ናጽነት ሓሳባት ንምድንፋዕ ዕላማ ሒዙ ኣብ ሽወደን ዝተመስረተ ኤርትራዊ ትካል ‘እምኵሉ’

ገለ ካብቲ ብኣሕታሚ እምኵሉ ዝተሓተመ መጻሕፍቲ
Published

ጀርመናዊ ጆንስ ጉተንበርግ ኣብ 1430ታት ናይ መጀመርታ መሳርሒት ሕትመተ ከምዝመሃዘ’ዩ ታሪኽ ዝገልጽ፤ እንተዀነ ካብ 9ይ ክፍለ ዘመን ኣትሒዞም ቻይናውያን ኣብ ጣዋሉ ጽሑፋት ይሓትሙ ከምዝነበሩ’ውን ይንገር’ዩ።

ምስ ምትእትታው ሕትመት ዓለም ብዝተፈላለየ መልክዕ ክትልወጥ ከምዝኽኣለት ይፍለጥ።

ዓለምለኻዊ ዛዕባታት ካብን ናብን ኣብ ምብጻሕ፡ ሰውራ ሳይንስ ኣብ ምጉልባት፡ ዕቡሳት ድምጺታት ከምዝስምዑን ሰውራታት ለውጢ ንኽልዓሉን ምምጻእ ሕትመት እጃሙ ገይሩ እዩ።

ስርሓት ሕትመት፡ ዘገም እናበለ ናብ ኤርትራ ገጹ ክኣቱ ጀመረ - ኣብ እምኵሉ። ኣብ 1860ታት ሚስዮናውያን ሽወደናውያን ካብ ባጽዕ ንሸነኽ ምዕራብ ኣስታት ሓሙሽተ ኪሎሜተር ርሒቝ ዝርከብ እምኩሉ ዝተባህለ ቦታ ሚስዮናዊ ንጥፈታቶም ዘካይዱሉ እዩ ዝነበረ።

ሽወደናውያን፡ ትካላት ትምህርትን ሕክምናን ኣብቲ ቦታ መስሪቶም፡ ብዙሓት ካብ ጊላነት ተገላጊሎም ትምህርቲ ክቕጽሉን ክሳብ መምሃራን ኰይኖም መጻሕፍቲ ክትርጕሙ ኣብቂዖም እዮም።

ጋዜጠኛ ቴድሮስ ኣብርሃም፡ ነዚ መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ሽወደን ዝመስረታ ኣሕታሚ ትካል፡ ‘እምኵሉ’ ኢሉ ብምስማይ እቲ ታሪኻዊ ቦታ ክዝከር ገይሩ እዩ።

“እቲ ቦታ ብቛንቋታት ትግርኛ፡ ትግረ፡ ኣምሓርኛን ኦሮሞን’ውን ብዙሕ ስራሓት ዝተሰረሓሉ ቦታ’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ “ካብኡ ሓሊፉ፡ ናይ መጀመርታ ትካል ሕትመት ኣብ ባጽዕ - ርእሲ ምድሪ - ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሽወደን ክምስረት ክኢሉ’ዩ፤ እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ እምኵሉ’ዩ ተመስሪቱ” ይብል ቴድሮስ።

ቴድሮስ፡ እተን ኣብ ባጽዕን እምኵሉን ንመጀመርታ ግዜ ዝተመስረታ ትካላት ሕትመት ኣብ ምብራቕን ኣብ ቀርንን ኣፍሪቃ እተን ናይ መጀመርታ ትካላት ከምዝዀና’ውን ይገልጽ።

“እታ መጀመርታ ኣብ ኤርትራ ዝተሓትመት ‘መልእኽተ ሰላም’ እትብል ጋዜጣ ትግርኛ’ውን በታ ኣብ እምኵሉ ዝተመስረተት ድሒራ ግን ናብ በለዛ ዝግዓዘት ቤት ማሕተም’ያ ተሓቲማ።”

ጋዜጠኛ ቴድሮስ ኣብርሃም፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየን ዝተማህረን፣ ከም ጋዜጠኛ መምህርን ኰይነ ዝሰርሐን፣ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ከኣ ኣብ ስነጽሑፍን ምስኡ ዝተኣሳሰር ንጥፈታትን ክዋሳእ ጸኒሑ።

