ትግራይ፡ ብሰንኪ ሓያል በረድ ውላዶም ዝሰኣኑን ሕርሻኦም ዝዓነወን ሓረስቶት እንታይ ይብሉ?

ምንጪ ስእሊ, SM
ሓረስቶት ትግራይ፡ ንኽረምቲ ብቝርን ቀዝሕን ጥራይ ኣይኰኑን ዝዝክርዎ፤ ቀለብ ደቈምን ስድርኦምን ደፊኖም ናብ ዘርኢ እዮም ዝጓየዩ። ስለዚ ክረምቲ ንሓረስታይ ቀጣን ግዜ እያ።
ዓመት ተፀብዮም ዝረኽብዋ እዛ ወቕቲ ክራማት፡ ከም ገለ ከይትሓልፎም፡ እንተስ ፀሚዶም እንተስ ተላፊኖም፡ ብዕራይ ዘይብሉ ድማ እንተስ ለሚኑ እንተስ መሬቱ ንብላዕ ሂቡ፡ ኣለሳሊሱ ሰማይ እናቋመተ ይሓድር።
ዝናብ ተሾሽ ኢሉ ምስ ዝወርድ፡ "ብሩኽ ክራማት ግበረልና" እናበሉ፡ ከከም ኵነታቱ፡ ከብዶም ሓምሊ መሊኦም፡ ንጐይተኦም ኣሚኖም፡ እተን ርካቦም ናብ መሬት የፍስሰወን፤ ቀለብ መፃኢ ዓመት ብምትስፋው።
ሓሓሊፉ ግን፡ ሰማይ ንዘራእቲ ዝናብ ጥራይ ኣይኰነን ሒዙ ዝመፅእ፤ ዘይተፀበዩዎ መብረቕ፡ በረድን ሽሾን ሓዚሉ ደበኽ ይብል።
ነዚ እዮም ድማ "ፅሩይ ክረምቲ ግብረልና" እናበሉ'ውን ዘፃልቱ።
እዚ ድማ ከከም ክብደቱ፡ ውሕጅን ዕልቕልቕን ስለ ዝስዕብ፡ ጥሪቶምን ኣባላት ስድራኦምን ከይጠፍኦም፡ ተጠንቂቘም ይሓልፍዋ።
እቲ ከም ዘይ ከም ንቡር፡ ዳርጋ ኣብ መጀመርታ ሓምለ ደንጕዩ ዝኣተወ ክራማት ሎሚዘበን፡ ኣብ ጣብያ ቀይሕ ተኽሊ ድማ ከምኡ እዩ ኰይኑ።
ብፍላይ፡ ኣብተን ሰፋሕቲ መሳኑን ጀርዲንን ዝስረሐለን ቍሸታት፡ ኣራንሽን ማንጎን ከይተረፈ ኣብዚ ዓመት ሰፊሕ ሕርሻ ተሳሊጡ ምንባሩ ነበርቲ ንቢቢሲ ትግርኛ ይዛረቡ።
እቲ ኣብ ወቕቲ ኣዝመራ [ኣብ ሚያዝያ - ግንቦት] ዝዝራእ ዳጉሻ፡ ምሸላን መሸላ ባሕርን ሎሚ ፅባሕ ኣርከበልና ኢሎም ነቲ ቀንዲ ኣአኻል ዝበፅሐሉ - ክሳብ ሕዳር፡ ከም መሰጋገሪ እዮም ዝጥቀምሉ።
ክራማት ለሚዘበን ግን ድንጕዩ ጥራይ ኣይኰነን ኣትዩ፡ ይቋራረፅ ነይሩ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ እናዀስኰሱ ዘባፅሑዎን ነቲ ገና ዓይኒ-ቡቕሊ ኣዝርእትን ዕዝር ኣቢሉ ዝወስድ መዓት ሒዙ መፂኡ።

ምንጪ ስእሊ, wereda qeyih teKhli- office
ኣቡነ ኣረጋዊ መዓልቲ
ነበርቲ ጣብያታት ቀይሕ ተኽሊ፡ ከም ጣፍን ስርናይን ካብ ባልዕ ከድሕኑን ክሕልዉን፡ ከምኡ ድማ ፅባሕ ከርክበልና ኢሎም ዝትስፈዉዎ ክርእዩን ከማዕድዩን ውዒሎም።
ከምቲ ኣብ ዝበዝሕ ከባቢታት ትግራይ፡ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰብ ካብ ምዃኑ ዝተበገሰ፡ ኣብዛ መዓልቲ ኣቡነ ኣረጋዊ፡ ደፊሩ ዝሓርስን ዝፅህን ውሑድ እዩ። ነዛ መዓልቲ ሰብ ፈሪሑዋን ኣኽቢሩዋን እዩ ዝውዕል።
