እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስለምንታይ እስላማዊ ኣከዳድና ኣብ ደቀንስትዮ ሰሜን ኣፍሪቃ እናወሓደ ዝመጽእ ዘሎ?
ተንታኒ ሰሜን ኣፍሪቃ ማግዲ ዓብደልሃዲ ብዛዕባ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ማሕበራዊ ለውጥታት ብዝተሓሓዝ ነዚ ዝስዕብ ትዕዝብቲ ኣቕሪቡ'ሎ።
እስላማዊ ነዊሕ ክዳን - ዕባያ - ዝለበሳን መጎልበቢ ርእስን ገጽን - ሕጃብ - ናይ ዝገበራ ደቀንስትዮ፡ ምስተን ሓጺር ክዳን (ጎና) ዝገበራ ናይ 1950ታትን 60ታትን ዘነጻጽር ስእልታት ደቂኣንስትዮ ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርግሑ ይርኣዩ።
ምዝርጋሕ ናይቶም ብንጽጽር ዝቐርቡ ዘለዉ ስእልታት፡ "ሕብረተሰብ ዓረብ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት እንታይ ከምዝኾነ ተመልከቱ" ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላለፍ'ዩ።
ነቶም ነቲ ስእልታት ዝዝርግሑ ዘለዉ፡ ሃገራቶም ክሳብ ክንደይ ንድሕሪት ከምዝተመለሳን፡ ብምዕራባዊ ቅዲ ሂወት ንዝግለጽ ምዕባለን ዘመናውነትን ከምዝተሓሰማ ዝሕብር'ዩ።
ብዓይኒ'ቶም ንዝሓለፉ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ኣብቲ ዞባ ዓቢ ጽልዋ ዝጸንሐም ዓቃባውያን ሓይልታት ግን፡ እቲ ኵነታት ብኣንጻሩ'ዩ ዝርአ።
እቲ ባህላዊ ለውጢ፡ እስላማዊ መንነት ኣብ ሕብረተሰብ ዘሐድስ እወታዊ ተግባር ኰይኑ፡ ነቲ ብጸቕጢ መግዛእቲን ምዕራባዊ ቅዲ ሂወትን፡ ከምኡ'ውን በቶም ባህሊ ህዝቦም ዘጥፍኡ ምዕራባውነት ዝረዓሙ ላህመት ('ኤሊት') ናይቲ ሕብረተሰብ ዝተኣታተወ ባህላውን ማሕበራውን ወራር ዘወግድን እዩ።
ካብ ሞሮኮ ክሳብ ግብጽን፡ ክንዮኡን፡ ጉዳይ "እስላማዊ ኣከዳድና"፡ ብፍላይ መጎልበቢ (ሕጃብ) እቲ ኣዝዩ ኣሰሓሓቢ ጨርቂ'ዩ ኰይኑ ጸኒሑ።
ኣብቲ ዞባ ክተኣታቶ ዘኽኣሎ ሓደን ቀንዲን ረቛሒ ድማ፡ ምቕልቃልን ምዕዋትን እስላማዊ ፖለቲካ እዩ። እቲ ክስተት እስላማውነት ('ኢስላሚዝም') ተባሂሉ'ውን ይግለጽ'ዩ።
ኣብ መላእ ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ሓያላት ዝዀኑ እስላማውያን ምንቅስቓሳት ኣለዉ። ገሊኦም ናብ ስልጣን ዝመጹ ክዀኑ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ከምቲ ኣብ ኣብ 1990ታት ኣብ ኣልጀርያ ዝተራእየ ስልጣን ክሕዙ ዝተቓረቡ እዮም።
ካብ ስልጣን ምስተኣለዩ'ውን፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዎም ጽልዋ ቀሊል ኣይኰነን።
