እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ጥልያን ነበር ሲልቪዮ በርሉስኮኒ ዓሪፉ
ኣዘራራርቢ ዝዀነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ነበር ኣብ መበል 86 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ከም ዝተፈልየ መራኸቢ ብዙሃን ጥልያን ሓቢረን።
እቲ ምስ ዝተፈላለዩ ጾታዊ ዓመጽን ገበናት ብልሽውናን ተታሓሒዙ ስሙ ብተደግጋሚ ዝለዓል ዝነበረ ቤርለስኮኒ፡ ኣብ ኣብ ሚላን ዝርከብ ሆስፒታል'ዩ ሎሚ ዓሪፉ።
ጠንቂ ሞት ናይቲ ቀዳማይ ምኒስተር ነበር ብወግዒ እኳ እንተዘይተገልጸ፡ ኣብ ሚያዝያ ምስ መንሽሮ ድም ብዝተሓሓዝ ቁጥዐ ሳንቡእ ኣብ ሕክምና ተዓቝቡ ምንባሩ ይፍለጥ።
እቲ ኣትኩሮ ሰባት ንምስሓብ ብዝገብሮ ጻዕርታት ዝፍለጥ ቢልዮነር፡ ካብ 1994 ክሳዕ 2011 ቀዳማይ ምኒስተር ብምዃን ን17 ዓመታት ንጥልያን መሪሑ'ዩ ።
ቤርለስኮኒ ሃብቱን መራኸቢ ብዙሃንን ብምጥቃም ኣብ ናይ ፖለቲካ ዓለም ተጻዕኖ ፈጢሩ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ምስ ጨበጠ'ውን ስልጣኑ ተጠቂሙ ናይ ብሕቲ ንግዳዊ ትካላቱ ኣደላዲሉ'ዩ ዝብል ክስታት ይስንዘረሉ እዩ።
ሚኒስተር ምክልኻል ኢጣልያ፡ ሞት በርሉስኮኒ "ዓቢ ባዶነት" ከም ዝገድፍ ክገልጽ እንከሎ፡ ቀዳመይቲ ምኒስተር ጥልያን ሜሎኒ ብወገና ኣብ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፡ "ኣብ ታሪኽ ኢጣልያ ሓደ ካብቶም ጸለውቲ ደቂ ተባዕትዮ" ኰይኑ ክምዝጸንሐ ብምግላጽ "ተጋዳላይ" ኢላ ዘኪራቶ።
ምክትላ ማቴዮ ሳልቪኒ እውን፡ ሞት ቦርኮሶሎኒ ልቢ ዝሰብር ከምዝዀነ ብምግላጽ፡ ስለቲ ዝነበሮም "ዕርክነት" ከምኡ'ውን ስለዝሃቦ "ምኽሪ"ን "ልግስን" ኣመስጊኑ።
ቭላድሚር ፑቲን እውን፡ ንበርሉስኮኒ "ሓቀኛ ዓርኪ" ኢሉዎ። እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንጥበብ በርሉስኮኒ "ንሚዛናዊን ኣርሒቑ ዝጥምትን ውሳነታት ናይ ምውሳን ክእለትን" ወትሩ ከምዘድንቖ ሓቢሩ።
ብ1936 ኣብ ሚላኖ ዝተወልደ በርሉስኮኒ፡ ቅድሚ ትካል ህንጻ ምምስራቱ፡ ብሓይሊ ንፋስ እተጽሪ መሳርሒ (ቫክዩም ክሊነር ) ብምሻጥ እዩ ስርሑ ጀሚሩ። ጸኒሑ ድማ መደበር ተሌቭዥን፡ ቤት ማሕተማትን ናይ መዋዓውዒ ትካላት ከፊቱ ሓደ ካብቶም ናይ ኢጣልያ ሃብታማት ኰይኑ።
ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ኣብ 1990ታት ናብ ፖለቲካ ቅድሚ ምእታዉ፡ ብ1986 ንክለብ ኩዕሶ እግሪ ኤሲ ሚላን ብምውናን ካብ ክሳራ ኣድሒኑ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ረኺቡ እዩ።
ሕጂ ንጋንታ ርያል ማድሪድ ዘሰልጠን ዘሎ ተጻዋታይን ኣሰልጣኒን ኤሲ ሚላን ነበር ካርሎ ኣንቸሎቲ፡ ንበርሉስኮኒ "እሙን፡ በሊሕ፡ ቅኑዕ ሰብ" ብምባል ይዝክሮ።
ኤሲ ሚላን ኣብ ዋንነት ቦርሎኮስኒ እንከላ፡ ክልተ ግዜ ተዓዋቲ ሻንፕዮንስ ሊግ ዝዀነ ኣንቸሎቲ፡ “ተጻዋታይን ኣሰልጣኒን ኣብ ናይ ምዃን ጉዕዞይ ወሳኒ ግደ ተጻዊቱ” ክብል ነቲ ቀዳማይ ምኒስተር ነበር ይዝክሮ።
ይኹን'ምበር በርሉስኮኒ ብንግዳዊ ብልሓቱን ዝነበሮ ህዝባዊ ፍናንን ብደገፍቱ ይናኣድ እኳ እንተነበረ፡ ንልዕልና ሕጊ ሸለል ብምባሉ ግን ብሓያሎ ብነቐፍቲ ተወቒሱ እዩ።
ኣብ መላእ ናይ ፖለቲካ ዕድሚኡ ኸኣ ብጉቦ፡ ብምትላል ግብሪን ጾታዊ ርክብ ምስ ትሕቲ ዕድመ ኣመንዝራን ዝብል ክስታት ሓዊሱ ተኸታታሊ ሕጋዊ ጸገማት ኣጋጢምዎ። ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታትውን ተፈሪድዎ'ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ዕድሚኡን ዕድመ ምድፋእ ክስታቱን ግን ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣምሊጡ።