ኢትዮጵያ፡ ልዕሊ 96 ሚእታዊት ዝተረፉሉ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ

ምንጪ ስእሊ, MINISTRY OF EDUCATION
ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ-ትምህርቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ሃገራዊ ፈተና (ማትሪክ) ካብ ዝወሰዱ 845,099 ተመሃሮ ካብ 50 ሚእታዊት ንላዕሊ ውጽኢት ዘመጽኡ 3.2 ሚእታዊት ጥራይ ምዃኖም ሚኒስትሪ ትምህርቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
እዚ ማለት ካብቶም ልዕሊ 800 ሽሕ ፈተና ዝወሰዱ ተመሃሮ፡ 27 ሽሕን 267 ጥራይ ካብ 50 ሚእታዊት ንላዕሊ ውጽኢት ኣመዝጊቦም።
ካብቶም ምሸታዊ ተማሂሮም ነቲ ፈተና ዝወሰዱ ልዕሊ 16 ሽሕ ተመሃሮ'ውን 12 ተመሃሮ (0.1 ሚእታዊት) ጥራይ ከምዝሓለፉ ሓቢሩ።
እቲ ሚኒስትሪ ሎሚ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተዋህበ ፈተና ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ከተማን ገጠርን ኣብ ዝተውሃበ ፈተናታት ውጽኢት እውን ኣፈላላይ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ብካልእ ዜና ብሰንኪ ሕማም ኮሮንና ኲናትን ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ትምህርቲ ተቛሪጽዋ ኣብ ዝነበረት ትግራይ፡ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ቀዳማይ ዙር ፈተና 12 ክፍሊ ክወሃብ እዩ።
ድምጺ ወያነ ንሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ጠቒሱ ከምዝጸብጸቦ፡ ኣብቲ ካብ ጽባሕ 29 መስከረም ክሳብ 2 ጥቅምቲ 2016 (ግእዝ) ዝወሃብ ፈተና ዝፍተኑ 2012 ተምሃሮ ኮይኖም፡ ዛጊድ ናብተን ፈተና ዝወሃበለን ማእከላት ዩኒቨርሲቲታት መቐለ፣ ኣኽሱም ዓዲግራትን ራያን ኣቶዮም ኣለዉ።
ብተወሳኺ ካብ ቍጽጽር ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዘለዉ ከባቢታት ዘለዉ ተምሃሮ ግን ናይ ምፍታን ዕድል ከምዘይረኸቡ ተገሊጹ።
እቲ ሎሚ ዝተገለጸ ውጽኢት ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትወዳደር ብ 0.1 ምኢታዊት ከምዝቐነሰ እቲ ሚኒስትሪ ጠቒሱ።
ኩነታት ደረጃ ትምህርቲ ብሓፈሻን ሃገራዊ መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊን ኣብታ ሃገር ስክፍታ ፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ። እዚ ናይ ሎሚ ውጽኢት'ውን እቲ ኩነታት ኣዝዩ የንቆልቁል ከምዘሎ ዘርኢ እዩ።
ኣብ 2014 (ግእዝ) ፈተና ካብ ዝወሰዱ 896 ሽሕን 520 ተምሃሮ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ውጽኢት ዝረኸቡ 30 ሽሕን 034 እዮም ነይሮም።
ብምቅድዳሕን ናይ ፈተና ወረቐት ስርቅን ንነዊሕ ዓመታት ጸገም ከጋጥሞ ዝጸንሐ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና፡ ተኣማኒ ንምግባር ካብ ቀረባ ዓመታት ንድሓር፡ እቲ ፈተና ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ክትትል ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ይወሃብ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።
ኣብቲ ሎሚ ዕላዊ ዝተገበረ ውጽኢት ብተፈጥሮ ሳይንስ 659፡ ብማሕበራዊ ሳይንስ ድማ 533 ዝለዓለ ውጽኢት ኮይኖም ተመዝጊቦም ኣለዉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
