ሊግ ኣውሮጳ፡ እታ ንሊቨርኩሰን ዝሰዓረት ኣታላንታ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ዋንጫ ወሲዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትማሊ ኣታላንታን ባየር ሊቨርኩሰንን ንፍጻም ኣብ ዝተጋጠማሉ፡ ናይጀርያዊ ኣደሞላ ሉክማን ኣብ መበል 12፡ 26 ከምኡ ከኣ 75 ደቂቕ ብዘመዝገብን ሰለስተ ኣደነቕቲ ሸቶታት ኣታላንታ ተዓዋቲት ሊግ ኣውሮጳ ኰይና።
ባየር ለቨርኩሰን ነዚ ዓመተ ስፖርት ብዘይ ስዕረት ክትዛዝሞ ዝነበራ ሕልሚ ብኢጣልያዊት ኣታላንታ ተቘጽዩ።
ኢጣልያዊት ክለብ ኣታላንታ ድሕሪ 61 ዓመታት’ያ ዋንጫ ክትወስድ ክኢላ።
ደገፍቲ ክልቲአን ክለባት ኣብ ዳብሊን ኣብ ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ግጥም ንክለባቶም ብዓጀባ’ዮም ክድግፍወን ኣምስዮም።
ኣታላንታ ናብ ፍጻመ ዩሮፓ ሊግ ክትበጽሕ እዚ ንፈለማ እዋን ኰይኑ፡ ንጀርመናዊት ክለብ ባየር ለቨርኩሰን ድማ ንሳልሳይ ግዜኣ ኢያ።
ብኣሰልጣኒ ዣቪ ኣሎንሶ እትምራሕ ባየር ለቨርኩሰን ኣብ ዝሓለፈ 51 ጸወታታት ስዕረት ከየመዝገበት ክትግስግስ ድሕሪ ምጽናሕ ነዚ ዓመተ ስፖርት ብዘይ ስዕረት ክትዛዝሞ ክልተ ጸወታታት ጥራይ’ዩ ተሪፍዋ ነይሩ።
ናይጀርያዊ ናይ ክንፊ ተጻዋታይ ሉክማን ግን ንጋንታኡ ብሰለስተ ሸቶታት ብምስርሳር ንሕልሚ ለቨርኩሰን ኣበርዒንዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዋላ'ውን ብሸቶታት ተመሪሖም እንከለዉ ኣብ መወዳእታ ደቃይቕ ብዘመዝገብወን ሸቶታት ናይ ምዕዋት ወይ ማዕረ ናይ ምውጻእ ልምዲ ዝነበሮም ተጻወትቲ ለቨርኩሰን ትማሊ ረቡዕ ምሸት ግን እግሮም ረሸሽ ዝበላ ይመስላ።
ኣሰልጣኒ ኣታላንታ ጂያን ፒየሮ ጋስፐሪኒ ኣብ ልዕሊ ለቨርኩሰን ጸቕጢ ብምግባር ታክቲካዊ ብልጫኡ ኣመስኪሩ።
ኣታላንታ ዋንጫ ሊግ ኣውሮጳ ምዕታራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመተ ስፖርት ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳ ከም እትሳተፍ’ውን በዚ ኣብ ልዕሊ ሊቨርኩሰን ዘመዝገበቶ ዓወት ከተረጋግጽ ክኢላ ኣላ።
ጋስፐሪኒ ኣብ 2016 ኣሰልጣኒ ኣታላንታ ኮይኑ ምስ ተመዘዘ፡ ንኣታላንታ መሪሑ ኣብ ውድድራት ኣውሮጳ ክሳተፍ’ኳ እንተኸኣለ፡ ምስታ ጋንታ ኮይኑ ዋንጫ ክወስድ ግን እዚኣ ናይ ፈለምኡ’ያ።
ጋስፐሪኒ 3 ግዜ ናብ መዛዘሚ ጸወታ ኮፓ ኢጣልያ ብምብጻሕ ኣብ ሰለስቲአን ተሳዒሩ። ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ኣብ ፍጻመ ኮፓ ኢጣልያ ብጁቬንቱስ ከምዝተሰዓረ ዝዝከር’ዩ።
ለቨርኩሰን ዋላ’ኳ ትማሊ ብኣታላንታ ትስዓር’ምበር ኣብዚ ዓመት እዚ ብዘርኣየቶ ድንቂ ብቕዓት፡ ትማሊ’ውን እንተዀነ ደገፍታ ዋላ ምስ ተሰዓረት ብዓቢ ደገፍ’ዮም ኣሰንዮማ።
ብዣቪ ኣሎንሶ እትምራሕ ሊቨርኩሰን ኣብ ቡንደስሊጋ ብዘይ ስዕረት ዋንጫ ዝዓተረት ፈላመይቲ ክለብ ክትከውን ክኢላ’ያ።
ዣቪ ኣሎንሶን ጋንታኡን ድሕሪ 361 መዓልታት’ዮም ክስዓሩ ክኢሎም።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
