ኢጣልያ፡ ደቂ ተባዕትዮ ስደተኛታት ካብ መራኽብ ከይወርዱ ከልኪላ

Published

መንግስቲ ኢጣልያ 250 ሰባት ካብ ክልተ መራኽብ ምድሓን ስደተኛታት ከይወርዱ ድሕሪ ምኽልካል፡ ትካላት ግብረ ሰናይ ነቲ ስጕምቲ "ዘይሕጋዊ" ክብላ ኰኒነናኦ።

‘ጂኦ ባረንትስ’ 215፡ ኣብ 'ሂዩማኒቲ 1' ድማ 35 ስደተኛታት ተዓጊቶም ይርከቡ።

እቶም ኣብ ካታንያ ከተማ ሲሲሊ ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ህጻናትን ሕክምናዊ ጸገም ዘለዎም ሰባትን ካብተን መራኽብ ክወጽኡ ተፈቒዱሎም እዩ፤ እቶም ዝተረፉ ግን ኣይተፈቕደሎምን።

ካልኦት ክልተ ጀላቡ ምድሓን ህይወት ኣብቲ ባሕሪ ተሪፈን ኣለዋ።

ሓዳስ ቀዳማይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ፡ ኣብ ልዕሊ 'ቶም ብማእከላይ ባሕሪ ዝጓዓዙ ስደተኛታት ስጕምቲ ክትወስድ ምዃና ኣጠንቂቓ ነይራ።

ኢጣልያ ሓንቲ ካብተን ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ዝኣትውለን ቀንዲ ሃገራት ኰይና፡ ካብ ምጅማር እዚ ዓመት ኣትሒዙ 85 ሽሕ ስደተኛታት ብጀላቡ ናብታ ሃገር ከም ዝኣተዉ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝብገሱ ስደተኛታት፡ ብንኣሽቱን ልዕሊ ዓቐን ዝጽዓናን እዮም ዝጓዓዙ።

እዚኦም መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ጭንቀት ዝኣተውን ብመራኸብ ገበርቲ ሰናይ ዝድሕኑን እዮም።

ኣብታ፡ ብሰንበት ንግሆ ኣብ ትሕቲ ባንዴራ ጀርመን እትጓዓዝ ዝነበረት ሁማኒቲ 1 ዝተባህለት መርከብ ምድሓን ህይወት ዝነበሩ 144 ሰባት፡ ካብታ መርከብ ክወርዱ ተፈቒዱሎም።

ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ክኣ፡ 357 ሰባት ካብታ ብ’መደስንስ ሳንስ ፍሮንቲየረስ’ (MSF) እትመሓደር ጂኦ ባረንትስ ዝተባህለት ኣብ ትሕቲ ባንዴራ ኖርወይ እትጓዓዝ መርከብ ክወርዱ ተፈቒዱሎም።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማትዮ ፒያንተዶሲ፡ እቶም ተቓላዕቲ ኰይኖም ዘይተረኽቡ ስደተኛታት ካብ ማያት ኢጣልያ ክወጽኡ ከም ዘለዎምን በታ "ባንዴራ ሃገር" ክሕብሕቡ ከም ዘለዎምን ገሊጹ።

ይዅን እምበር፡ ካፕተን መርከብ ሂዩማኒቲ 1 "ኵሎም ካብ ጭንቀት ዝደሓኑ ሰባት ክሳብ ዝወርዱ" ካብ ወደብ ካታንያ ኣይወጽእን ምባሉ ኣካያዲ ስራሕ እታ መርከብ፡ ጀርመናዊ ገባሪ ሰናይ ትካል ኤስኦኤስ ሂዩማኒቲ ገሊጹ።

ወሲኹ፡ እቲ ትካል ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ተኸታታሊ ጽሑፍ፡ "ሕጊ ባሕሪ ንዕኡ [ንካፕተን] ንዅሎም ካብ ጭንቀት ዝደሓኑ ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ከብጽሖም የገድዶ’ዩ" ኢሉ።

"ካብ ሞት ዝደሓኑ ሰባት ውልቃዊ ናይ ሓለዋ መሰል ኣለዎም፤ እዚ ድማ ኣብ መሬት ጥራይ እዩ ክግበር ዝኽእል። ነቶም ኣብ መርከብ ሂዩማኒቲ 1 ሓለዋ ዝደልዩ 35 ሰባት ካብ ግዝኣታዊ ማያት ምንጻግ ሓደ ዓይነት ሓባራዊ እምቢታ እዩ፡ ስለዚ ድማ ዘይሕጋዊ እዩ።"

