሲ፡ ከያኒ መንገሻ ረዳኢ ከም ሓደ ኣምባሳደር ባህሊ ትግራይን ኣቦ ጉማየን፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ካብ ህዝብን መድረኻትን ዝረሓቕካሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?
መንገሻ ረዳኢ፡ ኣብ መጀመርታ ዓመት እቲ ኵናት፡ እናሐመኒ መድረኻት ኣይሰራሕኩን። ኣብ ዳሕረዋይ ዓመት ድማ፡ ናብ መቐለ ከይደ፡ ምስ ቀዛሕታ መደብ፡ ደርፊ ሰሪሐ። ግን ተለቬዥን ትግራይ መንገሻ ብልፅግና እዩ ተባሂሉ ስለ ዝጥርጠር ኣይነሕልፎን ኢሎም ዓፅዮምኒ’ ምበር ሰሪሐ ነይረ እየ። ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ልደት ድማ ደርፊ ሰሪሐ ተዘርጊሑ እዩ።
ቢቢሲ፡ ብዛዕባ እዚ ብተለቬዥን ትግራይ ከይሓልፍ ተኽልኪሉ ዝተበሃለ መደብ፡ ንዳይሬክተር ተሌቬዥን ትግራይ ኣቶ ተሻለ በቀለ ሓቲቱ። እቲ ዳይሬክተር፡ እቲ ትካል ዝኸልከሎ መደብ ከምዘየለ ተዛሪቡ።
“ንሕና ዝኸልከልናዮ ሰብ የለን። መንገሻ ጥራሕ ዘይኰነ ዝዀነ ደራፊ ኣብ ተለቪዥን ትግራይ ከይተኣናገድን ከይመሓላለፍን ዝገበርናዮ የለን። ኣነ ናይዚ ትካል ሓላፊ እየ፡ ናይ መገሻ ከይተመሓላልፉ ዝብል ዝወረደ መምርሒ የለን። ብዛዕባ መገሻ፡ ብቀዛሕታ ሾው ተዳልዩ፡ ናብ ተለቬዥን ትግራይ ዝመፀ መደብ የለን” ዝብል ምላሽ ሂቡ።
ቢቢሲ፡ ብምኽንያት በዓል ፋሲካ ኣብ ከተማ መኾኒ ንተመዛበልቲ ከተማ ኣላማጣን ኮረምን ኣብ ዝተዳለወ መደብ፡ ክትደርፍ ናብ መድረኽ ኣብ ዝወጻእካሉ፡ ንነዊሕ ግዜ ኣምሪርካ ክትበኪ ተራኢኻ'ሞ፡ እንታይ እዩ'ቲ ምኽንያት?
መንገሻ ረዳኢ፡ ካብ ሕርቃን ዝለዓል እዩ። ኣነ፡ ካብ ቀደም ኣትሒዘ ትግራዋይ በዓል ጉራዴ ኢለ ዝደረፍኩ፡ ውድበይ ኢለ ዝተልዓልኩ ትግራዋይነተይ ኣረጋጊፀ ዝሓደርኩ ወዲ ትግራይ እየ። ኣብቲ እዋን ፀገምን ቃልስን ተጋደልትና በረኻታት ክወፅኡ ከለዉ ብዝተፈላለየ መገዲ ንተጋደልቲ እናሓገዝኩ እየ መፅየ።
እዞም በልፂጉ’ዩ፡ ገንዘብ ተቐቢሉ ኢሎም ዘውረዩ ክልተ ሰለስተ ዝዀኑ ሰባት እዮም። መጀመርታ ብልፅግና እዩ ኢሎም ዘይስመይ ሂቦምኒ። ሕዚ ለለ ቅድሚ ኣውደኣመት (ትንሳኤ) ኣብ ከተማ መኾኒ ዝርከብ መንበሪ ገዛይ፡ ካንሸሎ ንምንታይ ትሓፅር ኢሎም፡ ውሽጦም እንታይ ምዃኖም ዘይፍለጡ ቤት-መዘጋጃ ኢና ዝብሉ፡ ናተይ ገዛ ከፍርሱ ብካላሽን ተዓጂቦም መፅዮም። ኣነ ግና ኣየፍርስን ኢለዮም። በቲ ብልፅግና ይብሉኒ፡ ሕዚ ድማ ብወረዳ መኾኒ በደልን ግፍዕን እናበፅሐኒ ስለዝተሰመዐኒ እየ፡ ካብዚ ብዝለዓል እየ ኣብ መድረኽ ዝበኸኹ።
ቢቢሲ፡ እቶም ተዓጢቘም መፅዮም፡ ገዛኻ ክነፍርስ ዝበሉ እንመን እዮም?