ሓረስታይ ገረቸኣል ወልደገርግስ'ውን፡ 14 ሓምለ ምስ ደቁን ሰበይቱን ኣብ በረኻ ውዒሉ፡ ጥሪቱን ሃብተገነቱን ኣኪቡ ናብታ ዝነበረላ 'ጣብያ ዶ/ር ኣታኽልቲ' ዝርከብ ገዝኡ ይኣቱ ነይሩ።
ክልተ ምስኡ ዝወዓሉ ደቁ ድማ ካብ መጓሰኦም ንገዛውቶም ይኣትዉ ነይሮም፤ እቲ ንእሽቶ ውላዱ - ሃፍቶም ገረቸኣል- ንድሕሪት ዘምልስ ጠንቃም ነገር ረኺቡ።
ወዲ 12 ዓመት ሃፍቶም፡ ሓንቲ ጨርቂ ረሲዐ ኢሉ እዩ ካብ ዓቢ ሓው ተፈልዩ ንድሕሪት ተመሊሱ።
እቲ ብርቱዕ ህቦብላ ኣብ ርሑቕ በረኻ ኣጣል እናጓሰየ ኣብ ዝወዓለሉ እንከሎ ኣጋጢሙዎ።
ናብራ እግሪ ተኽሊ፡ ብጕያ ከይዱ ክምለስ ሃቂኑ፡ ብጐይየ ክምለስ ግን ኣይከኣለን። እቲ ሃንደበት ካብ ሰማይ ዝወረደ ሓደጋ ኣርኪብዎ።
ኣብ ሰጣሕ በረኻ በረድ ዝሓወሰ ዝናብ ኣብ ርአሱ ውዒሉ፤ ካብኡ ክመልጥ መዕቐሊ ክእልሽ ከይሃድም ድማ ውሕጅን ፅፍዕን ተሓዋዊሱ ፈለኽ ምባል ከሊኡዎ።
ወላዲኡ ገረቸኣል ገረገርግስ፡ ኣብታ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ከባቢ ቆላ ተምቤን ከምዚ መዓት ዝመልኦ ዝናብ ርእዩን ሰሚዑን ከም ዘይፈልጥ ይዛረብ።
"ሽንኳይ ኣነ፡ ወለደይ እውን ከምዚ ዝበለ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ርእዮም ሰሚዖም ኣይፈልጡን፡" ይብል፡ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት።

ምንጪ ስእሊ, wereda qeyih teKhli- office
ኣብ ከቢድ ሓዘን ኰይኑ ስምዒቱ ክቈፃፀር እናተቓለሰ ዘዘራረበና፡ ኣይተ ገረቸኣል፡ እቲ ዝፈትዎ ገና ጐይዩ ዘይወድአ ውላዱ፡ ኣይሓመመ ኣይደቀሰ፡ ሃንደበት ብኸመዚ ዓይነት መንገዲ ምስኣኑ ኣብ ሰፍ ዘይብል ሓዘን ኣጥሒሉዎ ይርከብ።
እቲ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ዝወርደሉ እዋን፡ ካብ 12 ሰዓት ጀሚሩ፡ ዓቢ ሓዉ "ሓወይ" ኢሉ ንድሕሪት ተመሊሱ ግን ኣየርከበሉን።
ኣዲኡን ኣቡኡን - ምሉእ ስድራ፡ ደቖም ክእልሹን ከድሕኑን ከም ዝተጓየዩን ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከም ዘእተዉን ገሊጹ። ዋላ እኳ ብዙሕ ፃዕሪ እንተ ገበሩ ክረኽቡዎን ከድሕንዎን ግን ኣይከኣሉን።
ገረቸኣል፡ በዚ ኣጋጣሚ ዝሰኣኖ ውላዱ ሃፍቶም፡ "ትምህርቲ ዝፈቱ፡ ጐበዝ ተማሃራይ ነይሩ፡" ይብል።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ፡ 12 ዓመቱ ዝደፈነ ሃፍቶም፡ ተምሃራይ ራብዓይ ክፍሊ እዩ ነይሩ፤ ኣብያተ ትምህርቲ ወቕቲ ዝናብ ስለ ዝዀነ ተዓፅዮም ከም ዘለዉ ኣዘኻኺሩ።