ብዙሓት ተዓዘብቲ ከምዝብልዎ ግን፡ እቲ ኵነታት ክልወጥ ጀሚሩ'ሎ። ነቲ ለውጢ ንምግምጋም ዘኽእል ፍሉጥ መንገዲ ድማ፡ ናብቲ ዝሓየለ ትእምርቲ እስላማውነት ዝዀነ ሕጃብ ኣቓልቦ ምግባር'ዩ።
ብዙሓት ተዓዘብቲ ናይቲ ዞባ ከምዝብልዎ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት፡ መጐልበቢ ሕጃብ እናጐደለ ይመጽእ ኣሎ።
'ኣል-ዮም 24' ዝተባህለ መርበብ ዜና፡ ሰይድ ኢል-ዛጉቲ ዝተባህለ ጸሓፋይ ኣብዚ ቀረባ እዋን "ኣብ ዓረባዊ ዓለምና፡ ብፍላይ ኣብ ሞሮኮ ሕጃብ ምኽዳን ብተዛማዲ ይጐድል ከምዘሎ ንምዕዛብ ከቢድ ኣይኰነን። እቲ ምንስሓብን ምንቍልቋልን ድማ ኣብ ምንቁልቋልን ምንስሓብን ናይቲ እስላማዊ ማዕበል ተባሂሉ ዝግለጽ ምንቅስቓስ ዝምርኮስ'ዩ" ክብል ኣስፊሩ ነይሩ።
መንእሰያት ደቂኣንስትዮ ሞሮኮ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃባኦ ርእይቶታት፡ ሕጃበን ብምውጽአን ብዛዕባ ዘጋጠመን ማሕበራዊ ጸቕጥታት፡ ምስርጣይን ክዛረባ ተሰሚዐን። እንተዀነ እቲ ጸቕጥታት ክእግደን ኣይክኣለን።
ኣብ ቱኒዝያ፡ ሕጃብ ምግባር ኣብ ሓደ እዋን ከም መግለጺ ተቓውሞ'ዩ ዝርአ ነይሩ። ምኽንያቱ ብተኸታተልቲ ምልካውያን ስርዓታት እታ ሃገር ተኣጊዱ ብምንባሩ። ድሕሪ'ቲ ኣብ 2011 ዝተወልዐ ብ'ቀውዒ ዓረብ' ዝፍለጥ ህዝባዊ ናዕቢ'ውን፡ ንሓጺር እዋን ህቡብነት ኣጥርዩ ነይሩ። እንተዀነ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን መሊሱ እናዛሕተለ መጺኡ።
ቱኒዝያዊት ጋዜጠኛ ሑዳ ኣል-ትራቡሊስ ኣብ ጋዜጣ 'ኣራቢክ ኢንደፐንደንት' ኣብ ዘቕረበቶ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ ዝተሓላለኸ ሃቐነታት ምቕልቃልን ምንቍልቋልን ሕጃብ ኣብታ ሃገር ኣብሪሃ ነይራ።
እታ ሃገር ካብ መግዛእቲ ፈረንሳ ናጻ ድሕሪ ምውጽኣ ኣብ ዝቐጸሉ ምልካውያን ስርዓታት፡ ሓቢብ ቡርጒባን ዚየን ኣል-ዓቢዲን በን ዓሊን፡ ሕጃብ መግለጺ ተቓውሞን ምሕሳምን ዓለማውነትን (ሰኲላሪዝም) እዩ ዝውሰድ ነይሩ።
ጸኒሑ ድማ፡ ኣብ እዋን'ቲ ንእስላማዊ ምንቅስቓስ ኣናህዳ ናብ ስልጣን ዘደየበ ሰውራ ዓረብ 2011፡ ንሓጺር እዋን እናገነነ ክመጽእ ተራእዩ። ብሕጃብ ዝተሸፈነት ጓለንስተይቲ፡ ህዝቢ ቱኒዝያ ክኽተሎ ዘለዎ ኣብነት (ሞደል) ተባሂሉ ክወዓዋዕ'ውን ጀሚሩ ነይሩ።
እንተዀነ፡ እስላማውያን ዝዓብለልዎ ፓርላማታት፡ ንጸገማት እታ ሃገር ምፍታሕ ምስተሳእኖ፡ ቱኒዝያ ናብ ዲቕ ዝበለ ቍጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ድሕሪ ምሽማማ እናጐደለ መጺኡ።
ኣብታ መበቆል ሕጃብ ተባሂላ እትግለጽ ግብጺ'ውን እንተዀነ፡ ምቕልቃልን ተዛማዲ ምንቍልቋልን ናይቲ መጎልበቢ ምስ ፖለቲካዊ ዕጫ ምንቅስቓስ ሕውነት ኣስላም (ሙስሊም ብራዘርሁድ) ዝተተሓሓዘ'ዩ።
