ፖለቲከኛታት ጃዋርን ልደቱን ብዛዕባ 'ኪዳን ንህልውና' እንታይ ይብሉ?

ኣቶ ልደቱን ኣቶ ጃዋርን
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣቶ ልደቱ ኣያሌውን ኣቶ ጃዋር መሓመድን ብዛዕባ እቲ ብሸውዓተ ዕጡቓት ጕጅለታት ዝቘመ ጸረ መንግስቲ ምሕዝነት ዝተፈላለየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም።

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ፋኖን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዝርከብዎም 7 ተቓወምቲ ጕጅለታት፡ 'ምሕዝነት ንህልውና' ዝብሃል ጥምረት ከምዝመስረቱ ብ10 መስከረም 2019 ኣፍሊጦም።

ኣቶ ጃዋር መሓመድን ኣቶ ልደቱ ኣያሌውን ብዛዕባ'ቲ ኪዳን ዘለዎም ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ንቢቢሲ ገሊጾም ኣለዉ።

ክልቲኦም ፖለቲከኛታት ኣብ ኣገዳስነት ምምስራት እቲ ኪዳን እምነት እንተሃለዎም'ኳ፡ ኣብ መስርሕ፡ ዝምድና ኣባላት እቲ ጥምረት፡ ከምኡ'ውን ስዒቡ ዝመጽእ ውጽኢት ግን ዝተፈላለየ ሓሳብ እዮም ዘንጸባርቑ።

እቶም ጕጅለታት "ምጽንባሮም ኣይቃወምን። ምጽንባሮም ጽቡቕ እዩ፤ እዞም ሓይልታት ክቀራረቡ እደሊ'የ" ዝብል ጃዋር ነዚ ምትሕብባር "ስትራተጂካዊ ኣይኰነን" ብምባል "ናይ ሓጺር ግዜ ታክቲካዊ ምሕዝነት" ከምዝዀነ ይገልጽ።

ኣባላት እቲ ኪዳን ብፍላይ ድማ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ህወሓትን ኣፋብን፣ ብዘይካ ስነ-ሓሳብ፣ ናይ መሬት ጠለብ ሓዊሱ ካልእ ፍልልያት ከምዘለዎም ከምዘስተብህል ዝዛረብ ኣቶ ጃዋር፣ ነቲ ኪዳን ዝመስረቱ "ነዚ ጉዳያት [ፍልልዮም] ንግዚኡ ንጐድኒ ገዲፎም ኣብ ነንሕድሕዶም ከይጋጨዉን ኣብ ገለ ጉዳያት ነንሕድሕዶም ንምድግጋፍን'ዮም" ይብል።

ስለዚ፡ "ኣብ ጕዕዞኦም ዕንቅፋት ከጋጥሞም ይኽእል እዩ፣ ርሑቕ ኣይከዱን" ክብል ይውስኽ። ብተወሳኺ እቲ ምሕዝነት ኣብ ዓሚቕ ፖለቲካዊ ዘተን ድርድርን ዝተመስረተ ከምዘይኰነን፡ ስለዚ ድማ "ነቲ ስርዓት ንምውዳቕ ኣብ ዝገብርዎ ጕዕዞ ይዅን ብድሕሪኡ ኣብ እትህሉ ኢትዮጵያ ዘተኣማምን መሰረት ዘይብሉ ከምዝዀነ" ይገልጽ።

