ኣብ 'ሰልፊ ባንዴራ እየሩሳሌም' እንታይ'ዩ ተፈጢሩ?

Published

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ባንዴራ ዘንበልበሉ እስራኤላውያን፡ ኣብ ጥንታዊ ከባቢ ምብራቕ እየሩሳሌም ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ኣስላም ሰልፊ ኣካይዶም፤ እዚ ፍጻመ ግን ብፍልስጤማውያን፡ ከም መነዓዓቢ 'ተዅታዂ' ተግባር ተራእዩ'ሎ።

ፕረዚደንትነት ፍልስጤም፡ እስራኤል "ብሓዊ ትጻወት ኣላ" ኢሉ። እዚ ኵነታት፡ ብፍላይ ድሕሪ'ቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ሞት ዘኸተለ ፍጻመታት ስዒቡ፡ ልዑል ወጥሪ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን'ዩ ዝፍጠር ዘሎ።

እዚ ሰልፊ፡ እስራኤል ኣብ 1967 ኣብ ዝተኻየደ ኲናት፡ ምብራቕ እየሩሳሌም ንዝሓዘትሉ ዝጽንብል እዩ።

እስራኤል ንመላእ እየሩሳሌም ከም ርእሰ ከተማኣ እያ እትቘጽራ፣ እዚ ግን ብብዙሓት ሃገራትን ፍልስጤማውያንን ንጹግ እዩ።

ፍልስጤማውያን፡ እታ ብእስራኤል ዝተጐበጠት ምብራቕ እየሩሳሌም ርእሰ ከተማ ናይታ መጻኢት ሃገሮም ምዃና እዮም ዝኣምኑ። ብኽልቲኡ ወገን ዝግበር ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ድማ በቲ ኻልእ ወገን ከም ቀጥታዊ ተጻብኦ እዩ ዝርአ።

መንእሰያት እስራኤላውያን ባንዴራታት ሒዞምን ከበሮ እናሃረሙ፣ እናዘመሩን እናሳዕስዑን በቲ 'ደማስቆ' ዝበሃል ማዕጾ ናብ ከባቢታት ኣስላም ክኣትው እንከለው፡ እቲ ትርኢት ድምጺ ዝመልኦ ምንባሩ ቢቢሲ ገሊጹ።

ንሳቶም፡ "ህዝቢ እስራኤል ይንበር!" እናበሉ ክጭድሩ ተሰሚዖም።

ኣብቲ ሰልፊ፡ ፖሊስ እስራኤል፡ ኣኽላባት ሒዞም ብጻዕቂ ከም ዝተራእዩን ነቲ ዕግርግር ንምህዳእ ከም ዝጸዓሩን ተገሊጹ።

ኣቐዲሙ፡ ኣብታ ጥንታዊት ከተማ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ቦታ፡ ኣብ መንጐ ፍልስጤማውያንን ፖሊስ እስራኤልን ዓመጽ ዝመልኦ ግጭታት ተኻይዱ ነይሩ።

ጸኒሑ ኸኣ፡ ሓደ ሕሉፍ የማናዊ ኣባል ባይቶ ዝርከቦም ኣማኢት ኣይሁዳውያን በጻሕቲ፡ ብፖሊስ ክሳብ ደው ዝብሉ፡ ገለኦም ክስዕስዑ፣ ገለኦም ባንዴራታት እስራኤል ከንበልብሉ፡ ገለኦም ክጽልዩን ክሰግዱን ኣብ ዝባን ጐቦ ክድይቡ ተራእዮም።

ፍልስጤማውያን፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ስምዒት ዘቃጽል ገይሮም ይርእይዎ፤ ዕጡቓት ጕጅለታት ድማ ከምዘይጻወርዎ ኣጠንቂቘም ኣለው።

ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ፍልስጤም ናቢል ኣቡ ሩደይነህ፡ "ሰፋሮ ነቲ ቅዱሳን ቦታታት ከርክሱ ብምፍቃድ፡ እስራኤል ብዘይሓላፍነታውን ሸለልትነትን ብሓዊ ትጻወት ኣላ፡" ክብል ገሊጹ'ሎ። ሰበስልጣን ፍልስጤም፡ ምብጻሕ እስራኤላውያን ናብቲ ብኣስላምን ኣይሁድን ዝኽበር ቅዱስ ቦታ ከም ርኽሰት ይቘጽርዎ።