እቲ ወዱ፡ በቲ ውሕጅ ቅድሚ ምውሳዱ፡ መጀመርታ በቲ ሓያል በረድ ዝሓዘለ ዝናብ ፀፍዕን ከም ዝተሃርመ ይኣምን።
ድሒሩ ዓቢ ሓው ንሃፍቶም ከድሕን ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ንሱ'ውን ኣብ ማእከል ሓያል ውሕጅ ተኸቢቡ፡ ደቂ ዓዲ እዮም ከውታ ፍርቂ ለይቲ ሰዓት ሸውዓተ ረኺቦም ብህይወት ኣድሒኖሞ።
ኣብቲ እዋን፡ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ደሃይ ደቁ ክረክብ ዘይካኣለ ወላዲ፡ " ኣነ'ውን ኣብቲ በረኻ በረደ ወቒዑኒ እዩ፣ ካብኡ ንደሓር እንታይ ከም ዝዀነ ኣይተፈለጠንን፡ ዳርጋ ቀልበይ ስሒተ እየ ነይረ፡" ኢሉ።
እቲ ጋሻ ውሕጅን በረድን፡ ነታ ስድራቤት ፋሕ ብትን ኣውፂኡዋ ምንባሩ እቲ መራሒ ስድራ ይዛረብ።
ኣባላት እቲ ስድራ፡ ኣብ መንጎ እቲ ብርቱዕ ዝናብን ውሕጅን ንሓድሕዶም ንምድላይ ይቃለሱ ነይሮም።
ብፅባሒቱ ንጐሆ ሰዓት 12 ድማ ሬሳ ውላዱ ኣብ ሓደ ከባቢ ከም ዝተረኽበ ይዛረብ።
ገርቸኣል ገረገርግስ፡ ኣብ ርእሲ ፍቱው ወዱ ምስኣኑ፡ ምሉእ ዘራእቲ ከም ዝሰኣነ ይዛረብ። ሕጂ፡ ግራቱ ዳግማይ ገልቢጦም ዝዘርኡዎ ካብ ዘለዉ ኣባላት ማሕበረሰብ ደገፍ ረኺቡ ኣሎ።
ብዙሓት ጐረባብቲ እውን ኣእካልን ጥሪትን ከም ዝሰኣኑን፡ ገሊኦም ከም ብሓድሽ ይዘርኡ ኣለዉ፣ ካልኦት ድማ ረዳኢ ዘይብሎምን ተስፋ ዝቐበፁን ኰይኖም ከም ዘለዉ ወሲኹ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, wereda qeyih teKhli- office
'ሰብ ዝበሃል ኣይምተረፈን'
ከም ዘይንቡር፡ ኣጋ ምሸት ዘፍርሕ ፀሊም ደበና ከም ዝረእዩ ነበርቲ እተን ቍሸታት ካብተን ሓሙሸተ ጣብያታት ይዛረቡ።
እንተዀነ፡ ዝበዝሕ ነባሪ ኣብ እዋን እቶ እቶ ሰዓት ስለ ዝነበረ፡ በብዝወዓሎ መዓልታዊ ንጥፈታቱ ኣላኢሙ፡ ነናብ ገገዛውቱ ይኣቱ ነይሩ።
"ከምኡ እንተ ዘይኸውን ነይሩ፡ ብህይወት ዝተርፍ ሰብ ኣይምነበረን፡" ይብል ነባራይ ጣብያ 'ገፅኪ ምለሰለይ'፡ ይስሃቕ ተኽለ።
ኣይተ ይስሃቕ፡ ሓረስታይ ጥራይ ኣይኰነነን፤ ሰፊሕ ሕርሻ መስኖ ዝውንን ናይቲ ከባቢ ንጥፈታት መስኖ ዘተሓባብርን እዩ።
ምስቲ በቶም ነበርቲ ከም መዓት ዝረአ ዘሎን ተርእዩ ተሰሚዑ ዘይፈልጥን ሓያል ዝናብ፡ ኣብቲ ካበቢ ዝተርፍ ሰብ ኣይምነበረን ዘብሎም ዘሎ፡ እቲ እዋን ፀሓይ ዓራርቦ ከባቢ ብምዃኑ እዩ።
እቲ ኣብ ጣብያ ገፅኪ ምለስለይ ዝነብር ኣይተ ይስሃቕ ተኽለ፡ እቲ ዝወረደ በረድ ኣብ መላእ እታ ጣብያን ኣብ ናቱ ዘራእትን ዘውረዶ ከቢድ ጕድኣት ብኸምዚ ይገልፆ።
