እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብጉዳይ ስደተኛታት ምስ ፈረንሳ ትዋጠጥ ዘላ ሜሎኒ ዘቕረበቶ ክሲ ሓቂ ድዩ?
ኣብ ቀረባ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ዝዀነት የማናዊት ፖለቲከኛ ጆርጂያ ሜሎኒ፡ ፈረንሳ ሃብቲ ሃገራት ኣፍሪቃ “ንምምዝማዝ . . . ባጤራ መግዛእቲ” ትጥቀም ኣላ ብምባል ዝተዛረበትሉ ቪድዮ ብብዝሒ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክዘውር ቀንዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብኸመይ ይተሓዙ ብዝብል ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ ተፈጢሩ ኣሎ።
ኢጣልያ፡ ሓንቲ መርከብ ስደተኛታት ኣድሕን ኣብ ወደባታ ክትዓርፍ ብዘይምፍቃዳ፡ ፈረንሳ "ቅቡል ዘይኰነ ባህሪ" ብምባል ንኢጣልያ ከሲሳ።
ኣብቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሜሎኒ ዝተዛረበትሉ ቪድዮ፡ "50 ሚእታዊት ካብቲ ቡርኪናፋሶ ሰደድ እትገብሮ . . . ናብ ካዝና ፈረንሳ እዩ ዝኣቱ" ክትብል የርኢ።
ብ19 ሕዳር 2022፡ ሆላንዳዊት ወሃቢት ርእይቶ ኢቫ ቭላርዲንገር ብሮክ፡ ነቲ ቪድዮ ኣብ ትዊተር ብምዝርጋሕ፡ "ኢማኑኤል ማክሮን [ፕረዚደንት ፈረንሳ] ሕጂ ምስ ጆርጅያ ሜሎኒ ባእሲ ምምራጹ ከጣዕሶ እዩ” ኢላ።
እዚ ርእይቶ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሪትዊት ተገይሩ።
ብ20 ሕዳር፡ ደይሊ መይል ብዛዕባ እቲ ቪድዮ ኣብ ዝሓተሞ ጽሑፍ፡ "ሓዳስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ፡ ከም ፈረንሳ ዝኣመሰላ ሃገራት ምዝመዛ እቲ ኣህጉር ደው እንተ ኣቢለናኦ፡ ካብ ኣፍሪቃ ዝመጽእ ስደት ደው ክብል'ዩ ዝብል ማይ ዘምዑግ ቃላዊ መጥቃዕቲ ከፊታ" ኢሉ።
ይዅን’ምበር፡ እቲ ቪድዮ ሜሎኒ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ቅድሚ ምዃና ብ2019 ዝተዛረበቶ እዩ።
ሽዑ ዝሃበቶ ርእይቶ ድማ ጌጋ እዩ ነይሩ።
ሜሎኒ እንታይ ትብል?
እዚ ቪድዮ፡ ሜሎኒ ኣባል ባይቶን መራሒት የማናዊ ሰልፊ ኣሕዋት ኢጣልያን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ብ19 ጥሪ 2019፡ ኣብ ናይ ብሕቲ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ዝዀነ ላ -7 ቀሪባ ካብ ዝሃበቶ ቃለ መጠይቕ ዝተወስደ እዩ።
ሜሎኒ፡ ፈረንሳ ን14 ሃገራት ኣፍሪቃ እትሓትሞ ሲኤፍኤ ፍራንክ ዝተባህለ መተዓዳደጊ ገንዘብ፡ "መግዛእታዊ ባጤራ" ብምባል፡ እዚ "ጸጋታት እዘን ሃገራት ንምምዝማዝ" ትጥቀመሉ ኣላ ትብል።
ብድሕሪኡ፡ ስእሊ ኣብ ቡርኪናፋሶ ኣብ ዝርከብ ዕደና ወርቂ ዝሰርሕ ቈልዓ ኣልዒላ፡ "50 ሚእታዊት ካብ ቡርኪናፋሶ ዝልኣኽ . . . ናብ ካዝና ፈረንሳ እዩ ዝኣቱ" ትብል።
"እዚ ቈልዓ፡ ናብ ጕድጓድ ኣትዩ ዘውጽኦ ወርቂ መብዛሕትኡ ኣብ ካዝና መንግስቲ ፈረንሳ እዩ ዝውዳእ።"
እቲ ቪድዮ፡ "እቲ መፍትሒ ኣፍሪቃውያን ናብ ኣውሮጳ ምምጻእ ኣይኰነን፤ እቲ መፍትሒ ኣፍሪቃ ካብ ዝምዝምዙዋ ሒደት ኣውሮጳውያን ሓራ ምውጻእ’ዩ" ብምባል ይዛዝም።
ኣብ 2019 ካልእ ኢጣልያዊ ፖለቲከኛ፡ ፈረንሳ ንኣፍሪቃ ኣዳኺማቶን ናብ ኣውሮጳ ስደት ከተተባብዕ ገይራን ኢሉ ምስ ነቒፉ ነይሩ።
እቲ መረጋገጺ እንታይ’ዩ?