ናይቲ ኣብ 2014 ኣብ ስደት ብዝርከቡ ኤርትራውያን ዝተመስረተ ‘ፐን ኤርትራ’ ትሬዠረር ኰይኑ ኸኣ ንሓያለ ዓመታት ሰሪሑ።

ቴድሮስ ኣብ ሽወደን ኣብ መንግስታዊ ስራሕ እናሰርሐ፡ ኣብ ትርፊ ግዜኡ ኣብቲ ብ 2018 ዝመስረቶ  ኣሕታሚ ትካል እምኩሉ የካይድ።

“እምኵሉ  2018 ጀሚሩ ኣብ 2019 ከኣ ናይ መጀመርታ መጻሕፍቲ ኣሕቲምና፤ ክሳብ ሕጂ ኸኣ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ልዕሊ 30 መጻሕፍቲ ኣሕቲምና ኣለና” ይብል።

ቴድሮስ ኣብርሃም

ምንጪ ስእሊ, SHISAY GEBREHANS

እምኵሉ ንምንታይ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቴድሮስ ኣብርሃም እቲ ስራሕ ክብገስ እንከሎ ምስ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝረከቡ ብጾቱ ዳህሳስ ብምክያድ፡ ኣሕታሚ ትካል ከበግሱ ኣብ ሓደ ሓሳብ ከምዝበጽሑ ብምግላጽ፣ ዝነብሩሉ ቦታታት በበይኑ ስለዝዀነ ግን ክሰልጦም ከምዘይከኣለ ይሕብር።

“ብድሕሪኡ ንበይነይ ተበጊሰ፣ ኣብ ስራሕ ትተሓጋገዘኒ በዓልቲ ቤተይ ኣላ፡ ከምኡ’ውን ብኽእለቶምን ብፍለጠቶምን ዝሕግዙኒ’ውን ኣለዉ” ይብል።

ኣብ መስርሕ ምሕታም መጽሓፍቲ፡ ኣብ ኣርትዖት ዲዛይን ገበርን ቅርጺ መጻሕፍን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኰይኖም ሓቢሮምዎ ዝሰርሑ ሰባት ከም ዘለዉን ንዅሉ ስራሓት በይኑ ከምዘይዓሞን ከኣ ይገልጽ።

ንምንታይ ኣሕታሚ ትካል ክምስርት ከምዝሓሰበ ክገልጽ እንከሎ፡ ቴድሮስ፡ “ኣብ ዓድና ናይ ሕትመት ስራሓት መብዛሕትኡ ግዜ ብውልቀ ሰባት’ዩ ዝስራሕ፣ ደራሲ ባዕሉ ጽሒፉ ባዕሊ ኣጻፊፉ ባዕሉ ኣርቲዑ’ዩ ናብ ሕትምት ዝቐርብ፤ እዚ ኸኣ ብዙሕ ጸገማት ዘስዕብ’ዩ” ይብል።

ነዚ ብኣብነት ከሰንዮ እንከሎ፡ “ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብመንግስቲ ዝውነን ኣሕታሚ ሕድሪ’ዩ ዘሎ። ንሱ ዝህቦ ኣገልግሎት ከኣ ብ ዕላማታቱ ስለዝቕየድ፡ ንዅሉ ኣገልግሎት ኣይህብን እዩ፤ ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ደገ ዘሎ ሰብ ክሽገር ንርእዮ ስለዝነበርና፡ ነዚ ንምፍታሕ ኢና ኣንቂልናዮ” ይብል።

ኣተሓሒዙ፡ “ኣብ ዓድና ከምእንፈልጦ፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ስለዝተነፈግና ብዙሓት ጸሓፍቲ ካብ ዓድና ስለዝወጻእና ብዙሓት ጽሑፋቶም ኣብ ኢዶም ክሕዝዎ’ዮም ተገዲዶም፤ ነዚ ንምፍታሕ ከኣ እምኩሉ ክትምስረት ክኢላ። ከም መትከል ንሰርሓሉ ኸኣ፡ ጽፉፍ ዝዀነ ስራሕ፡ ንታሪኽ ንባህሊ ኣብ ምስናድን ኣብ ምብርባርን ብዝሓሰረ ዋጋ ንሰርሕ ኣለና።”