"እቲ ዝወረደ ጉድኣት ሰፊሕ እዩ፤ እቲ ዝወረደ በረድ ሰፊሕን ኣብ ዘመንና ተራእዩ ዘይፈልጥን ክብድ ዝበለ ተርአዮ እዩ ነይሩ፣ ድሕሪኡ እቲ ዝነበረ ዘራእቲ ብፍላይ መሸላ ባሕሪ እዩ ጕድኣት ዝበፅሖ፤ ኣብ ምጭሓም እዩ በፂሑ ነይሩ፤ ምሉእ ንምሉእ እዩ ባዲሙ፤ ሓረስታይ ኣብ ነሓሰ ክረድአና እዩ ኢሉ ተስፋ ገይሩሉ ዝነበረ እዩ።"
"ግራት ብምሉእ፡ ሕዚ እቲ ዓጢቑዎ ዝነበረ'ውን ረጊፉ እዩ፤ ካብ ኣትክልቲ ኣራንሺ ዘይትሁን ማንጎ ሕዚ ናብ ፍርያት ዝበፅሕሉ ወቕቲ እዩ ነይሩ፤ እዚ'ውን ምሉእ ንምሉእ እዩ ዓንዩ።"
ኣብ ውልቁ ዝበፅሖ ሓደጋ ሓቲትናዮ ድማ ናብ ሓደ ሄክታር ዝፅጋዕ ብመስኖ ዝለምዐ ግራት ከም ዝተደምሰሶ ተዛሪቡ።
"ሓደ ሄክታተር ዝዀነ ናይ መስኖ ልምዓት ኣለኒ፤ ዘይትሁን ኣራንሺ ሎሚን ማንጎ ዘጠቓለለ እዩ፤ ሕዚ ክትርእዩ ከለኻ ዝተቓፀለ መሬት እዩ ዝመስል፤ ኣብ መሬት ረጊፉ እዩ ዘሎ። ቈፅሊ ዝበሃል'ውን የለን፤ ጕንዲ እዩ ተሪፉ፡" ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ኣብታ ወረዳ፡ ቍሸት ኣሚና እትነብር የህት ገረመድህን ኣሸብር እውን፡ እቲ በረድ ኣብ ልዕሊ ዘራእታን ቆርቆሮ ገዝኣን ዓብዪ ጕድኣት ከም ዘውረደላ ተዛረብ።
"መጀመርታ ማይ ዘይብሉ ደናጕል እዩ ተደርብዩና፤ እኽሊ ቀቢፅናዮ ደዀናይ፤ ሓያል ፍግረ መሬት ተፈጢሩ እዩ ዘሎ፤ እቲ መሬት ኣድራሽኡ የለይ፤ ሕውስውስ ኢሉ እዩ፤ ኦም ዝባህለ ተኽሊ ዝባሃል፤ ቆርቆሮ ዝተረፈ የለይ፡" ኢላ።
እታ ኣደ ሸሞንተን ቈልዑን ብዓልቲ ሓዳርን የህት፡ ብቘርቈሮ ዝተኸድነ ደብሪ ገዛኣ ምሉእ ንምሉእ ከም ዝፈረሰን ኣብቲ ዝተረፈ ህድሞ ኣዕቚሎም ከም ዘለዉን ትዛረብ።
እቲ ዝወረደ በረድ ዓብይን ኣዝዩ ሓደገኛን ምዃኑ ዝገለፀት ኰይና፡ ኣእማን ከይተረፈ ይጨድድ ከም ዝነበረን ክሳብ ሎሚ ሻብዓይ መዓልቱ ኵምራ ሰሪሑ ከም ዘሎን ትዛረብ።
"እንታይ ከም እንገብር ጨኒቝና እዩ ዘሎ፡" ክትብል ድማ ነቲ ኵነታት ስዒቡ ቀለብ ደቃን ዘርእን ኣተሓሳሲቡዎ ከም ዘሎ ተዛሪባ።
ተወሳኺ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዞባ ማእከል ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ፡ በረድን ፀፍዕን ዝተሓወሶ ሓያል ዝናብ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ፡ እንስሳ ዘቤትን ኣዝርእትን ሓደጋ ከም ዘውረደ፡ ሰበስልጣን ንቢቢሲ ገሊፆም።