ፈረንሳ ቡርኪናፋሶ ንእትርከበን 14 ሃገራት ኣፍሪቃ ፍራንክ ሲኤፍኤ ዝተባህለ ባጤራ ተሕትም።
ኣብዚ ባጤራ ምእታው ወለንታዊ እዩ።
እዚ ባጤራ፡ ኣብ መወዳእታ 1940ታት ኣብተን ሽዑ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ፈረንሳ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ሕጋዊ መተዓዳደጊ ኰይኑ ከገልግል ዝተፈጥረ እዩ።
ሜሎኒ ኣብ 2019 ክሲ ኣብ ዘቕረበትሉ እዋን፡ ፈረንሳ ንፍራንክ ሲኤፍኤ ዝጥቀማ ሃገራት ኣፍሪቃ 50 ሚእታዊት ካብ ዕቝር ሸርፊ ወጻኢ (ሰደድ ዘይኰነ) ናብ ግምጃ ፈረንሳ ክእትዋ ትጠልብ ነይራ፤ እዚ ድማ ውሕስነት ብዘለዎ ሸርፊ ዩሮ ዝሕሰብ ምዃኑ ትዛረብ።
እዘን ሃገራት፡ እንተደልየን ኣብ ዝዀነ እዋን ነዚ ዕቝር ሃብቲ ክረኽባኦ ከም ዝኽእላን ፈረንሳ ድማ 0.75 ሚእታዊት ወለድ ሓሲባ ከም እተቐምጠለንን ይግለጽ።
ፈረንሳ እውን "ካብ ኵሉ ቡርኪናፋሶ እትሰዶ 50 ሚእታዊት ኣይጠለበትን።"
ብመሰረት መረዳእታ ባንኪ ዓለም፡ ፈረንሳ ብጠቕላላ ዋጋ ካብተን ቀዳሞት መዳረግቲ ሰደድ ቡርኪናፋሶ ከም ዘይኰነት ይሕብር።
ቡርኪናፋሶ፡ ብሰደድ ወርቂ ቀዳመይቲ እያ። ብ2020 ጥራይ፡ ኣስታት 90 ሚእታዊት ወርቃ ናብ ስዊዘርላንድ ሰዲዳ።
ሜሎኒ ሕጂ’ውን በዚ ኣቐዲማ ዝሃበቶ ርእይቶ ትጸንዕ እንተዀይና ንምፍላጥ፡ ቤት ጽሕፈት እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ርእይቶ ክህብ ሓቲትናዮ፤ እንተዀነ ኣይመለሰን።
መንግስቲ ፈረንሳ እውን ንዘቐረብናሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።
ድሕሪኡ እንታይ ኣጋጢሙ?
ኣብ ታሕሳስ 2019፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ፍርቂ ዕቝር ሃብተን ኣብ ፈረንሳ ከቐምጣ ዝብል ጠለብ ዕረያታት ክግበር ተኣዊጁ።
ፈረንሳ ድማ፡ መስርሕ ምስግጋር ዕቝር ሃብቲ እተን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከም ዝጀመረት ጸብጻባት ሓቢሮም።
ትካል ገንዘብ ዓለም [IMF] ኣብ መጋቢት እዚ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቶም ኣብ ፈረንሳ ገንዘብ እዘን ሃገራት ሒዞም ዝነበሩ ሕሳባት ተዓጽዮም ኢሉ።
ሕጂ፡ ማእከላይ ባንክ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ (ንቡርኪናፋሶ ሓዊሱ ፖሊሲ ገንዘብ ሸሞንተ ሃገራት ዝቈጻጸር) ድማ ነቲ ዕቝር ሃብቲ ከም ዘመሓድር ገሊጹ ነይሩ።
እተን ሃገራት ግን ኣብ ዝመረጽኦ ቦታ ከቐምጣ ፍቝድ እዩ።
ዞባዊ መተዓዳደጊ ባጤራ ፈረንሳ ስለ ምንታይ ኣካታዒ ኰይኑ?
ነቐፍቲ ኣወዳድባ ባጤራ ሲኤፍኤ፡ ቁጠባዊ ዕብየት እተን ተጠቀምቲ እቲ ባጤራ ዝዀና 14 ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዝዓንቀፈ ብምግላጽ፡ ቅርሲ መግዛእቲ ክብሉ ይነቕፍዎ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ዞባ ኣውሮጳ ዝርከባ ሃገራት ዝተሰማምዓሉ ገንዘባዊ ፖሊሲታት ኣብ ምውሳን ርእይቶ ከም ዘይብሎም ይምጕቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ኢንስቲትዩት ብሩኪንግስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ሲኤፍኤ ፍራንክ ዝጥቀማ ሃገራት ብሓፈሻ ትሑት ዝቕባበ ዋጋታት ክርኣያ እንከለዋ፡ ኣሰራርሓ ሲኤፍኤ ፍራንክ ግን ኣማራጺታት ፖሊሲ ክህልወን [ብቐንዱ ኣብ ምግጣም ጽልዋ ለበዳ ኮሮናቫይረስ] ይድርቶ’ዩ ይብል።
ካልኦት ክኢላታት ስነቝጠባ፡ ዓመታዊ ማእከላይ ዕብየት ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር - ወሰኽ ዋጋ ኵሎም ዝፈርዩ ኣቝሑትን ኣገልግሎታትን - ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃን ካልኦት ቍጠባታት ኣፍሪቃን ብመጠኑ ምስ ግዜ ዝወዳደር ምዃኑ የመልክቱ።
ፈረንሳ እቲ ስርዓተ ባጤራ፡ ነተን ዝጥቀማሉ ሃገራት "መስርሕ ርጕእ ቍጠባ" ዘረጋግጽ እዩ ክትብል ትምጕት።
እቲ ባጤራ ምስ ዩሮ ስለ ዝተኣሳሰር ድማ ዝሓሸ መከላኸሊ ቍጠባዊ ምንዋጽ [economic shocks] ከም ዝዀነን ዝቕባበ ዋጋታት ንምቍጽጻር ከም ዝሕግዝን ትገልጽ።
እተን ሃገራት ድማ ካብቲ ዞባ ክወጽኣ እንተደልየን፡ ክጸንሓ ኣይግደዳን ትብል።