ኣይሁድን ካልኦት ኣስላም ዘይኮኑን ሰባት፡ ኣብ ዝተወሰነ እዋን ናብቲ ቦታ ክበጽሑ ዝፍቀደሎም'ኳ እንተዀነ፡ ምስቲ ነቲ ቀጽሪ ዘመሓድር በዓል መዚ ኣስላም ብዝተገብረ ነዊሕ ዝዕድመኡ ስምምዕ ግን፡ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ወይ ሃገራዊ ምልክታት ከርእዩ ወይ ኣብኡ ክጽልዩ ኣይፍቀድን።

እዚ ቦታ፡ ብኣስላም፡ 'ሓራም ኣ'ሸሪፍ' (ክቡር መቕደስ) ተባሂሉ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ እስልምና ሳልሳይ ቅዱስ ቦታ ዝዀነ መስጊድ ኣልኣቕሳ ዝሓዘ እዩ። ብኣይሁዳውያን'ውን ከም ቅዱስ ቦታኦም እዩ ዝውሰድ።

ሓደ ፍልስጤማዊ ኣክቲቪስት ወዲ እየሩሳሌም ኦሳማ ባርሃም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ሎሚ ንግሆ ኣብ ውሽጢ ቅዱስ መስጊድና [ኣብቲ ቦታ] ዘጋጠመ ካብቲ ሰልፊ ባንዴራ ንላዕሊ ዝያዳ ሓደገኛ'ዩ፡" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ፖሊስ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ኣብቲ ቅዱስ ቦታ ድሕሪ ምግጣሞም፡ ንቓዛ ተቘጻጺሩ ዘሎ ሓማስ ናብታ ከተማ ገጾም ሮኬት ብምትኳሶም፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጤማውያን ዕጡቓትን ኣብ ቃዛ ን11 መዓልታት ዝቐጸለ ኣዕናዊ ግጭት ተላዒሉ ከም ዝነበረ ይዝከር።

ሰልፊ ባንዴራ እስራኤል ኣብ "መዓልቲ እየሩሳሌም" ዝካየድ ኰይኑ፡ ብዘይካ ኣብ 2021፡ ሰበስልጣን ብሰንኪ እቲ ዘይርጉእ ኵነታት፡ እቲ ሰልፊ ዝሓልፈሉ መገዲ ዝቐየሩሉ እዋን፣ ዓመት ዓመት ብ"ኣፍደገ ደማስቆ" ኣቢሉ'ዩ ዝጓዓዝ።

"እስራኤል ናትና ምዃና ከነርኢ ኢና መጺእና፡ ንከተማና ድማ ፈጺምና ኣይንህብን ኢና፡" ይብል ኢታን ኢንግሊነር ዝተባህለ ሰልፈኛ። "ኣብዚ ብምህላውና ሕጕሳት ኢና። ክንበኣስ ኣይኰናን መጺእና፣ ኣብ ሃገርና ዘለና ሓበን ንኸነርኢ እምበር።"

እቲ ሰልፊ፡ ኣብቲ ምስ ቀጽሪ መስጊድ ኣልኣቕሳ ዝዳወብ ምዕራባዊ መንደቕ ቅዱስ ቦታ ኣይሁድ እዩ ተዛዚሙ።

እዚ ሰልፊ ሎሚ ዓመት፡ ኣብ መንጐ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ልዑል ወጥሪ ሰፊንሉ ኣብ ዘሎ ሃዋሁ እዩ ተኻይዱ።

ብፍልስጤማውያንን እስራኤላውያን ኣዕራብን ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ዝፍጸም ዘሎ ቀታሊ መጥቃዕቲታት፡ ብሓይልታት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ዓሰርተታት ፍልስጤማውያን፡ ዕጡቓትን ሲቪላትን ዝፍጸም ዘሎ ቅትለታት ኣብ ክልቲኡ ወገን ቁጥዐ ኣለዓዒሉ'ሎ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ብ11 ግንቦት ነቲ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝገበረቶ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣብ እትጽብጽበሉ ዝነበረት እዋን ብጥይት ተሃሪማ ዝተቐትለት ፍልስጤማዊት ኣመሪካዊት ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ ሽሪን ኣቡ ዓቕለ፡ ክሲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣስዒቡ'ሎ።