ኣብ ዓለም ዝመረረ ጒዕ በርበረ ዝበልዐ ሰብኣይ እንታይ ይብል?

ምንጪ ስእሊ, COURTESY OF FIRST WE FEAST
ወጋሕ ከይበለ፡ በርበረ ሓዊሱ ቡን ብምስታይ እዩ መዓልቱ ዝምስሶ።
ቀጺሉ፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ካሮላይና ዝርከብ ‘ፑከርባት ፔፐር ካምፓኒ’ ዝበሃል ትካሉ፡ በርበረን መሪር ጸብሕን ድሕሪ ምጥዓሙ፡ ኣብ ድራሩ ጒዕ ወይ መሪር ነገር ክውስኸሉ ግድን እዩ።
"ምሉእ መዓልቲ ጒዕ በርበረ እበልዕ" ይብል።
"ኣብ ጥቓይ ዝዀነ ጥዑም መግቢ እንተሃልዩ፡ ኣብ ልዕሊኡ መሪር ጒዕ በርበረ ክውስኸሉ እፎቱ።"
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ብጊነስ ዎርልድ ሪከርድስ፡ ኣብ ዓለም ዝመረረ ጒዕ ተባሂሉ ዋንጫ ዝወሰደ ናይ ባዕሉ ፈጠራ ዝዀነ ‘ፐፐር ኤክስ’ ፡ ምስ ጠዓመ፡ ንሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ሰዓታት ክገዕር ተራእዩ።
“ጒዕ ብምልእታ ምስ በላዕኩ እየ፡ ጣዕሚ ዝረክብ። ብኡንብኡ ግን ዋዒ ይፈጥረለይ- ሓሓንሳብ እቲ ዋዒ ክጻወሮ ይኸብደኒ።"
ንሱ፡ ፍልይ ዝበለ ተመኵሮ ከምዘለዎ እዩ ዝዛረብ።
ግን ድማ፡ "ፍስሃ ዝመልኦ እዩ ነይሩ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, HEATONIST/JULIAN BRACERO
ሓደ ሰብ ነቲ ቃንዛ ንምቅላል ጸባ ሂብዎ፡ ግን ድማ ኣግዲድሉ። እቲ ዋዒ ንኣስታት ሓደ ሰዓት እናወሰኸ ከይዱ።
"ሰብነተይ ምጭብባጥ ጀሚሩ ነይረ፡ ኣካላትና ንካፕሳይሲን ከም መርዚ እዩ ዝቘጽሮ።"
‘ካፕሳይሲን’ ማለት እቲ ንደቂ ሰባት ስምዒት ምቅጻል ዝፈጥር ከሚካል እዩ።
"እቶም ምጭብባጥ ዘይጽወር ይዀኑ። ሓደ ሓኪም፡ እቲ ምጭብባጥ ምስ ወርሓዊ ጽግያት ዝመሳሰል ምዃኑ ገሊጹለይ።"
እቲ ዝገርም ግን ድሕሪ ቅሩብ ሰዓታት ምሕዋዩ፡ ጒዕ ክበልዕ ወጺኡ።
"ምኽንያቱ ከምቲ በዓልቲ ቤተይ ክትብለካ እትኽእል፡ ንዓኣ ጽሉል ኰይነ እየ ዝረኣያ።"
በዓልቲ ቤቱ ሊንዳ ግን ነቲ ትካል ስለ ዝፈጠረት ከመስግና እፈቱ።
ነዊሕ ታሪኽ ወልፊ ሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተን ድሕሪ ምግዳፉ እዩ ንሊንዳ ተፋሊጥዋ።
ኣብቲ እዋን ምስኡ ዝዀነ ርክብ ክትፈጥር ድሌት ኣይነበራን።
"ሳልሳ ግን ከም እትፈቱ ሰሚዐ" ይብል።
"ስለዚ ናብ ሓደ ናይ ድራር እንግዶት ገለ ሳልሳ ሰሪሐ ኣቕሪበ። ንሳ ከም እትርከበሉ እፈልጥ ነይረ፡ ነቲ ሳልሳ መን ከም ዝሰርሖ ድማ እሓታ።”
እናተቐራረቡ ከይዶም፡ ድሕሪ ትሽዓተ ወርሒ ድማ ተመርዓዉ።
ኣብ ድሕሪ ገዛኦም፡ 1100 ዝጀመረ ተኽሊ በርበረን ኮሚደረን፡ ትካሉ ቅድሚ ምምስራቱ ናብ 30 ሽሕ ተኽሊ ወሲኹ።
"እዚ ድሌት ጥራይ ኣይኰነን - ዳርጋ ወልፊ'ዩ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, FIRST WE FEAST
በዓልቲ ቤቱ እያ፡ ንሱ ዝሰርሖ መሪር ጸብሒ ንኣዕሩኽቱ ክህቦም ምስ ረአየት፡ ንግዳዊ መልክዑ ዝተበርሃ።
ድሕሪ 20 ዓመት፡ እቲ ኩባንያ ኣብ ኣመሪካ ካብቶም ዝዓበዩ ኣፍረይቲ መሪር ጸብሒ ኰይኑ።
ሓደ ሰራሕተኛ እቲ ኩባንያ ዝዀነ ቶም፡ ኣብ ሓደ እዋን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ምስ ሓላፊኡ ምስራሕ ከመይ ከም ዝመስል ንምዝራብ ብተሌፎን ተሓቲቱ ነይሩ።
"እዚ መብዛሕትኡ ዓለም ብዛዕባ ኤድ ዘይፈልጦ ነገር'ዩ - ኣብ ህይወቱ ሓቀኛ ዕላማኡ ንሰባት ምሕጋዝ'ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።"
"(ኤድ) ወልፊ ከም ዝነበሮ ጠቒሱ። ንዓይ ሓዊሱ 90 ሚእታዊት ኣብ ምሕዋይ ዘለና እዩ ቈጺሩ፤ ኣብ ካልእ ቦታ ዘይንረኽቦ፡ ካልኣይ ዕድል እዩ ፈጢሩልና" ይብል።
ቶም፡ ሚስተር ኤድ ካሪ፡ ክሳብ ብእግሩ ደው ዝብል ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስኡ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ክነብር ከም ዝሓገዞ ይዛረብ።
"ሕጂ ድማ ሞርጌጅ ይኸፍል ኣለኹ" ይብል፤ "ፍቕሩ ኣብ መሪር ጒዕ በርበረ እዩ ዝመስለኒ - ንሰባት ምቅጻል ይፈቱ፡ እቲ ሓቀኛ ፍቕሩ ግን ንሰባት ምሕጋዝ'ዩ።"






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
