ሽወደን ብወግዒ ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ኮይና

ነፈርቲ ኔቶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ሰሜን ኣውሮጳዊት ሃገረ ሽወደን ብወግዒ ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ፡ ኔቶ፡ ኮይና።

እቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምርክኻብ ሰነዳት፡ ክልተ ዓመት ድሕሪ ጠለብ ኣባልነት ድሕሪ ምቕራባ ዝተፈጸመ'ዩ።

እታ ሻራ ንዘይምውሳድ ኣባል ከይኮነት ዝጸንሐት ሽወደን፡ ሩስያ ንዩክረይን ድሕሪ ምጉባጣ'ያ ጸጥታዊ ውሕስነት ንምርካብ ነቲ ጠለብ ኣቕሪባ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሰን፡ ሃገሩ ንክልተ ዓመት ድሕሪ ምጽባይ ኣባል ኔቶ ምዃና ከምዘሓጎሶ ብምግላጽ "ሓድነትን ምሕዝነትን. . .መራሒ ብርሃን" መትከል ሽወደን ከምዝኸውን ተዛሪቡ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ብወገኑ፡ "ነቶም ዝጽበዩ ጽቡቕ ነገር ይመጸሎም'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

"ናይ ምክልኻል ኪዳንና ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝሓየለ ኮይኑ'ሎ" ብምባል ንሽወደን ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።

ዋና ጸሓፊ ኔቶ፡ ጀንስ ስቶልተንበርግ ብወገኑ፡ ሽወደን ብሉጽ ሰራዊትን ኣጽዋርን ሒዛ ትጽንበር ከምዘላ ገሊጹ። ሩስያ፡ ስዊድንን ፊንላድን ኣባል እቲ ከም ስግኣት እትሪኦ ወተሃደራዊ ኪዳን ከይኮና ከተጠንቅቕ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ኣብ ለካቲት 2022 ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጠነ-ሰፊሕ ወራር ድሕሪ ምፍናዋ'ያ ኣባል ናይቲ ጸላል ወተሃደራዊ ምክልኻል ምዕራብ ኣውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ክትከውን ወሲና።

እንተኾነ ግን፡ ብፍላይ ቱርኪ ዘቕረበቶ ዕቃበታት ነቲ ጠለብ ኣደናጉይዎ'ዩ ጸኒሑ። ስዊድን ንኩርዳውያን ተቓወምቲ ትድግፍ'ያ ብምባል'ያ ደገፋ ከይትህብ ሓንጊዳ ነይራ። ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ግን ሰናይ ፍቓዳ ሂባ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክተር ኦርባን'ውን ስዊድን ተጻባኢት ኮይና ብምባል ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን ድምጹ ዓቂቡ'ዩ ጸኒሑ- ክሳብ ፓርላማ ሃንጋሪ ነቲ ጠለብ ዝቕበሎ።

ኣባልነት ሃገራት ብምሉእ ስምምዕ ኩለን 32 ሃገራት ጥራይ'ዩ ክጸድቕ ዝኽእል።

ታንኪ ስዊድን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሽወደን ን200 ዓመታት ዘይሻራዊነት ዝብል መትከል'ያ ትኽተል ነይራ።

"ትሑታት'ኳ እንተኾንና ሕቡናት ኢና። ትጽቢት ዝግበረልና ኩሉ ክንፍጽም ኢና" ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ክሪስተርሰን።

"ምስ ኩሎም ሰብኪዳንና፡ ጾር፡ ሓለፋነትን ሓደጋን ክንስከም ኢና"።

ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኩነታት ጸጥታ እቲ ዞባ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ከምዘሎ'ውን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣመልኪቱ።

መዳውብቲ ሩስያ ዝኾነት ፊንላንድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ብወግዒ ኣባል ኔቶ ምዃና ይዝከር።

ኣብ ዝመጽእ ሰነይ፡ ባንዴራ ስዊድን ኣብ ቀጽሪ ናይቲ ኣብ ብራስለስ (በልጂም) ዝርከብ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ኔቶ ብወግዒ ክትስቀል'ያ።