ዩክረይን፡ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ኣባላት ወተሃደራዊ ትካላት 'ሃለዋቶም ጠፊኡ'

ምሩኻት ወተሃደራት ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ካብ ምጅማር ወራር ሩስያ ኣትሒዙ፡ ኣስታት 7,200 ዩክሬናውያን ኣባላት ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ከም ዝጠፍኡ ኮሚሽን ሓባሲ ንብዓት ዩክረይን ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ኦሌህ ኮቴንኮ፡ መብዛሕትኦም ብሩስያ ዝተማረኹ ከም ዝዀኑ ንተሌቪዥን እታ ሃገር ተዛሪቡ።

ሓይልታት ዩክረይን፡ ቅድም ኢሉ ኣስታት ክልተ ሽሕ ዝጠፍኡ ወተሃደራት ምህላዎም ኣፍሊጦም ከም ዝነበረ’ውን ሓቢሩ።

እዚኣቶም መብዛሕትኦም፡ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት፡ ሓለዋ ዶብን ኣገልግሎት ጸጥታን እዮም ኢሉ።

“ማእከል ሓበሬታና፡ ኣስታት 7,200 ሰባት ሰኒዱ ኣሎ” ክብል ኮሚሽነር ሓባሲ ንብዓት ዩክረይን ኰቴንኮ ተዛሪቡ።

እዚኦም፡ ክልተአን ሃገራት ምልውዋጥ ምሩኻት ኲናት ኣብ ዝገብራሉ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ’ዮም ኢሉ ተስፋ ከም ዝገብር ገሊጹ።

ኪቭን ሞስኮን፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጀመረሉ 24 ለካቲት 2022 ኣትሒዙ ኣሽሓት ምሩኻት ኲናት ከም ዝሓዛ ክገልጻ ጸኒሐን እየን። ክሳብ ሕጂ ብርክት ዝበሉ ምሩኻት’ውን ተለዋዊጠን እየን። 

ብሰኑይ ኣብ ዝነበሩ ካልኦት ምዕባለታት፥

  • ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ኣብ ዝርከብ በዓል ሓሙሽተ ደርቢ ህንጻ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሮኬት ሩስያ፡ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት 30 ከም ዝበጽሐ ዩክረይን ገሊጻ
  • ሩስያ ኣብ ከተማ ሃርኪቭ ኣብ ዝርከብ ማእከል ዕዳጋ ብዝፈጸመቶ ደብዳብ ድማ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም፣ ካልኦት 13 ድማ ቘሲሎም
  • ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ዩክሬናውያን ዜግነት ሩስያ ክረኽብሉ ዝኽእሉ ኣዋጅ ፈሪሙ

ብሰንበት ሚኒስትሪ ምክልኻል ዩክረይን ኣጽዋራት ኔቶ ዝዓጠቐ፡ “ሓደ ሚልዮን ድልዱል ሰራዊት” ሒዛ ንሩስያ ክትገጥማ ምዃና ተዛሪቡ ነይሩ።

በዚ፡ ነቲ ብሩስያውያን ተታሒሑ ዘሎ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ከም እትምንዝዕ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብ ገምገም ጸሊም ባሕሪ ዘለው ከባቢታት ምምላስ ንቝጠባ እታ ሃገር ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ሓቢሩ።

እንተኾነ፡ እቲ ዓቢ ሰራዊት ናይ ምህናጽ ድሌት፡ ካብ መጉሳጌሲ ሓሊፉ ናብ ውጥን ዝኸደ ከም ዘይኮነ ተዓዘብቲ ይእምቱ።