14 ሓምለ 2018 ዓ.ም [ግ] ኣብ ከባብታት ቆላ ተምቤን (ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ) ዝወረደ፡ ሓያል ዝናብ 'ተራእዩ ዘይፈልጥ' ከም ዝዀነ፡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ምክትል ኣመሓዳርን እቲ ወረደ፡ ኣቶ ሃፍቶም ዘነበ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣረዲኡ።
ብሓፈሻ፡ 2134 መራሕቲ ስድራ (ልዕሊ 10,000 ነበርቲ) በቲ ሓደጋ ከም ዝተፀልዉ ዝገለፀ ኣይተ ሃፍቶም፡ ኣብ ልዕሊ 201 እንስሳ ዘቤት ናይ ሞት መውሰድትን ከም ዘጋጠመ ወሲኹ ተዛሪቡ።
"ናይዞም ግድኣት ዝበፅሖም ስድራቤታት ሕድሕድ ዝበፅሖም ጕድኣት ኣብ ምፅናዕ ኢና ንርከብ። እቲ ጕድኣት ልዕሊ እቲ ዝግለፅ ዘሎ ክኸውን ከም ዝኽእል ኢና ንግምት፡፣ ንግዚኡ መበገሲ ክዀናን ዝኽእል ኢና ኣፅኒዕና፡" ኢሉ።
እተን በቲ ሓደጋ ዝተጠቕዓ፡ ገፅኪ ምለስለይ፡ ዶክተር ኣታኽልቲ፡ ወርቃምባ፡ ልምዓትን ሰላምን ኣብ ዝተብሃላ ሓሙሽተ ጣብያታት እታ ወረዳ ኣብ ዝራእቲ መሸላ፡ ዕፉን፡ ዓልቋይን ካልኦትን ጕድኣት ከም ዘብፀሐን ሓቢሩ።
ኣብ ልዕሊ ብመስኖ ዝለምዑ ዝነበሩ ቀወምቲ ኣታኽልቲ ድማ ጕድኣት ከም ዘብፀሐ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
እቲ ሓደጋ ስዒቡ 12 ኣባይቲ ምሉእ ንምሉእ ዝዓነዉ ኰይኖም፡ 625 ድማ መጠናዊ ዕንወት ከም ዝበፅሖም ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብዚ ወረዳ ዝርከብ ብሓፈሻ ልዕሊ 1,000 ሄክታር መሬት ጕድኣት ዝበፅሖ ኰይኑ፡ ብፍላይ ድማ ብመስኖ ዝለመዐ መሬት፡ በቲ ውሕድ ከም ዝተወስደን ሓረስቶት ገልቢጦም ክዘርኡ ይግደዱ ከም ዘለዉን ካብቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
ስለዝዀነ'ውን፡ ሓገዝ ምሩፅ ዘርኢ፡ ቀለብን እታዋት መደባርያን፣ ከምኡ እውን እቶም ዝፈረሱ ገዛውቲ ዳግም ንምህናፅ ዝሕግዙ ቆርቆሮን ካልኦት ናውትን ኣብ ምቕራብ መንግስታውን ዘይመንግስታዊ- ግብረሰናይ ትካለት ኢዶም ክዝርግሑ ፃውዒት ቀሪቡ ኣሎ።
ኣብቲ ወረዳን፡ ብሓፈሻ ኣብ ክልል ትግራይ ሎሚዘበን፡ ክረምቲ ደንጕዩ ከም ዝኣተወ ዝግለፅ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብ ከምዚአን ዝበላ ገለ ወረዳታት ድማ ኣዝዩ ሓደገኛ ሳዕቤን ዘብፅሕ ዘሎ ዝናብ ይወርድ ኣሎ።
እቲ ካብ ኲናት ወረ ኲናትን መሊኡ ዘይወፅአ ክልል፡ ምስቲ ክረምቲ ደንጓጒዩ ምጅማሩን ተኣሳሲሩ፡ ደርቂ ከይስዕብ ስግኣት ኣሕዲሩ ይርከብ።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