ነቲ ስርዓት ድሕሪ ምውጋዶም ነንሕድሕዶም ክዋግኡ ከምዝኽእሉ እውን የአንፍት።

እንተዀነ፡ "ሕጂ'ውን ዝዓሞቐ ፖለቲካዊ ዘተን ድርድርን ምግባር ኣገዳሲ ይመስለኒ" ይብል።

ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ብወገኑ ምስ ሓሳብ ጃዋር ኣይሰማምዓን።

ኣብ ዓሚቕ ግጭት ዝነበሩን ንሓድሕዶም ብጽልኢ ዝረኣኣዩን ሓይልታት ምትእኽኻብ ኣወንታዊ ስጕምቲ ምዃኑ እዩ ኣቶ ልደቱ ዝኣምን።

"ኣብ ህዝቢ ኣዝዮም ተቐባልነት ዘለዎም፡ ኣዝዮም ዝተዓጠቑ" ሓይልታት ናይ ዝብሎም እዞም ንሕንሕ፡ ኣብ ሰላምን ምርግጋእን እታ ሃገር ዓቢ ጽልዋ ከምዘሕድር'ውን ይገልጽ፣ ከምኡ'ውን። ነንሕድሕዶም ከም ጸላኢ ካብ ምርእኣይ፡ ጥምረት ፈጢሮም ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ክቃለሱ ካብ ዝገለጹሉ እዋን ጀሚሩ ድጋፉ ከምዝገለፈ እዩ ዝዛረብ።

ኣብ ኢትዮጵያ "እቲ ተቐባልነት ዘለዎ ኣተሓሳስባ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ለውጢ ከነምጽእ ኣለና" ዝብል ብምዃኑ፡ "ዕጫናን ህላወናን ዝውስኑ ድማ ንሳቶም [ዕጡቓት] እዮም" ይብል።

ኣቶ ልደቱ መንግስቲ "ንልዝብን ዘተን ሰላም ማዕጾ ዓጽዩ" ክብል ይኸስስ። ዕጥቃዊ ቃልሲ "ዘይተርፍ'ዩ" ክብል ድማ የስምር።

ዕጡቕ ሓይሊ ነባሪ ለውጢ እንተዘይመጽአ'ኳ፡ ዝተፈላለየ ረብሓታት ከምዘምጽእ ግን ይኣምን።

እቲ ጥምረት፡ መንግስቲ ክዛተ ብምግዳድ ናይ ሰላም ዕድል ክፈጥር ከምዝኽእል ይኣምን።

እቲ ጥምረት ክሳብ ክንደይ ክጸንሕ ይኽእል?

አቶ ጃዋር፡ እቲ ጥምረት ወይ ኪዳን "ዘላቒ ኰይኑ ንምዕዋት ኣዝዩ ክኸብዶ እዩ" ይብል።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ "ክጻወተሎም ዝኽእል ብዙሓት ካርድታት ኣለዎ" ይብል ጃዋር። እቶም ኣባላት እቲ ጥምረት ድማ ኣብዞም ካርድታት "ብዙሕ ዕንቅፋታት ከጋጥሞም'ዩ" ክብል ስግኣቱ ይገልጽ።

ዋላ ነቲ መንግስቲ ካብ ስልጣን እንተዘውጽእዎ፡ ሕጂ እውን ስሙር ሃገር ንምቛም ክጽገሙ እዮም በሃላይ እዩ።

እቶም ነቲ ጥምረት ዝቘሙ ሓይልታት ሕጂ ፍልልያቶም ንምፍታሕ ህጹጽ መርገጺ የብሎምን ክብል ዝገልጽ ኣቶ ጃዋር ግን "ኣብ ኣገባብ ፍታሕ ኣይተዛተዩን" ይብል። ከምኡ'ውን "ፍልልዮም ክፈትሑ ኣይኮነን ብዛዕባ እቲ ዝፍታሓሉ ኣገባብ ክዛተዩ ኣይደፈሩን" ክብል ይነቅፍ።

ካብዚ ብምብጋስ ድማ ነቲ ምትሕብባር ንምእዋጅ "ከምዝተሃወኹ" ይኣምን።

ነዚ ሓሳብ ዝቃወም ኣቶ ልደቱ፡ ምቛም እቲ ምትሕብባር "ብሓቂ ደንጉዩ እዩ" ይብል። ፍልልያቶም ዝፈትሕሉ ኣገባብ እውን ከም ዘለዎም ይኣምን።

