‘ኣይወጽእን እየ’፡ ቍርጽ ዝበለ ውሳነ ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ዘካየዶ ድኹም ክትዕ፡ ብኻልእ ክትካእ ጸቕጢ ይግበረሉ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
እንተዀነ፡ ባይደን ብረቡዕ ንላዕለዎት መራሕቲ ሰልፊ ዲሞክራትን ሰራሕተኛታትን ከተሃዳድእ ከም ዝወዓለ ተፍሊጡ'ሎ።
ሚስተር ባይደን ኣብ ዋይት ሃውስ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ብሓባር ኣብ ዝነበረ እንግዶት ምሳሕ ውሳነኡ ኣፍሊጡ።
ባይደን ኣብቲ ውድድር ከም ዝቕጽል ብንጹር ገሊጹ፤ እታ ንዕኡ ክትክእ ትኽእል እያ ተባሂላ እትሕመ ምክትሉ ሚስ ሃሪስ ድማ ደገፋ ኣስሚዓ ኣላ።
“ኣነ ሕጹይ ሰልፊ ዲሞክራት እየ። ካብዚ ክደፍአኒ ዝኽእል ሰብ የለን። ኣይወጽእን እየ" ክብል ነቲ ዝቐርብ ዘሎ መጸዋዕታታት ምላሽ ከምዝሃበ፡ ሓደ ምንጪ ንቢቢሲ ኒውስ ሓቢሩ።
እዚ ሓረግ እዚ ድሕሪ ገለ ሰዓታት ብወፍሪ ባይደንን ሃሪስን ኣብ ዝተላእከ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ ኢመይል ተደጊሙ ኣሎ።
ባይደን ኣብቲ ኢመይል "ብንጹርን ብቐሊልን ቃላት ክብሎ ዝደሊ እንተሎ፡ ይቕጽል ኣለኹ፡ ክሳብ መወዳእታ ኣብዚ ውድድር ኣለኹ'" ክብል ኣፍሊጡ።
እቲ ወዲ 81 ዓመት ድሕሪ እቲ ምስ ትራምፕ ዝተኻየደ ድኽመት ዝተራአየሉ ክትዕ፡ ሕጹይ ፕረዚደንት ኰይኑ ክቕጽል ድዩ ኣይቅጽልን ዝብል ከዘራርብ ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ዲሞክራትስ'ውን እንተዀነ፡ ኣብ ዙርያ ብቕዓቱን ኵነታቱን፡ ኣብቲ ምርጫ ናይ ምዕዋት ዕድሉ ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ።
ሚስተር ባይደን ካብቲ ፕረዚደንታዊ ውድድር ክእለ ዝግበር ዘሎ ጸቕጢ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት እናዓበየ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ምኽንያቱ መወዳድርቱ ሪፓብሊካን ዝዀነ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ተቐባልነቱ እናዓበየ ከምዝኸደ ገለ ተወሰኽቲ ዳህሳሳት ይሕብሩ።
ብረቡዕ ዝተሓትመ፡ ብኒውዮርክ ታይምስ ዝተኻየደ ዳህሳስ፡ ትራምፕ ክሳብ ሕጂ ሽዱሽተ ብልጫ ነጥቢ ሒዙ ከምዘሎ ይሕብር።
ከምኡ’ውን ብናይ ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ኒውስ ዝተሓትመ ፍሉይ ዳህሳስ፡ ትራምፕ ኣብተን ወሳኒ ናይ ንሕንሕ ግዝኣታት ኣብ ልዕሊ ባይደን ብሰለስተ ነጥቢ ይመርሕ ከምዘሎ ይሕብር።
እቲ ዳህሳስ እቲ ፕረዚደንት ነበር ብሃገር ደረጃ ይመርሕ ከምዘሎ እውን ኣመልኪቱ።
ገለ ለገስቲ ዲሞክራትን ኣባላት ባይቶን ነቲ ፕረዚደንት ካብቲ ውድድር ክስሕብ ብግልጺ ብምጽዋዖም ዝያዳ ነገራት ኣተሓላሊኹዎ ኣሎ።
ኣብ ማሳቹሰትስ ዝመደበሩ ህንዳዊ-ኣመሪካዊ በዓል ሃብቲ ራሚሽ ካፑር፡ ካብ 1988 ጀሚሩ ንዲሞክራትስ ዝኸውን ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ መደባት ብምክያድ እዩ ዝፍለጥ።
