እስራኤል ድሮናት ሂዝቦላ ሃሪማ ከም ዘውደቐት ገሊጻ

Published

እስራኤል፡ ናብ ሓደ ካብቲ ኣብ ሜዲትራነያን ዝርከብ ነዳዲ ዝርከበሉ ቦታ ዝጐዓዛ ዝነበራ ሰለስተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮናት] ሂዝቦላ ሃሪማ ከም ዘውደቐት ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም።

እተን ድሮናት ካብ ሊባኖስ ዝተወንጨፋ ኰይነን፡ ኣብ መርከብ ብዝተገጥመ ሚሳይልን ብነፈርቲ ውግእን ከም ዝተወቕዓ ወተሃደራዊ ሰበ ስልጣናት ገሊጾም።

ሂዝቦላ ኣብ ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ ነተን ነፈርቲ ከም ዘወንጨፈ ኣረጋጊጹ።

እዚ ካሪሽ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ነዳዲ ዝርከበሉ ቦታ እስራኤልን ሊባኖስን ብዘልዕልኦ ሕቶ ዋንነት ኣብ ሞንጐአን ዘሎ ወጥሪ እናዛየደ ይኸይድ ኣሎ።

ልኡኽ ጸዓት ኣሜሪካ ኣሞስ ሆችስቲን ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ግጭት ክልቲአን ሃገራት ንምፍታሕ ይሽምግል ኣሎ።

እስራኤል እቲ ቦታ፡ ኣብ ውሽጢ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ፍሉይ ቍጠባዊ ዞባ ከም ዘሎ ትገልጽ። ሊባኖስ ግን ገለ ኽፋል እቲ ቦታ ይግብኣኒ እዩ ትብል።

ሂዝቦላህ ድማ፡ ከም ሓደ ኣካል ናይ ዳህሳስ በረራ ነቲ ናይ ነዳዲ ዝርክበሉ ቦታ ዒላማ ከም ዝገበረ ሓቢሩ።

"እቲ ልኡኽ ተፈጺሙ'ዩ፤ መልእኽትና ድማ ኣመሓላሊፍና ኣለና" ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መራሒ እቲ ጉጅለ ሓሰን ናዝራላህ፡ እስራኤል ኣብቲ ከባቢ ምንቅስቓስ ከይትገብር ናይ ሓይሊ ምክልኻል ከም ዝገብር ኣጠንቂቑ ነይሩ።

እቲ ጉጅለ “ሊባኖስ ብዛዕባ እቲ ንቝጠባን ብልጽግናን ሊባኖስ ወሳኒ ዝዀነ ዶባት ባሕሪ ስምምዕ ንከይትገብር ይኽልክል ኣሎ” ክብል ሚኒስትር ምክልኻል እስራኤል ቤኒ ጋንትዝ ከሲሱ።

እስራኤል ኣብዚ ሕጂ እዋን ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ኣጋጢሙዋ ይርከብ። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ሓገግቲ እታ ሃገር ባይቶ እስራኤል ክፈርስን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ሓምሻይ ምርጫ ክካየድን ወሲኖም።