እምኩሉ ክሳብ ሕጂ ብዝሰርሖ ስርሓት ካብቲ ክብገስ እንከሎ ዝሓንጸጾ ውሑድ ጥራይ ዓሚሙ ከምዘሎ ዝሕብር ቴድሮስ፡ እንተዀነ፡ ክሳብ ሕጂ ብዝሰርሕዎ ዕጉባት ምዃኖም ይገልጽ። እቲ ዝዓበየ ነገር ከኣ እቲ ትካል ተበጊሱ ክቕጽል ምኽኣሉ እዩ፡ ይብል። እንተዀነ “ካብ ሱርናን ካብ ህዝብናን ርሒቕና ንሰርሕ ስለዘለና፡ ነቲ ኣንባቢ ከምድላይና ክንብጽሖ ዘይምኽኣልና ሓደ ካብቲ ሕጽረታት’ዩ” ብምባል እቲ ዘሎ ጸገም ይገልጽ።

ኣመራርጻ ዝሕተም ጽሑፍ

ኣብ ዓለም መዓልታዊ ብማእከላይ ገምጋም ኣስታት 2700 መጻሕፍቲ ከምዝሕተም’ዩ ሰነዳት ዝሕብር።

እዚ ቍጽሪ እዚ ብደረጃ ዓለም ኰይኑ፡ ኤርትራውያን ደረስቲ ኣብ ዓመት ክንደይ መጻሕፍቲ የሕትሙ ዝገልጽ ጸብጻብ’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ዝሕተም ሓያለ መጻሕፍቲ ኣሎ።

ኣሕታሚ እምኩሉ፡ ንዝኽተሎ መስርሕ ኣመራርጻ መጻሕፍቲ ክገልጽ እንከሎ፡ ቴድሮስ፡ “እወ መሪጽና ኢና ነሕትም፤ ገለ ብውልቈም ከሕትሙ ንዝደልዩ ኣብ ምጽፋፍ ንሕግዞም’ውን ኣለዉ” ይብል።

ኣተሓሒዙ ነቲ ዝኽተልዎ መለክዒታት ኣመልኪቱ፡ እቲ ትካል ናይ ኤርትራውያን ብምዃኑ ንኤርትራ ዘገድሱ ዛንታታት ማእከል ዝገበረን፡ እቲ መበገሲ ብቕዓት ጽሑፍ ኣገዳሲ ረቛሒ ምዃኑን’ውን የብርህ።

ኣብ ዝተወሰነ ሕብረተሰብ ተጸኒዖም ዝተዳለዉ፡ ብኸመይ ትሕጐስ? ብኸመይ ትህብትም? ወዘተ ዝብሉ፡ መጽሓፍቲ ‘ርእስኻ ሓግዝ’ - 'ሰለፍ ሀልፕ'፡ ኣብ ሕብረተሰብና ብዙሕ ተግባራውነት ዘይብሎም እንተዀይኑ፡ እቲ ኣሕታሚ ትካል ከምዘይመርጾም ቴድሮስ የረድእ።

ንኽሕተም ናብቲ ትካል ዝቐረበ ጽሑፍ፡ ውሳነ ንምሃብ ሰለስተ ሰባት ብተናጸል ከምዝርእይዎ ዝሕብር ቴድሮስ፡ ንመለክዒታቶም ዝበቅዕ እንተዀይኑ ጥራይ ናብ መስርሕ ኣርትዖት፡ ምጽፋፍን ማሕተምን ከምዝኣትዉ ይገልጽ።

“ክሳብ ሕጂ ካብ ዝመጽኣና፡ ካብቲ ዘሕተምናዮ ዝገደፍናዮ ይበዝሕ። እቲ ብኣና ዝሕተም ባዕልና ኢና ነርትዖ፡ ኣብ ቋንቋ ንግደስ ኢና፣ ብትግርኛ ዝግለጽ ነገር ካልእ ባዕዳዊ ቋንቋ ክሕወሶ ኣይንደልን” ይብል ቴድሮስ።

ኣሕታሚ እምኩሉ ክሳብ ሕጂ ብትግርኛ፡ ትግረ፡ ብእንግሊዝኛ፡ ብኣምሓርኛ ብቋንቋታት ሽወደንን ኖርወይን ብሓፈሻ 35 ዝኸውን መጻሕፍቲ ባዕሎም ኣርቲዖም ከምዘሕተሙን፤ ልዕሊ 20 ኸኣ ብኻልኦት ኣርትዖት ተገይሩሎም ብኣሕታሚ እምኩሉ ዝተሓተሙን እዮም።