ሚስተር ካፑር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ነዚኣስ ክሓልፋ ዘለዎ ይመስለኒ፡ ዓቕሚ ከም ዘለዎ እፈልጥ’የ፡ ምስ ተፈጥሮ ግን ክትቃለስ ኣይትኽእልን ኢኻ” ኢሉ።
ከምኡ’ውን ክልተ ዲሞክራት ኣባላት ኮንግረስ፡ ለውጢ ሕጹይ ተወዳዳሪ ክግበር ጸዊዖም።
ወኪል ኣሪዞና ራውል ግሪጃልቫ፡ ንጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ዲሞክራትስ ናብ ካልእ ሰብ ክጥምቱ ዝግደድሉ ግዜ እዩ” ኢሉ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ዋይት ሃውስን ሽማግለ ጐስጓስ ባይደንን፡ ባይደን ነቲ ኵነታት ይግምግም ኣሎ ዝብሉ ጸብጻባት ብትሪ ብምንጻግ፡ ንትራምፕ ንኻልኣይ ግዜ 5 ሕዳር ንምስዓር ቃል ከምዝኣተወ ይገልጹ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብቲ ውድድር ክጸንሕ ድዩ ኣይጸንሕን ይግምግም ከምዘሎ፡ ንሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ዓርኩ ከምዝነገሮ እዩ፡ ኒውዮርክ ታይምስን ሲኤንኤንን ብረቡዕ ጸብጺበን ነይረን።
ክልቲኦም ጸብጻባት፡ እቲ ፕረዚደንት ዳግማይ ምርጫኡ ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ከምዝፈልጥ ነቲ ዓርኩ ከምዝነገሮ ይሕብሩ።
ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ካሪን ዣን ፒየር፡ ሚስተር ባይደን ካብቲ ውድድር ኣቋሪጹ ክወጽእ ይኽእል እዩ ዝብል ጸብጻባት ሓቂ ከምዘይኰነ ገሊጻ።
“ንፕረዚደንት ሓቲትናዮ፡ ብቐጥታ መልሲ ሂቡሉ እዩ... ‘ኣይፋልን፡ ፍጹም ሓሶት’ዩ’ ኢሉ። እዚ ብቐጥታ ካብ ባዕሉ’ዩ ዝመጽአ ቃል እዩ።”
ትማሊ ምስ ሰራሕተኛታት ዋይት ሃውስ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ሓላፊ ስታፍ ጀፍ ዚንትስ፡ እቶም ከምኡ ዝብሉ ርእሶም ከድንኑ ተላብዩ ክብል ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሩ።
"ስራሕ ጀምሩ፤ ንቕድሚት ነማዕዱ፡ ንወድኣዮ" ኢሉ።
"ብዙሕ ክንሕበነሉ ዝግበኣና ነገራት ኣሎ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይዚ ፕረዚደንት ብሓባር ክንገብሮ እንኽእል ብዙሕ ኣሎ።"
ሚስተር ባይደን ድሒሩ ምስ ካሊፎርንያ ጋቪን ኒውሶምን ሚቺጋን ግሬቸን ዊትመርን ዝርከብዎም ካብ መላእ ሃገር ዝመጹ 20 ኣመሓደርቲ ዲሞክራት ተራኺቡ’ውን ዘትዩ ኣሎ።
ኣመሓዳሪ ሜሪላንድ ዌስ ሙር ድሕሪ’ቲ ኣኼባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “እቲ ፕረዚደንት ወትሩ ድጋፍና ኣለዎ፡ ንሱ’ውን ክድግፈና’ዩ” ኢሉ።
ሚስ ሃሪስ ክሳብ ሕጂ እታ ዝያዳ ክትትከኦ ተኽእሎ ዘለዋ እያ።
እታ ጓል 59 ዓመት ጓል ምክትሉ፡ ድሕሪ ክትዕ ባይደንን ትራምፕን ኣብ ውሽጢ ዲሞክራትስ ደገፋ እናወሰኸ መጺኡ ከምዘሎ ይዝረብ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