መንገሻ ረዳኢ፡ ከተማ ንሕልው ኢና ዝብሉ ናይቲ ከባቢ ምልሻን፡ ካብ ቤት-መዘጋጃ ዝመፅአን ሰብ እዩ። ሕጋዊ እንተዄንኩም ብሕጊ ሕቱትኒ፡ ሰረት ሰሪተ ካብ መንግስቲ ዝበላዕኽዎ መሬት የለን። ገዛይ ኣየፍርስን ኢለ ኣብየ። ካብ መኾኒ ንኽነቕሉኒ’ዮም እዚ ዝገብሩ ዘለዉ። ኣኼባ ኣኪቦም፡ ይልብሉብና፡ ይገርፉና። ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዘይወዓልክዎ ብልፅግና እዩ ኢሎም። ሕዚ ድማ እዚ። ኣነ እንታይ እየ ኣቢሰ ኣብ ከተማ መኾኒ፣ ኣብ ራያ ኣብ ትግራይ ክንድዚ’ዶ ሓሚቐ እየ?
ቢቢሲ፡ እዚ ኣባል ብልፅግና ኰይኑ ዝብል ዘረባ ካበይ ዝነቐለ እዩ?
መንገሻ ረዳኢ፡ ዋላ ሓደ ምኽንያት የብሎምን። ትግራዋይነተይ ኣረጋጊፀ ዝሓደርኩ ሰብ እየ። ንናይ ኣብይ ሰራዊት እኳስ ዕጥቀይ ኣየረከብኩን። ብድሕሪኡ፡ ብልፅግና’ዩ፡ ሰሊሙ፡ ኢሎም ኣውሪዮምለይ። እዚ ወረ ኣብ ምሉእ ትግራይ ተባፂሑ። ካብ ወፃኢ ሃገራት ካብ ኣሜሪካን ጀርመንን እንከይተረፈ፡ ብልፅግና ኰይንካ ኢሎም ሰባት ይድውሉለይ። ኣነ ግን ንዝዀነ ሰብ ሕተቱ፡ ኣይኰንኩን ይብሎም። ‘ብልፅግና እዩ’ ዝብል ምስ ሰኣኑለይ ድማ፡ ‘ልኡኽ ወያነ እዩ ቁምብላ ኣለዎ’ ኢሎም ጦቂሞም። ናይ ኣብይ ኣሕመድ ሰራዊት ድማ፡ ‘ናይ ወያነ ልኡኽ ኢኻ፡ ቁንብላ ኣለካ’ ኢሎም ገዛይ ኸቢበሞ። ምስ ሰበይተይ፣ ደቀይን ዓባይ ሓፍተይን ኣብ ዝነብረሉ ገዛይ፡ ቀትሪ መዓልቲ ብ15 ወተሃደራት ተኸቢበ። ሓሙሽተ ገዛውተይ ብመዋሮ ተዃዒቱ እዩ ተፈቲሹ። ኣነ ሓረስታይ እየ ወያነ ኣይኮንኩን፡ ቁምብላ ዝበሃል እውን የብለይን ኢለዮም። ፈቲሾም ምስ ሰኣኑ ሓዲጎምኒ ከይዶም። እዝታት እውን መሪሩኒ እዩ ዝበኸኹ።
ቢቢሲ፡ እዚ ዝኾነሉ እዋን መዓስ ነይሩ?
መንገሻ ረዳኢ፡ ናይ ትግራይ ተጋደልቲ ንበረኻ ኣብ ዝወፅእሉን፡ ሓይልታት ኣምሓራ ናብ መላእ ራያ ትግራይ ኣብ ዝኣተውሉን እዋን እዮም ከምዚ ገይሮምኒ። ብኽልቲኡ ወገን ዒላማ ኰይነ። መጀመርታ ናይ ትግራይ ሰራዊት ኣብ መኾኒ እንከሎ፡ ‘ብልፅግና እዩ’ ኢሎም፡ እዚ ዅሉ ኣውርዮምለይ። እዚ ዝበልዎ ከም ዘይኮንኩ ምስ ቀበፁ ድማ፡ ኣምሓራይ ምስ ኣተወ ከቕትሉኒ ጁንታ እዩ ቁንብላ ኣለዎ ኢሎም ጦቂሞም። ክንደይ ስቓይ እየ ኣሕሊፈ። ቅድሚ ሕዚ ብወያነ እናተደብደብኩ ነይረ፣ ብኣምሓራይ እናተደብደብኩ ነይረ፡ ለለ ሕዚ ገዛኻ ኣፍርስ ኢሎም ብወያነ ካልኣይ ይድብደብ ኣለኹ። ኣነ ኣይትግራዋይ ድየ?
