ኣደናቒ ዓወት ኣርሰናል 'ዋንጫ ካብ ሰለስተ ክለባት ከምዘይሓልፍ ዘርኢ እዩ'

መሃንድስ ማእከል ሜዳ ኣርሰናል ደክላን ራይስ ድሕሪ ዓወት ጋንትኡ ዘርኣዮ ሓጎስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, መሃንድስ ማእከል ሜዳ ኣርሰናል ደክላን ራይስ ድሕሪ ዓወት ጋንታኡ ዘርኣዮ ሓጐስ
Published

ትማሊ ኣብ መንጐ ኣርሰናል ሊቨርፑል ዝተኻየደ ጸወታ፡ ሊቨርፑል እንተስዒራ ናይ ነጥበን ፍልልይ ናብ ሸሞንተ ክገፍሕ ኣርሰናል እንተስዒራ ከኣ ንዋንጫ ዝህልዋ ተወዳዳርነት ተውሕሰሉ ጸወታ ተባሂሉ ዓቢ ኣቓልቦ ዝረኸበ ጸወታ’ዩ ነይሩ።

ኣርሰናል ብዘተኣማምን ሰለስተ ብሓደ ስለዝሰዓረት ግን ኣብ ሜዳኣን ኣብ ቅድሚ ደገፍታን ርእሳ ኣቕኒዓ ክትወጽእ ክኢላ ኣላ። ካብታ ብ51 ነጥቢ ትመርሕ ዘላ ሊቨርፑል ብኽልተ ነጥቢ [49] ድሒራ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተቐሚጣ ኣላ።

እታ ብረብሓ ኣብ ናይ ትማሊ ጸወታ ንኣርሰናል ክትድግፍ ዘምሰየት ማንቸስተር ሲቲ ከኣ ብክልተ ተረፍ ጸወታ ብ46 ነጥቢ ኣብ ሳልሳይ ተሰሪዓ ኣላ።

ኣርሰናል ጸወታ ብምቍጽጻር ኣብ ቀዳማይ እብረ ብመንገዲ ሳካ ንጻወታ መሪሓ፤ ድሒሮም ዝተበራበሩ ሊቨርፑል፡ ኣብ ኣጋ ምውዳእ ቀዳማይ እብረ ነቶም ንሜዳ ኢማሬትስ ብናይ ሓጐስ ድምጺ ምልእ ኣቢሎሞ ዝነበሩ ደገፍቲ ኣርሰናል ስቕ ተብል ብተኸላኽልቲ ኣርሰናል ብዝተፈጠረ ጌጋ ሸቶ ብምምዝጋቦም ሓደ ንሓደ ናብ ዕረፍቲ ኣምሪሐን።

ኣብ ካልኣይ እብረ ብተደጋጋሚ ንማዕጾ ሊቨርፑል ክዅሕኩሑ ዝጀመሩ መድፈዐኛታት፡ ቫንዳይክን ኣሊሰንን ብዝፈጠርዎ ጌጋ ገብርኤል ማርቲነሊ ሸቶ ስለዘመዝገበ ኣረሰናል ፍናኖም ክብርኽ ጀሚሩ።

ተቐይሩ ዝኣተወ ትሮዛርድ ሳልሰይቲ ሸቶ ምስ ኣመዝገበ፡ ዓወት ኣርሰናል ርጉጸ ኰይኑ።

ህሉው ሰሌዳ ፕሪሜርሊግ
መግለጺ ስእሊ, ህሉው ሰሌዳ ፕሪሜርሊግ

ኣርሰናል ትማሊ ዘመዝገበቶ ዓወት፡ ንዋንጫ ዝቃለሳ ጋንታታት ናብ ሰለስተ ከበርኾ ክኢሉ ኣሎ።

ጸሓፊ ስፖርት ቢቢሲ ፉል ማክነለቲ፡ ተጻወትቲ ኣርሰናል ነታ ኣብ ጽቡቕ ኣቃውማ ከምዘላ ከተርኢ ዝጸንሐት ሊቨርፑል ክስዕሩ ምኽኣሎም ንፍናኖም ዘበርኽ ከምዝዀነ’ዩ ዝገልጽ።

ጸወታ ምስ ተወደአ ተጻወትቲ ኣርሰናል ዘርእይዎ ዝነበሩ ናይ ሓጐስ ስምዒታት’ውን ነዚ ዘርኢ ከምዝዀነ ማክነለቲ ይገልጽ።

ኣረሰናል ንሊቨርፑል ምስዓራ፡ እታ ካልእ ተሓጒሳ ዘምሰየት ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ’ያ። ኣብ ሲቲን ሊቨርፑልን ዘሎ ፍልልይ፡ ሲቲ ክልተ ተረፍ ጸወታ እንከለዋ ብ46 ነጥቢ ኣብ ሓሙሽተ ደው ንኽብል ኣርሰናል በዓልቲ ውዕለታ ኰይና ኣምስያ ኣላ።

ማንቸስተር ሲቲ ነቲ ክልተ ተሪፍዋ ዘሎ ጸወታታት እንተተዓዊታትሉ ብ52 ነጥቢ ኣብ ቅድሚት ክትመጽ’ያ።