18 ቈልዑ ዘለዉዎን ምስ ሽዱሽተ ደቍ ማትሪክ ዝተፈተነን ኣቦ

ምንጪ ስእሊ, OROMIYA EDUCATION BUREAU
ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ዞባ ምብራቕ ቦረና፡ ኣብ ወረዳ ምዕራብ ወላቡ ዝነብር፡ ሸኽ ዓብዱረዛቕ ሓጂ ከድር ምስ ሽዱሽተ ኣባላት ስድራኡ ብሓባር ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ወሲዱ።
ሸኽ ዓብዱረዛቕ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምስ ሽዱሽተ ደቁ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መደ-ወላቡ መበል 12 ፈተና ከም ዝወሰዱ ሓቢሩ።
ወዲ 43 ዓመት ሸኽ ዓብዱራዛቕ ካብ ክልተ ኣንስቲ 18 ቈልዑ ወሊዱ።
"ካብ ቀዳመይቲ በዓልቲ ቤተይ 11፡ ካብ ካልኣይቲ በዓልቲ ቤተይ ድማ 7 ቈልዑ ኣለውኒ" ይብል።
ሸኽ ዓብዱራዛቕ ኣብ 1999 [ኣ.ኣ] 10ይ ክፍሊ ዛዚሙ ነይሩ።
ይዅን እምበር፡ ናብራኡ ምስ ጐደለ፡ ሂወት ንምቅላስ፡ ትምህርቱ ኣቋሪጹ ተወሳኺ ኣታዊ ከናዲ ጀሚሩ።
“ኣነ እናሰራሕኩ ደቀይ ይመሃሩ ነይሮም። ብዙሕ ሃብቲ ስለ ዘይነበረኒ ደቀይ ንኸምህር እየ ትምህርቲ ኣቋሪጸ። ዝተፈላለየ ነገራት እየ ዝሰርሕ - እነግድ፡ እሓርስ ነይረ። ካልእ ነገራት’ውን እሰርሕ ነይረ።"
ድሕሪኡኸ
ሸኽ ዓብዱረዛቕ፡ 15 ደቁ ከምህር እንከሎ፡ እቶም ዝተረፉ ሰለስተ ግን ንኣሽቱ ስለዝዀኑ ዕድመኦም ገና ንትምህርቲ ኣይኣኸለን።
ድሕሪ 13 ዓመት፡ ኣብ 2012 [ኣግ] ናብ 11 ክፍሊ ዝኣተወ ሸኽ ዓብዱራዛቅ፡ ኣብ 2013 [ኣግ] ትምህርቱ ወዲኡ፤ መዛዘሚ ፈተና ወሲዱ ግን መሕለፊ ነጥቢ ኣይረኸበን።
ከም ውጽኢቱ ድማ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 2014 ምስቶም 12 ክፍሊ ዝወድኡ ክልተ ደቁ ፈተና ወሲዱ።
ንሱ ይዅን ክልተ ደቁ ግን ናብ ላዕለዋይ ትካል ትምህርቲ ክኣትዉ ዘኽእሎም ነጥቢ ክረኽቡ ኣይከኣሉን።
መሊሱ ድማ ኣብ 2015 ብውልቂ ከፊሉ ፈተና ወሲዱ።
ኣብዚ ዓመት'ዚ ግን ካልኦት ኣርባዕተ ደቁ ኣብ 12 ክፍሊ ከም ስሩዕ ዝመሃሩ ዝነበሩ፡ ከምኡ’ውን ኣቦን ክልተ ደቆምን ከም ናይ ብሕቲ ተፈተንቲ ኰይኖም ንሃገራዊ ፈተና ተዳልዮም፤ ቍጽሪ ተፈተንቲ ካብ ሓንቲ ስድራቤት ሸውዓተ በጺሑ።
ካብቶም ሎሚ ዓመት ንፈተና ዝኣተዉ ደቂ ሸኽ ዓብዱረዛቕ፡ በዅሪ ውላዱ፡ ጓል 22 ዓመት ክትከውን እንከላ፡ ምንኣሳ ሓዋ ድማ ወዲ 19 ዓመት እዩ።
'መምህር ታሪኽን ቋንቋን ክኸውን እየ ዝደሊ'
ተፈታኒ ማሕበራዊ ሳይንስ ዝዀነ ሸኽ ዓብዱረዛቕ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መደ ወላቡ መዛዘሚ ፈተና ድሕሪ ምውሳዱ፡ ምስ ኣርባዕተ ደቁ ናብ ገዛኡ ተመሊሱ።
ካልኦት ክልተ ደቁ ድማ ኣብዚ እዋን ባህሪያዊ ሳይንስ ይፍተኑ ኣለዉ።
ንፈተና ብኸመይ ከምዝተዳለዉ ምስ ተሓተተ፡ "ኣነ ደቀይ ከዕቢ ላዕልን ታሕትን እየ ዝብል ነይረ። ንሳቶም ግን መደብ መጽናዕቲ የውጽኡን ይመሃሩን ነይሮም። ይዅን እምበር፡ ገለ ምሸታት መደባት ኣውጺእና ብሓባር ነጽንዕ ነይርና፡" ይብል።
ብዛዕባ እቲ ፈተና ኣመልኪቱ፡ "እቲ ፈተና ደስ ዝብል እዩ። እቲ ምቅይያር ቦታ ነቲ ሰብ ሓድሽ ምዃኑ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ፈተና ከቢድ ኣይነበረን። ንዝኾነ ዘፅነዐ ሰብ ጽቡቕ እዩ ነይሩ” ኢሉ።
ኣብ ፈተና ምትላል ንምንካይ፡ መንግስቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክወሃብ ገይሩ ኣሎ።
እቲ ወዲ 43 ዓመት ኣቦ፡ ጽቡቕ ውጽኢት እንተረኺቡ መምህር ታሪኽን ቋንቋ ኣፋን ኦሮሞን ክኸውን ከምዝደሊ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ይዅን እምበር፡ ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ንደቁ ቀዳምነት ከም ዝህብ ይዛረብ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