ቢቢሲ፡ ከም ሳዕቤኑ ዝወረደካ ማሕበራዊ ተነፅሎ ከመይ ትገልፆ?
መንገሻ ረዳኢ፡ ምስ ቈልዓ ቈልዓ፡ ምስ ዓብይ ዓብይ፣ ምስ ኣረጊት ኣረጊት ኰይነ ተሓጒሰ እየ ዝነብር። እዚ ዝነባዕኽሉ መድረኽ ምስ ረኣዩ ካብ ኣሜሪካ፡ ጀርመንን ስዑድ ዓረብን ብዙሕ ሰብ ሓዚኑ ደዊሉለይ። ኣነ ህዝቢ ራያ፣ ህዝቢ ትግራይ፣ ዓጋመ ወልዋሎ ዓደይ ዘቐይምን ዝፀልኦን ስራሕ ኣይሰርሕይ፡ ኣይሰራሕኹይ ለ። እንትርፊ ህዝቢ ዝሕጐሰሉ፣ ጥዑም ላዛን ፀዋታን ንዓዲ በዲሉ ዝብል ሓደ ገበን ክርከበኒ ንነብሰይ ኣይጥርጥራን።
ቢቢሲ፡ ከምዚ ዓይነት ተደጋጋሚ ኣጋጣሚ ምስ በፅሐካ፡ እንታይ ስምዒት ፈጢሩልካ? ብኸመይ ከ ሰጊርካዮ?
መንገሻ ረዳኢ፡ ካብ መጀመርትኡ ንፅህናይ ስለ ዝፈልጥ፡ ሓስዮም እዮም ክተርፉ ኢለ፡ ሱቕ ኢለ እየ ዘሕልፎ ነይረ። ኣብ ዘይወዓልክዎ ብልፅግና ተባሂለ። ድሕሪ እዚ ኩሉ፡ ትማሊ መፅዮም ሓፁር ገዛኻ ኣፍርስ ምስ በሉኒ ግና ብጣዕሚ ተሰሚዑኒ። ሕዚ ድምፀይ ተዓፅዩ፡ ጨጎራ ተላዒሉኒ ኣሎ። ሕክምና ከይደ፡ ጨጎራኻ እዩ ኢሎም መድሓኒት ሂቦምኒ፡ መርፍእ እውን ወጊኦምኒ።
ቢቢሲ፡ ካልኦት ከምዚ ናህትካ ኣጋጣሚ ብልፅግና ኮይንኩም ተባሂሎም ዝተነፀሉ ትፈልጦም ሰባት ኣለዉ ዶ?
መንገሻ ረዳኢ፡ እዚ ነገር ውዒለሞ ድዮም ኣይወዓልዎን ኣይፈልጥን። ግና ብልፅግና ኢኹም ተባሂሎም፡ ተማሪሮም፡ ካብዚ ናብ ኣዲስኣበባ ዝኸዱ ኣለዉ። ኣነ ግን ብልፅግና ኢኻ እናበሉኒ፡ ካብ ዓደይ ዘወር ኣይበልኩን።
ቢቢሲ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ተሕልፎ መልእኽቲ እንተልዩ ዕድል ክህበካ።
መንገሻ ረዳኢ፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ንዘሎ ኵሉ ህዝቢ ትግራይ፡ ካብ ጀርመን፡ ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን ዘሎ ኵሉ ትግራዋይ ህዝበይ፡ ብኽያተይ ርእዮም ተሰሚዕዎም፡ ብምብዳለይ ሓዚኖም ደዊሎም ኣዮኻ ኣብ ጎንኻ ኣለና ኢሎም ዘተባብዑኒ ክብረት ይሃበለይ። እቲ ዘጨንቕ ኣሕሊፈዮ እየ፡ ካብ ደጊም ጭንቀት ዝበሃል ናብ ነብሰይ ኣየጥብቕይ። ሕዚ ለ ሓድሽ ደርፊ ይሰርሕ ኣለኹ እየ፡ ፅቡቕ ደርፊ ክልእኸልኩም እየ። ዓይኒ ንዓይኒ የራኽበና፡ ብጣዕሚ አመስግን።
ቢቢሲ፡ ክብረት ይሃበለይ።
መንገሻ ረዳኢ፡ የቐንየለይ።