ኣብ ኣሕታሚ እምኩሉ ካብ ዝተሓተሙ መጽሓፍቲ፡ “ዝሑል ኲናት” ትብል ብደራሲ ዓብዱሰላም መሓመድ ጻዕዳ ተደሪሳ፡ 3000 ቅዳሓት ተሓቲማ ዝተዘርግሐትን፡ ክሳብ ሕጂ እታ ዝበዝሐ ቅዳሓት ዝተሓትመት መጽሓፍ ከምዝዀነት ቴድሮስ ይሕብር።

“ካብ ዘሕተምናየን መጻሕፍቲ ናይ ይርግኣለም ፍስሃ ናይ ግጥሚ መጽሓፍ ክሳብ 2000 ቅዳሓት ተሸይጣ ኣላ፤ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መጀመርታ ክሳብ 500 ቅዳሕ ኢና ነሕትም። ናይ ደንደን ሰሎሙን “ንጉስ ገበን” እትብል መጽሓፍ ከኣ ክልተ ግዜ ክትሕተም ክኢላ” ይብል ቴድሮስ።

መጽሓፍቲ ብኸመይ ይዝርጋሕ?

ኣንበብቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እምኵሉ ኣትዮም ዝኣዘዝዎ መጽሓፍን ብዝሕን፡ ናብ ኣድራሻኦም - ኣብ መላእ ዓለም ብፖስታ ከም ዝለኣኸሎም፡ ቴድሮስ ይገልጽ።

“ናብ መላእ ዓለም ኢና ንሰድድ፡ ኣብ ውሽጢ ሽወደን ምእኩል መከፋፈሊ መጻሕፍቲ ስለዘሎ ንሶም ገዚኦም ናብ ኣብያተ ንባብ የከፋፍልዎ። ኣብ ኖርወይ፡ ስዊዘርላንድ፡ ፊንላንድን ሃገራዊ ኣብያተ ንባብ ስለዘሎ ንሶም ይእዝዙ ብመንገዶ ከኣ ይዝርጋሕ፡”

ኣብዚ ጉዳይ ምዝርጋሕ፡ ትካል እምኵሉ ኣብ ኣሜሪካን ካናዳን ካናዳን ምስ መምህር መኮነን ተስፋይ [ሰማያት] ተሓባቢሩ ይሰርሕ ስለዘሎ፡ ብዙሕ ከም ዝተቓለለ፤ኣብ ሃገራት ጀርመን፡ እስራኤልን ካልእን ሃገራት ኣዝዮም ብዙሓትን ግዱሳትን ውልቀሰባት ኣብ ምዝርጋሕ ከም ዝተሓባበርዎም እቲ ኣካያዲ ስራሕ ይገልጽ። 

ቴድሮስ ኣብርሃም ከም ዝብሎ፡  ኣብ እምኩሉ ካብ ዝተሓተሙ ሓያለ መጻሕፍቲ ብዝተፈላለየ መገዲ ናብ ኤርትራ’ውን ይኣትዉን ይንበቡን ኣለው።

ብዘይካ ሕትመት መጽሓፍቲ፡ እምኵሉ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ክልተ ብኤሌክትሮኒካዊ መገዲ ዝተዘርግሓ መጽሔታት ኣዳልዩ ምንባሩ ብምሕባር፡ ቴድሮስ፡ ሕጂ ኸኣ ‘መናራ’ ዝብል ስም ዝሃብዋ ርብዒ ዓመታዊት መጽሔት ምስ ካልኦት ብጾቱ ብምዃን ኣዳልዮም ናብ ኣንበብቲ ዘርጊሖም ከም ዘለው ይገልጽ።

እዛ ኣብ ስነጽሑፍ፡ ታሪኽን ባህልን ዘተኮረት መጽሔት፡ ብዲጂታላዊ መገዲ ትዝርጋሕ ኰይና፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ግዱሳት ኣንበብቲ፡ ብመገዲ መርብብ ሓበሬታ እምኩሉ ገዚኦም ከንብብዋ ከምዝኽእሉ፡ ዋናን ኣካያዲ ስራሕን ኣሕተምቲ እምኵሉ ቴድሮስ ኣብርሃም ይሕብር።