እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ከሪም ቤንዘማ ካብ ዋንጫ ዓለም ከም ዝተኣልየ ተረጋጊጹ
ፈረንሳዊ ኣጥቃዓይ ከሪም ቤንዘማ፡ ኣብ ልምምድ ብሰንኪ ዘጋጠሞ መጕዳእቲ ሰለፍ፡ ካብቲ ሎሚ ዝኽፈት ዋንጫ ዓለም 2022 ቐጠር ከም ዝተኣልየ ተረጋጊጹ።
ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ፡ ቀዳማይ ኣጥቃዒኣ ከሪም ቤንዘማ፡ ኣብ ሰለፉ ጸገም ከም ዘጋጠሞ፡ ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ክሳተፍ ከም ከምዘይክእል ገሊጻ።
ቤንዘማ፡ ክለቡ ሪያል ማድሪድ ሻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳን ላሊጋ ስጳኛን ንኽትዓትር ብዝተጻወቶ መሪሕ ተራ፡ ንብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ዝወሃብ ሽልማት ባሎን ዲ ኦር 2022 ከም ዝተዓወተሉ ዝዝከር እዩ።
ኣብዚ እዋን፡ "ብምሉኣ ጋንታ ሓዘን ቤንዘማ ትካፈል ኣላ፣ ቅልጡፍ ሕውየት ድማ ትምነየሉ" ክትብል ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ገሊጻ።
እቲ ካብ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ፈረንሳ ዝወጽአ መግለጺ፡ ብኤምኣርኣይ ዝተገብረ መርመራ፡ ቤንዘማ ኣብ ጭዋዳታት ሰለፉ መጕዳእቲ ከም ዘለዎ ከምዘረጋገጸ፡ "እዚ ድማ ንኽሓዊ ሰለስተ ሰሙን ከምዘድልዮ" የመልክት።
ፈረንሳ፡ ኣብ ምድብ ኣርባዕተ [D] ተመዲባ፡ 22 ሕዳር ምስ ኣውስትራልያ፡ 26 ሕዳር ምስ ዴንማርክ፡ 30 ሕዳር ድማ ምስ ቱኒዝያ ጸወታ ተሰሪዑላ’ሎ።
ኣሰልጣኒኣ ዲድየር ደሻምፕ፡ መተካእታ ቤንዘማ ክጽውዕ ክሳብ ሰኑይ ግዜ ዘለዎ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ 97 ጸወታታት ንፈረንሳ ተሰሊፉ 37 ሸቶታት ዘመዝገበ ወዲ 34 ዓመት ቤንዘማ ዘጋጠሞ ማህረምቲ፡ ነታ ዕውትቲ ዝሓለፈ ውድድር ዋንጫ ዓለም ዝዀነት ፈረንሳ ካልእ ጽፍዒት እዩ።
ብሰንኪ ማህረምቲ፡ ኣከፋፈልቲ ፖል ፖግባን ንጎሎ ካንተን ድሮ እታ ጋንታ ስኢናቶም ዘላ ተጻወትቲ ኰይኖም፡ ተኸላኻላይ ማንቸስተር ዩናይትድ ራፋኤል ቫራነ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ 5 ጸወታታት ክለቡ ብዘይምስታፉ፡ ንጸወታ ብቝዕ ክኸውን ይጽዕር ኣሎ።
ዝሓለፈ ረቡዕ ኣጥቃዓይ ኣርቢ ለይፕዚግ ክሪስቶፈር ንኩንኩ ድሕሪ ዘጋጠሞ ማህረምቲ ካብቲ ውድድር ተኣልዩ፡ ተጻዋታይ ፍራንክፈርት ራንዳል ኮሎ ሙኣኒ ከም መተካእታ ተጸዊዑ'ሎ።
ኣጥቃዓይ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣንቶኒ ማርሻል ሓደ ካብቶም ንቤንዘማ ብቐዳምነት ክትክኡ ዝኽእሉ ኣጥቃዕቲ ፈረንሳ ይዅን እምበር፡ ንሱ'ውን ካብ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ብጸገም ማህረምቲ ሰለፍ ክሳቐ ዝጸንሐ እዩ።
ኣጥቃዓይ ሪያል ማድሪድ፡ ቤንዘማ ኣብ ዝሓለፈ 6 ጸወታታት ክለቡ ንፍርቂ ሰዓት ዘይመልእ ግዜ ጥራይ እዩ ተጻዊቱ።
ዝሓለፈ ሰሙን እታ ሃገራዊት ጋንታ ንዋንጫ ዓለም ካብ እትእከብ ንደሓር፡ ቤንዘማ፡ ንፈለማ እዋን ትማሊ ቀዳም ኣብ ምሉእ ልምምድ ዝተሳተፈ ኰይኑ፡ ብመጕዳእቲ ካብ ልምምድ ምስ ወጸ ሕክምናዊ መርመራታት ኣካይዱ።
ኣሰልጣኒ ደሻምፕ፡ “ነዚ ዋንጫ ዓለም ዓቢ ሸቶ ዝነበሮ ካሪም ኣመና ኣሕዚኑኒ” ኢሉ።
"እዚ ሓድሽ ዕንቅፋት’ኳ እንተሃለወ፡ ኣብ ጋንታይ ምሉእ እምነት ኣሎኒ፤ ነቲ ዝጽበየና ዘሎ ገዚፍ ብድሆ ንምግጣም ዝከኣለና ኵሉ ክንገብር ኢና።"