ኣሰልጣኒ ኤሪክ ቴን ሃግ፡ ኣብ ድሮ ምስንባቱ ዩናይትድ ዋንጫ ኤፍ.ኤ ክትዓትር ገይሩ

ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝፀንሐሉ ግዜ ኣብ ሕቶ ዘሎ ኤሪክ ቴን ሃግ፡ ዋንጫ ኤፍ.ኤ. ብምዕታር ንነቐፍቱ ኣፎም ከትሕዞም ዝደለየ ይመስል።
ዩናይትድ ኣብቲ ዘገርም ብቕዓት ዘርኣየትሉ ጸወታ፡ ነታ ንዋንጫ ብዙሕ ግምት ተዋሂቡዋ ዝነበረት ማንቸስተር ሲቲ ኣንበርኪኻ'ያ ዋንጫ ኣልዒላ።
ሓድሽ ወናኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ሰር ጂም ራትክሊፍ ውጽኢት ናይ ዋንጫ ብዘየገድስ ንኤሪክ ቴን ሃግ ከሰናብት ይሓስብ ከምዘሎ'ዩ ዝንገር ዘሎ።
ዋላ'ኳ ቴን ሃግ ካብ ኦልድትራፎርድ እንተተሰናበተ፡ ብማልያ ማንቸስተር ዝዓበየ ዓወቱ ብምምዝጋቡ፡ ወሃብቲ ርእይቶ ናእደኦም ይገልፁ ኣለዉ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተዛዘመ ዓመተ ስፖርት፡ ማንቸስተር ዩናይትድ ዘርኣየቶ ዝተሓተ ብቕዓት ኣዝዩ ተስፋ ዘቑርጽ እዩ ነይሩ።
‘ቀያሕቲ ሰይጣውንቲ’ ዋንጫ ድሕሪ ምዕታሮም፡ ወናኒት ሻምፕዮን ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ዝዀነት ሲቲ፡ ንኻልኣይ ግዜ ብተኸታታሊ ክልተ ናይ ውሽጢ ሃገር ዋንጫ ክትዓትር ዝነበራ ሕልሚ ዘምከነ እዩ።
ኣብ ቀዳማይ እብረ ፅቡቕ ናይ ምፅዋት ብቕዓት ዘርኣየት ዩናይትድ፡ መንእሰያት ኣሌሃንድሮ ጋርናቾን ኮቢ ማይኑን ክልተ ብዘመዝገብወን ሸቶታት እያ ተዓዊታ።
ኣብ መንጎ ተኸላኻላይ ሲቲ ጆስኮ ጋርድዮልን ሓላዊ ልዳት ስቴፋን ኦርቴጋን ብዘጋጠመ ጌጋ፡ ጋርናቾ ናጻ ቅላዕ ረኺቡ፡ ቀዳመይቲ ሸቶ ድማ ኣመዝጊቡ።
ካልእ መንእሰይ ኣከፋፋሊ ኮቢ ማይኖ ካብ ኣምበሉ ብሩኖ ፈርናንደዝ ብዝረኸባ ኩዕሶ ሽቶ ብምምዝጋብ ጋንታኡ ቅድሚ ዕረፍቲ ንሲቲ 2 ዜሮ ክትመርሕ ኣኽኢሉ።
ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ካልኣይ እብረ ፀቕጢ ብምፍጣር ክትጻወት ፈቲና ነይራ።
ተቐያሪ ክንፊ ተጻዋታይ ሲቲ ጄሮሚ ዶኩ እቲ ፀዋታ ክዛዘም 4 ደቓይቕ ኣብ ዝተረፎ ሸቶ ከመዝግብ ከሎ፡ ዩናይትድ ኣብተን ዝተረፋ ደቓይቕ ብጥንቃቐ ተኸላኺሎም፡ መበል 13 ዋንጫ ኤፍ.ኤ ዓቲሮም።

ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ተኸላኻላይ ዩናይትድ ሊሳንድሮ ማርቲነዝ ንኣሰልጣኒኡ ኤሪክ ቴን ሃግ ሓቚፉ ናብ ሰማይ ብምስቃል ሓጎሱ ገሊጹ።
ይኹን'ምበር ኣሰልጣኒ ኤሪክ ቴን ሃግ ካብ ስርሑ ክሰናበት ድዩ ዝብል ሕቶ ቅድሚ’ቲ ጸወታን ድሕሪን’ቲ ጸወታን ዓቢ መዛረቢ ዛዕባ ኰይኑ ኣሎ።
ንዕድል ቴን ሄግ ወሳኒ ዝዀነ ራትክሊፍ ግን በቲ ዋንጫ ዝረኸበቶ ዓወት ፍሽኽ ክብል ተራእዩ'ዩ።
ትማሊ ቀዳም ብፍላይ ኣብ ቀዳማይ እብረ፡ ዩናይትድ፡ ተጻወትቲ ሲቲ ዝዀነ ኣድማዒ ምንቅስቓስ ከይገብሩ ብምኽልካል፡ ዘርኣይዎ ብቕዓት ንብዙሓት ዘገረመ'ዩ ነይሩ።
ወዲ 19 ዓመት ሜይን ኣብዚ ዕድሚኡ ብብሱል መንገዲ ንማእከላይ ክፍሊ ክዕብለል ተራእዩ እዩ።
ናይዚ ጸወታ ኮኾብ ተባሂሉ ዝተሸለመ ሜይኑ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኢንግሊዝ ወኪሉ ኣብ ዋንጫ ኤውሮጳ ናብ ጀርመን ክኸይድ እዩ።
ተጻዋታይ ማንቸስተር ሲቲ ሮድሪ፡ ማልያ ሲቲ ተኸዲኑ ኣብ 75 ጸወታታት ዘይተሳዕረሉ ጸወታ ክበሃል ዝነበረ ሕልሙ ትማሊ ቅሂሙ'ሎ።
ብሉጽ ተጻዋታይ ፕሪምየር ሊግ ኢንግሊዝ ዝዀነ ፊል ፎደን'ውን ኣብዚ ክንድዚ ዝበሃል ምንቅስቐዓስ ከየርአየ'ዩ ካብ ሜዳ ወፂኡ።
ነዚ ዓወት ስዒቡ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዩሮፓ ሊግ ክትሳተፍ ምዃና ከተረጋግፅ እንከላ፡ ቸልሲ ድማ ኣብ ‘ኮንፈረንስ ሊግ’ እያ ክትሳተፍ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