ኤስኦኤስ ሂዩማኒቲ፡ እዚ ተግባር ኢጣልያ ንሕጊ ኣውሮጳን ውዕል ስደተኛታት ጀነቫን ዝጥሕስ እዩ ብምባል፡ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እታ ሃገር ሕጋዊ ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ገሊጹ።

ወሲኹ፡ ኵሎም ስደተኛታት ካብ መርከብ ክወርዱ ዘይምፍቃድ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቶም ኣብታ መርከብ ዝተረፉ ካብ መርከብ ክወርዱን ሕቶ ዑቕባ ክጅምሩን ንምፍቃድ፡ ኣብ ካታንያ እውን ሕጋዊ መስርሕ ክጅምር እዩ ኢሉ።

ንመርከብ ጂኦ ባረንትስ ዘካይድ ኤምኤስኤፍ'ውን፡ ውሳነ መንግስቲ ጥልያን "ብመሰረት ውዕላት ሕጊ ባሕሪ ሕጋዊ ውሳነ ገይርካ ኣይቁጸርን" ክብል ነቒፉ።

እቲዶብ ኣልቦ ሓካይም ኢንግሊዝፍለጥ ገባሪ ሰናይ፡ "ስርሒት ምድሓን ህይወት  ኩሎም እቶም ዝደሓኑ ኣብ ውሑስ ቦታ ምስ ወረዱ ጥራይ እዩ ሙሉእ [ስራሕ] ገይርካ ዝውሰድ" ክብል ወሲኹገሊጹ።

ክልቲአን ገበርቲ ሰናይ ትካላት፡  ኵሎም እቶም ኣብ መራኽቦም ዝነበሩ ኣብ ባሕሪ ዝደሓኑ ሰባት ተቓላዕቲ ምዃኖም ገሊጸን።

ካልኦት ክልተ ብዘይመንግስታዊ ትካላት ዝመሓደራ ጀላቡ ክቕበላአን ዝኽእላ ፍቓደኛ ዝዀና ወደባት የብለንን።

ኣብታ ብጀርመን እትመሓደር 'ራይዝ ኣባቭ' 93 ሰባት፡ ኣብታ ብኣውሮጳዊ ገባሪ ሰናይ ትካል ኤስኦኤስ ሜዲተራኒ እትመሓደር ኦሽን ቫይኪን ድማ 234 ሰባት ኣለዉ።

ኣርባዕቲአን ጀላቡ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ መሬት ደቂሶም፡ ሰዓል ዘስዕቡ ረኽስታት ከም ዝተቓልዑን መግብን ሕክምናዊ ናውትን ከም ዝወሓደን ጸብጺበን።

ገለ ስደተኛታት ኣብተን መራኽብ ካብ ዝጸንሑ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ኣቝጺሮም ኣለዉ።

ሰብኣዊ ጕጅለታትን ክልተ ፖለቲከኛታትን ኢጣልያን ነቲ መስርሕ ብምቅዋም ናብ ሲሲሊ ተጓዒዞም ኣለዉ።

"ኵሉ ህዝቢ ሓራ ኣውጽእዎ፤ ሓራ ኣውጽእዎም" ዝበለ ኢጣልያዊ ኣባል ባይቶ ኣቡባከር ሶማሆሮ፡ ነቲ ሓድሽ ፖሊሲ መንግስቲ "ኢሰብኣዊ" ክብል ገሊጽዎ።

ሓዳስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጅያ ሜሎኒ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዘስምዓቶ ናይ መጀመርታ መደረ፡ ጉዳይ ስደት ቀንዲ ትዅረት መንግስታ ከም ዝዀነ ገሊጻ እያ።

"ዘይሕጋዊ ምብጋስን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ደው ከነብሎ ኣለና" ዝበለት ሜሎኒ፡ "ነቶም ካብ ኲናትን ቅትለትን ዝሃድሙ ዘለዉ ዝሓቱዎ መሰል ዑቕባ” ግን ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኰነን ኢላ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ፡ ሓላፍነት ናይቶም ኣብታ መርከብ ዘለዉ ስደተኛታት፡ እታ መርከብ ዝተመዝገበትሉ ሃገር ምዃኑ'ውን ገሊጻ።