ኣብ መንጎ ኣባላት እቲ ጥምረት ዘሎ ኣፈላላይ ንቐጻሊ ሓድነቶም ሓደጋ ክኸውን እዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ግን የብርህ። "ኣፈላላይ ከይሃለዎም ተሓባቢርና እንተዝብሉ ኣይምገረመናን" ዝበል ኣቶ ልደቱ፣ "ኣፈላላይ እናሃለዎም ንሓባራዊ ዕላማ ቀዳምነት ምሃቦም እዩ ኣገሪሙና" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

ምትእትታው ሓይልታት ወጻኢ

ኣባላት እቲ ጥምረት ብግልጺ እኳ እንተዘይገለጹ፡ ኣቶ ጃዋር ግን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብቲ ጥምረት ከም ዘለዋ ይኣምን። ኣቶ ልደቱ እውን ናይ ደገ ሓይልታት ከምዘለዉ ይኣምን።

ኤርትራ ብንጹር ብቐጥታ ተሳታፊ ከምዘላ ዝገልጽ ኣቶ ጃዋር፡ ግብጽን ሱዳንን'ውን ብቐጥታ ከምዝተሳተፋ ጠቒሱ፡ "ስዑዲ ዓረብ'ውን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ክትሳተፍ ትኽእል እያ" ኢሉ። ብወገን መንግስቲ፡ ኢማራትን መንግስቲ እስራኤልን "ቀጥታዊ ኢድ" ከምዘለዎም ይኣምን።

ብመሰረት ጃዋር፡ እዚ እቲ ጥምረት፡ ብሃውሪ ክፍጸም ዝገብር ዝጓየዩ ዘለዉ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን እዮም። "ንቕድም፡ ብዝተኻእለ መጠን ነቲ ኲናት ካብ ዶባትና ነርሕቕ" ብዝብል ሓሳብ ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ ይገልጹ።

ኣቶ ልደቱ ዋላ እኳ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ተሳትፎ ክህሉ ከምዝኽእል ጥርጣረ እንተሃለዎ ብቐጥታ ተሳቲፈን ዝብለን ሃገራት ግን ብርግጸኝነት ከነጽር ኣይደፈረን።

ኣብ ቀጻሊ እንታይ ክፍጠር ይኽእል?

እቲ ኲናት ተጀሚሩ እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ዝገለጸ ኣቶ ልደቱ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት "ኣብ ኢትዮጵያ ምሉእ ኲናት" ከምዝካየድ የአንፍት። ወሲኹ ድማ "እቶም ዕጡቓት ከም ዝዕወቱ ኣይጠራጠርን እየ" ይብል።

ኣቶ ጃዋር ግን ምሉእ ኲናት ናይ ምክያድ ተኽእሎ ትሑት ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ብኽልቲኡ ወገን ዘሎ ህዝብን ሰራዊትን ብኲናት ስለዝሰልከየ እዩ ይብል። ብተወሳኺ እቲ ሕጂ ዘሎ ዓለምለኻዊ ኣሰላልፋ ካልእ ኲናት "ኣይደልን" ዝብል እምነት ዘለዎ ምዃኑ ይጠቅስ።

ስለዚ "እዚ ጥምረት ንኲናት ዘይኰነስ ምናልባት ንልዝብ ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ይመስለኒ" ይብል።

ናብ ኲናት እንተ ተኣትዩ ግና ሰለስተ ክህልዉ ዝኽእሉ ተርእዮታት የስፍር።

"ወይ ከምቲ ኣብይ ዘፈራርሖ ንዅሉ ከጥፍእ ይኽእል እዩ። ወይ ድማ፡ እቶም ጥምረት ሓይሎም ጠርኒፎም ነቲ ስርዓት ንምውዳቕ ጽልዋኦም ክጥቀሙ እዮም። ሳልሳይ፡ ሃገርን ህዝባን ዘጥፍእ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዘሳትፍ ነዊሕ ኲናት ክልዓል ተኽእሎ ኣሎ።"