ደቀንስትዮ ግብጺ ንባህላዊ መሸፈኒ ገጽ ቅድሚ ኣስታት ሓደ ክፍለዘመን ደርብየንኦ'የን። ኣብ መፋርቕ መበል 20 ክፍለዘመን ድማ መጎልበቢ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ጠፊኡ ነይሩ።
ኣብ መፋርቕ 1970ታት ግን፡ ፕረዚደንት ግብጺ ነበር ኣንዋር ሳዳት፡ ነቶም ኣብ ጸጋማዊ ዓለማዊ ፖለቲካዊ ክንፊ ዝተሰለፉ መቀናቕንቱ ንምግታእ፡ ንሕውነት ኣስላም ኣብ ዩኒቨርስቲታት እታ ሃገር ንጥፈታቶም ከካይዱ ቀጠልያ መብራህቲ ምስወልዓሎም ሕጃብ ዳግማይ ክቕልቀል ጀሚሩ። ጸጋማዊ ፓለቲካዊ ኣረኣእያ ዝነበሮም ቅድሚኡ ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ኣብ ሕብረተሰብ ግብጺ ቀሊል ዘይብሃል ጽልዋ ኣሕዲሮም ምንባሮም ይፍለጥ።
ክሳብ 2013 ኣብ ዝነበረ እዋን ድማ፡ ንምስፍሕፋሕ ሕጃብ ዝገትአ ኵነታት ኣይነበረን። ኣብ 2013 ኣባል ሕውነት ኣስላም ዝዀነ ፕረዚደንት መሓመድ ሙርሲ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።
ምስቲ ኣንጻር ሙርሲ ዝተላዕለ ህዝባዊ ተቓውሞታትን ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደን ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እስላማዊ ትእምርትታት ዘሎ ጽልኢ እናዓበየ መጺኡ፡ ብፍላይ ኣንጻር ሕጃብ ዝቐንዐ ጽልኣት ርኡይ ኰይኑ።
ኣብያተ-መግቢ ነተን ተጐልቢበን ዝመጻ ደቂኣንስትዮ ኣገልግሎት ይሕርምወን ከምዘለዉ ዝገልጹ ጸብጻባት እናበዝሑ መጺኦም። መሐንበሲታት'ውን፡ ኣስላም ዝጥቀማሉ 'ቡርኪኒ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ መሐንበሲ ተኸዲነን ንዝመጻ ደቂኣንስትዮ ክእግዱ ጀሚሮም።
ሎሚ ርኡይ ምንቁልቋል ሕጃብ ኣብታ ሃገር ኣሎ። እንተዀነ፡ ወድዓዊ መጽናዕታዊ ዳህሳስ ስለዘየሎ እቲ መርትዖ ቁንጫል'ዩ።
ስለዚ፡ ሕጂ'ውን ሒጃብ፡ ኣብታ ሃገር ኣሰሓሓቢ ጉዳይ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣሜሪካ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ዘሎ ፍልልይ፡ ኣብ ግብጺ'ውን ጉዳይ ሕጃብ ተኣፋፊ ፖለቲካዊን ባህላውን ምትፍናን ዘስዕብ ጉዳይ'ዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሓንቲ ተመሃሪት ዩኒቨርሲቲ ብሓደ ምምርዓው ዝኣበየቶ ደላይኣ ብኻራ ምስተቐትለት ዝተራእየ ግብረመልሲ፡ ማዕረ'ቲ ቅትለት ዘሰንብድ'ዩ ነይሩ።
እቲ ገበን ብዅሉ ሰብ ተፈንፊኑን ተዀኒኑን እዩ። እታ ግዳይ ዘይተጎልበበት ከምዝነበረት ምስተፈልጠ ግን፡ ርእይቶታት ክፈላለ ጀሚሩ።
ሓደ ብቪድዮ ዝሰብኽ ፍሉይ ሰባኻይ፡ ተመሳሳሊ ዕጫ ከይበጽሐን ደቂ ኣንስትዮ ኣካላተን ብግቡእ ክሽፈና ከምዘለወን ተማሕጺኑ። "ዋላ ብዘንቢል ገጽክን ተሸፈና" ክብል'ውን ተሰሚዑ።
እቲ ትመሃረሉ ዝነበረት ዩኒቨርሲቲ ንዝኽራ ኣብ ዘዳለዎ ስነስርዓት፡ ስእላ ተሰኒዑ ጉልባብ ከምዝህልዎ ብምግባር፡ ሕጃብ ትኽደን ከምዝነበረት ኣምሲሎማ።
ክልቲኡ ተግባራት ድማ፡ ካብቲ ዓለማዊ ክፋል ሕብረተሰብ ግብጺ ተሪር ኩነኔን ተቓውሞን ኣስዒቡሎም።
እቲ ነቲ ቅትለት ዝፈጸመ መንእሰይ ተሓኒቑ ክመውት ተፈሪዱ'ሎ። እንተዀነ፡ ብማሕነቕቲ ንኸይቅጻዕ ዝሕለቕ ጎስጓስ ተጀሚሩ።
ነቲ ጎስጓስ መን ብድሕሪት ኰይኑ ይመርሖ ከምዘሎ'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ኣብ ስደት ዝነብሩ ሃብታማት እስላማውያን ዝለዓለ ክፍሊት ዝሓትት ጠበቓ ብምቝጻር ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ ይግባይ ይብልሉ ከምዘለዉ ይእመን።
ነቲ ዅነታት ንምህዳእ፡ በቲ ኣብታ ሃገር ልዑል ክብሪ ዘለዎ ሃይማኖታዊ ትካል ኣል-ኣዝሃር ዝተወስደ ስጕምቲ'ውን ነቲ ጉዳይ ተወሳኺ ነዳዲ ነስኒስሉ'ዩ።
ላዕለዋይ መራሒ ኣል-ኣዝሃር ግራንድ ኢማም ሼኽ ኣሕመድ ኣ'ጣይብ፡ ጓለንስተይ ሕጃብ ዘይምኽዳና ካብ መስመር ከምዝወጸት ኣይገብራን'ዩ፡ ንፈጣሪ ዘይተኣዘዘት ጥራይ'ዩ ዝገብራ ክብል'ዩ ተዛሪቡ።
እቲ ንዓለማውያን ንምጽንናዕ ተባሂሉ ዝቐረበ መግለጺ፡ ንተሓለቕቲ መሰላት ደቀንስትዮን ካልኦት ዓለማውያን ጕጅለታትን ዘቘጥዐ ኰይኑ ተረኺቡ።
ብሰንኩ ድማ፡ ሓድሽ ክትዕ ተጐሃሂሩ። ብሓደ ወገን፡ ሕጃብ ዘይፍለ ኣካል እምነት ምስልምና ከምዝዀነ ክምጕቱ እንከለዉ፡ ብኣንጻሩ ድማ እቲ ካልእ ወገን ነቲ መጎልበቢ ጨርቂ ክዅንን ተሰሚዑ።
ዋላ'ኳ ሕጃብ ኣብቲ ዞባ፡ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ዘለዎ ደገፍ እናተዳኸመ ዝኸይድ ዘሎ እንተመሰለ፡ ካብ እስላማዊ መንነት ክሕከኽ ዘይክእል'ዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ግን ኣብቲ ዞባን ካብኡ ወጻእን ሱር ዝሰደደ'ዩ።
ኣብ ኣውሮጳ ከይተረፈ፡ መንግስታት ንሕጃብ ዝእግድ መምርሒታት ኣብ ዘውጽእሉ እዋን፡ ኲናት ኣንጻር እስላም ተገይሩ ስለዝውሰድ ተሪር ተቓውሞ ከስዕብ ይርአ።
ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሕጃብ ዝቐርብ ነቐፌታ'ኳ፡ ከም ጽልኢ-ኣስላም (ኢስላሞፎብያ) ወይ ድማ መጥቃዕቲ ኣንጻር መሰላት ውሑዳት'ዩ ዝውሰድ።
ኣብ ገለ ሕብረተሰባት እስላም ከኣ፡ ኣካል ናይቲ ደቀንስትዮ ካብ ዓፋኒ ልምድታት ሓራ ንምውጻእ ዝካየድ ቅቡል ቃልሲ ምዃኑ'ዩ ዝቝጸር።